ድለ

2025.11.04 Card. Dominik Duka (foto Clovek a vira)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንብፁእ ካርዲናል ዱካ 'ዘይፈርህ ሰባኺ ወንጌል' ክብሉ ይዝክርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም ናይ ሓዘን መልእኽቲ፣ ነቶም ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዝዓረፉ ብፁዕ ካርዲናል ዶሚኒክ ዱካ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ፕራግ፣ "ናጽነቱ ምስ ተኸልከለ ንክርስቶስን ንቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዝነበሮ ተኣማንነት ዘይተሰናኸለሉ እዋን ዘርኣዮ ትብዓት ብኣድናቖት እዝክሮ እየ" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ኣብ 2012 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ካርዲናል እተሾሙ፣ ዶመኒካዊ ሊቀጳጳሳት ዝሓልፈ ሰሉስ ኣብ 82 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ፕራግ ዓሪፎም።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዕረፍቲ እዞም ካርዲናል ምስ ሰምዑ፣ ምስታ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ እትርከብ ቤተ-ክርስትያንን ምስ ማሕበር ዶመኒካውያን ብጾቱ ከምኡውን "ነቶም ብእምነት ዝተብዐ ጓሳን ዘይፈርህ ሰባኽ ወንጌልን ዝረኸቡ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናን" ዝተሰምዖም ሓዘን ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም "ብልቢ ኣቦ ንህዝቢ ኣምላኽ መሪሖም ዕርቅን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ኣብ መንጎ እምነትን ሕብረተሰብን ከም ዚህሉ ገበሩ ኣቦ" ክብሉ መስከሩሎም።

እዞም ካርዲናል ኣብ ዶመኒካውያን ሓቅን ልግስን እተመስረተ ናይ ኤጲስቆጶስ ኣገልግሎት—ከምቲ  ኣብ ስፒሪቱ ቬሪታቲስ ዝብል ዝነበሮም ጭርሖ ዘዘኻኽረና—ነቲ  ተልእኾ ብተኣማንነትን ተወፋይነትን ከም ዝፈጸሙ ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም እቶም ብምኽንያት ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ዱካ ዝሓዘኑን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምኽፋሎም "ንነፍሲ እዚ ሕያዋይን ለጋስን ኣገልጋሊ እዚ መለኮታዊ ምሕረት" ብሕድሪ ኣማሊዶም፣ ኣምላኽ እውን "ኣብ ናይ ሓጐስ መንግስቱ ምእንቲ ኺቕበሎም" ጸልዮም።

07 Nov 2025, 11:18