ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ሕክምና ሊባኖስ፡ ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኣይንረስዕ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ በይሩት ኣብ ከተማ ጃል ኤድ ዲብ ኣብ ዘሎ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘለዉ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ቤት ሕክምና ዘመስቀል ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ነቶም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎን ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ንምእላይ ዝውፍያ ደናግልን ሰራሕተይናታትን ኣገልግሎቶም ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ታሕሳስ ንግሆ ኣብ ከተማ ጃል ኤድ ዲብ ዝርከብ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ቤት ሕክምና ስንክልና ኣእምሮ ማእከላይ ምብራቕ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ​“ኢየሱስ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣባኻትኩም ህሙማን: ኣባኻትኩም ንሕሙማት እትኣልዩ፡ ደናግል፡ ሓኻይም፡ ኵሎም ሰራሕተይናታትን ስለ ዝነብር እየ ክበጽሕ ዝደለኹ፡” ንኹሎም ድማ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይሕለል ናይ ፍቕሪ ሃዋርያ

ብዛዕባ ምምስራት እቲ ቤት ሕክምና ዘስተንተኑ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ 1919 ዓ.ም. ነቲ ቤት ሕክምና ንዝመሰረተ ኣባ ብጹዕ ዣክ ዘይሕለል ሃዋርያ ግብረ ሰናይ እንክብሉ ብምዝካር “ብፍላይ ንድኻታትን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡ ፍሉይ ፍቕሪ ኣብ ምርግጋጽ ብዝነበሮ ቅዱስ ህይወት ዝዝከር” እንክብሉ ገሊጾም፡

ኣብ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ኣብ ምሕብሓብ ብጹዕ ዣክ ዘበገሶ ግብረ ሰናይ ክቕጽል ንማሕበር ፍራንቸስካውያን ደናግል ዘመስቀል ከም ዝመስረተ እውን ብምዝካር ነተን ደናግልን መላእ ሰራሕተይናታት እቲ ቤት ሕክምናን ኣብዚ ተልእኾ እዚ ንዝገብርዎ ተወፋይነት ኣመስጊኖም፡ እቶም ሰራሕተይናታት “ናይ ክርስቶስ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ ዝጭበጥ ምልክት ኢኻትኩም - ቢሎም - ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ንዝተጎድኡ እትከናኸኑ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ዋላ’ውን ድኻም ወይ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዘጋጥም እዋን፡ “ብፍላይ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሰርሑሉ በዳሂ ኩነታት” ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓጐስ ናይቲ ተልእኾ ከይስእኑ ኣተባቢዖም፡ እዚ ብድሆታት እዚ እናሃለወ ጸኒዕኩም እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓቢ ዕዮ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንተነቀፍቲ ምዝካር

እቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝሳለጥ ዕዮ፡ ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ዘይምርሳዕ ዝብል ንኹሉ ንጹር መዘኻኸሪ እዩ፣ ንሃገርኩም፣ ንብምልኡ ሰብኣዊ ስድራቤት እውን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቲ ክውንነት ድኽነትን ተቓላዕነትን ሸለል እናበልና፡ ኣብ ናይ ሓሶት ሓሳባት ጽቡቕ ሂወት ተጣቢቕና ንቕድሚት ዝስጉም ሕብረተሰብ ክንፈጥር ኣይንኽእልን ኢና፡ ብፍላይ ከም ክርስትያን፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኻታት ክንከናኸን ዝተጸዋዕና ኢና - ቢሎም - እዚ ጸዋዕታ ወንጌል እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መዛዘሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ናብ ልቢ ኣምላኽ ዝቐረቡ ምዃኖም ድማ ኣዘኻክኢሮም፡ እግዚኣብሔር ብኢዱ ሒዙ፣ ብፍቕሪ የሰንየኩም፣ ብኣእዳዉን ብፍሽኽታን እቶም እትሓልዩሎም ሰባት ለውሃቱ ይህበኩም፡ ባኣኻትኩም ኣቢሉ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፎም ከም ውሉዱ ገይሩ ኸም ዜፍቅሮምን ከም ዚሓልየሎምን ከም ዘረጋግጸሎም ኣዘኻኺሮም፡ "ነዚ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

03 Dec 2025, 14:25