ድለ

2025.11.03 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ  ኣብ ፊት መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2025.11.03 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ ኣብ ፊት መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ካስተንጋዶልፎ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ፊት መቓብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እውን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ሓላዊት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ልሙድ ሰሙናዊ ዕረፍቶም ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ቅድሚ ምኻዶም ዕለት 3 ሕዳር ምሸት በቆጻጽራ ሮማ 20፡05 ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ፊት መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እውን ኣብ ፊት ምስሊ ቅድስቲ ማርያን ሓላዊት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መዓልቲ ኵሎም ሙታን

ቅድም ክብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ሕዳር መዓልቲ ኵሎም ሙታን ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንዅሎም እቶም ኣብዛ ዓመት እዚኣ ንዝዓረፉ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን መስዋዕተ ቅድሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ንነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ቅዱስ ኣፍደገ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከፊቶም ንመላእ ዓለምን ሮማን ናይ ፋሲካ ቡራኬ ምስ ሃቡ ከም ዝዓረፉን፣ ሳላት እቲ ንሶም ዘበገስዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ድማ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጣዕሚ ክርስቲያናዊ ተስፋ እተቃልሕ እያ” እንክብሉ ብዓብይ ፍቕሪ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 Nov 2025, 16:30