ድለ

2025.11.20 Visita ad Assisi 2025.11.20 Visita ad Assisi  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሲዚ በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣሲዚ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንግደት ኣካይዶም፣ ኣባኡ ድማ ምስክርነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብፍላይ ኣብዚ "ዓለም ምልክታት ተስፋ ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን" ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ዕለት 20 ሕዳር፣ ናብ ኣሲዚ ኣብ መዛዘሚ መደብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንምስታፍ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፣ ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንግደት ብምክያድ ንምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ "ሎሚ ናብዚ ቕዱስ ቦታ ዝገበርናዮ ንግደት በረኸት እዩ። ናብ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ እናተቐራረብና ኣብ እንኸደሉ ዘሎና እዋንን፣ ዓለም ምልክታት ተስፋ ኣብ እትደልየሉ እዋንን፣ ነዚ ዓብዪን ትሑትን ድኻን ቅዱስ ንምዝካር ክንዳሎ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይፈጥረልና ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መቃብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መቃብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ   (@Vatican Media)

ናብ ኣሲዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ንግሆ ብሄሊኮፕተር ካብ ሃገረ ቫቲካን ተበጊሶም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ. ናብ ኣሲዚ በጽሑ። ካብኡ ድማ ብማኪና ናብ ማእከል ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ተጓዕሱ፣ እዚ ኸኣ ማእከል ስነ-ጥበብን ታሪኽን ባህልን መንፈሳውነትን ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዕስራ ዕስራ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዊስካ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድናን ዝተረኽቡሉ ቅዱስ ቦታ እዩ ዝንበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ነታ ”ኣሃው ኩልነ”  ዝተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ንምኽታትም ኣባኡ ከም ዝበጽሑ ውን ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ ታሕተዋይ ብዚሊካ እተገብረሎም ተቕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ውን ብግዲኦም ነዚ ንግደት እዚ ክፍጽሙ ተረኽቡ። ቅዱስነቶም ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ ንምርኻብን ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ቅድሚ ምኻዶም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ. ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ጠበቓ ኢጣልያ ንግደት ኣካየዱ።

ዘየቋርጽ ዝናምን ብርቱዕ ቍርን እኳ እንተ ነበረ፣ ገለ ምእመናን ኣብቲ ቅርዓት እቲ ባዚሊካ ተረኺቦም “Viva il Papa!” እናበሉ ድሙቅ ሃንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ባዚሊካ ድማ ሓለቓ እቲ ገዳም ዝኾኑ ክቡር ኣባ ማርኮ ሞሮኒ ምስ ካልኦት መነኮሳት ኮይኖም ድማ ተቐቢሎም ናብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንምብጻሕ ኣሰነይዎም።

እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ፣ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንምዝካር ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ኢዩ ዝንበረ።

ኣብ ቅድሚ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘዕረግዎ ጸሎት

ኣብኡ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቓብር፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ቀንዲ ምንበረ ታቦታ እታ ቤተ ክርስትያን ዝርከብ ጥንታዊ መሰረት እምኒ ተረኾቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንእተወሰነ ደቒቕ ብጽሞና ጸሎት ኣዕሪጐም። ድሕሪኡ ሓጺር ኣስተንትኖ ኣካፊሎም፣ ቃል ቅዱስነቶም ውን ነቶም ኣብ ደገ ዝንበሩ ምእመናን ብመጕልሒ ድምጺ ዝመሓላለፍ ነበረ፣ እዚ ሓጺር ግን ከኣ ከም ነዊሕ ሓወልቲ ንዘመናት ምስክርነቱ ዝጸንዐ ቅዱስ፣ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ኬቕርቦ ዚኽእል ምስክርነት ተስፋ ዝኾነ መልእኽቲ ከም ዝለዎ ኣረጋገጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ምብጻሕ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሞንቴፋልኮ ኣብቲ ጥቓ ኣሲዚ ዝርከብ ኣብ ገዳም ቅድስቲ ኪያራ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ኣብ ናይ ምሳሕን ተሳቲፎም፣ ካባኡ ኣብ ዝነቐሉሉ እዋን ድማ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝለገሰዎ መግለጺ፣ ናብቲ መቓብር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ምእንቲ ሰላም ከም ዝጸለዩ ኣመልኪቶም።

ወሲኾም ድማ "ምእንቲ ዅሎም ምእመናን ኡምብርያን፣ ምእንቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኢጣልያ ዝርከባ ኣሲሲን ሞንቴፋልኮን” ከም ዝጸለዩ ውን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ሎሚ ኣብ ምድሪ ብዙሓት ቅዱሳን እየ ዘለኹ" በሉ። "ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣሲዚ ምርካበይ ኣዝዩ ኢዩ ዘሓጉሰኒ፣ ቀጺለ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ሞንቴፋልኮ ... ናይ ቅድስና ሃዋህው የስተማቕር ኣሎኹ" ክብሉ መስከሩ።

21 Nov 2025, 10:06