ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ መራሒት መንግስቲ ላቲቭያ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር አቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ሕዳር ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናብ ሮማ ምስ ዝነገዱ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ካብ ላትቪያ ዝመጹ ነጋድያን ተስፋ ቅድሚ ምርኻቦም፡ ንግሆ ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ሃገረ ላትቪያ መራሒት መንግስቲ ኤቪካ ሲሊማ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ብድሕሪ’ዚ መራሒት መንግስቲ ላትቪያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብናይ ቅድስቲ መንበር ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራከበት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ድሒሩ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊክ ላቲቭያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ኣዕጋቢ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን ብዛዕባ እምነት ክርስቲያንን ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብ ላቲቭያ እወታዊ ኣበርክቶ ኣስተብሂሎም፡ ካብዚ ሓሊፉ "ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ ንዝህሉ ናይ ሰላም ተስፋ እናሓሰቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
