ድለ

2025.11.17 Collaboratori di ruolo diplomatico nelle Nunziature Apostoliche 2025.11.17 Collaboratori di ruolo diplomatico nelle Nunziature Apostoliche  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብቲ ዓለም ሰላም ዝሰኣነትሉ ቦታታት ተስፋ ኣብጽሑ ክብሉ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘገልግሉ ዘለዉ ዲፕሎማስያውን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም፣ "ብፍላይ ኣብቲ ሰባት ፍትሕን ሰላምን ዝሰኣኑሉ ቦታታት፣ ነጋድያን ተስፋ" ክዀኑ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማል ሰኑይ ምስ ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ምንበር ዝርከብ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ወይ ኤምባሲታት ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ዲፕሎማሲያዊ ኣካል ቅድስቲ መንበር ልክዕ ከምቶም ካልኦት ነጋድያን "እምነቶም ንምድልዳልን ኣገልግሎቶም ዘነቓቕሕ ሓሳባት ንምሕዳስን ናብ ከተማ ሮማ ተጓዒዞም ናብ መቓብር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነጊዶም ኣለዉ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ንዓለም ወንጌል ምስባኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መእተዊ ቃለ ምዕዳኖም፣ እዞም ልኡኻት ቅድስቲ ምንበር "ነቲ ናይ ምድሓን ቃል ወንጌል ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምብጻሕ" ሃገሮም ሓዲጎም ንተልእኾ ብምኻዶም ኣመስገንዎም።

ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ምፍጻም ክበሃል ከሎ "ኣብ ኵሉ ቦታ ህላወ መላእ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጕስነታዊ ሓልዮት" ማለት ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ እዋን ጸገማት ብፍላይ ከኣ ሓደ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ "ግጭትን ድኽነትን ዘለዎ ጽንኩር ኵነታት" ዘገልግሉን፣ ጸገማት ከጋጥመሉ እዋናት ድማ ቅዱስ ኣቦና ንምእመና "ምስ ቤተ-ክርስትያን ብጸሎት ከም ዘሰንይዎም ከዘኻኽርዎም" ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ብርታዐኹም ካብ ምስጢራት፣ ካብ ሕውነታዊ ሕብረት፣ ከምኡውን ካብ ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ተኣዛዝነት ብምድላብ፣ ክህነታዊ መንነትኩም ኣደልድሉ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ገዛእ ርእስኻ ኣብ ህዝብታትን ባህልታትን ምጥሓል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነዞም ልኡኻት ቅድስቲ መንበር "ካቲ ንርእስኻ ንምግላል ዝቐርበሎም ፈተና ክርሕቑ" ድማ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ እትነብረሉን እትሰርሓሉን ከባቢታት "ብወንጌላዊ ተልእኾ" ብምጥሓል "ንክርስቶስ ኣጸቢቕኩም እተፍቅሩን ደቀ መዛሙርቱን" ኩኑ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ኦም ኣብ ካልእ ቦታ ተተኺሉ ሓድሽ ፍረ ክፈሪ ይኽእል እዩ በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳሞም፣ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ነፍሲ ወከፍ መንበሪኦም "ሓደ ሓቀይና ማእከል ቤትቶም" ዝዀነ ቤት ጸሎት ከም ዘለዎም እውን ኣዘኻኸርዎም። "ነዚ ተኣምራታዊ ጸጋ እዚ ሒዝኩም ብፍላይ ኣብቲ ህዝብታት ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝሰኣኑሉ ቦታታት ናይ ተስፋ ነጋድያን ኩኑ" ብምባል ተማሕጸንዎም።

18 Nov 2025, 12:49