ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እዋናዊ ወፍሪ ብ'ደማዊ ዋጋ ሚልዮናት ህይወት ደቂ ሰባት' እዩ ዝፍጸም ዘሎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ታሕሳስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ተረኽብሉ ጉባኤ፡ ልብና ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ደኣ እምበር ኣብቲ "ኵሉ ሳዕ ዘየዕግበና መዓልታዊ ንጥፈታት" ከም ዘይኰነ ኣብ ዝለገስዎ ሓፋሻዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 17 ታሕሳስ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኩላትና ብቐጻሊ ኣብ ጉዕዞ ምዃና ዘረጋግጽ ኣድማሳዊ ስምዒት ኣማእኪሎም እንከስተንትኑ፡ እዚ ድማ “ንኽንዓዪ፡ ክንዋሳእ ዝድርኸና እዩ።” ዳርጋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ሰናይ ሸቶታት ንምውቃዕ መብዛሕትኡ ግዜ ፍጥነት ከም ዘድሊ ኣጕሊሖም። ይኹን እምበር ኣብ ዓለማዊ ድሌት ኣብ ክንዲ ዝትኮር ኣብ ትንሳኤ ኢየሱስን እዚ ንመዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእልን ምትኳር የድሊ። ኵላትና ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወት ክንሳተፍ እንኮለና 'ዕረፍቲ ኽንረክብ ዲና? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ እምነትና ሓቀይና ዕረፍቲ ከም እንረክብ የረጋግጸልና። ይኹን እምበር ዘይንጡፍ ዕረፍቲ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ብሰላምን ብሓጐስን ኢና እንነብር። "ስለዚ ክንጽበ ድዩ ዘሎና ወይስ እዚ ሕጂ ክቕይረና ይኽእል እዩ?" እንክብሉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ብደማዊ ዋጋ ህይወት ሚልዮናት ደቂ ሰባት”

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ዘየዕግበና ግን ከኣ ግብራውን ጭቡጥን ጕዳያት ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ኢና እንወሓጥ። መዓልታዊ ህይወትና ብምርጫታትን ጸገማትን ምትሕልላኻትን ሓላፍነታትን ዝመልአ እዩ። ሕይወት ኢየሱስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና 'ክሳዕ መወዳእታ ርእሱ ኣሕሊፉ ኣብ ምሃብ' እዩ ዜተኮረ። ብዙሕ ነገራት ምግባር ዕጋበት ከም ዜምጽእ ገይርና ከይንሓስቡ ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ክንዳኡስ "ዚዕብልለናን ህድኣትና ዜጥፍእን ኣብ ህይወትና ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ምሉእ ብምሉእ ንኸይንነብር ዚዓግተናን ዓንኬል እዩ ዝኸውን።" ዘጋጥመና ድኻምን ዘይዕጋበትን መብዛሕትኡ ግዜና ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ህላወና ዘይመርሓና ኣብቲ ማእለያ ዘይብሉ ግብራዊ ነገራት ከም እነሕልፎ ዀይኑ ክስምዓና ዝድርኽ ኽከውን ይኽእል። ኣብ መወዳእታ ፍጻመታትን ንጥፈታትን ዝመልአ መዓልትታት እውን ከይተረፈ ባዶነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። "ግኡዝ ነገራት ኣይኮናን 'ልቢ ዘሎና ኢና። ብሓቂ ልቢ ኢና ክንብል እውን ንኽእል ኢና።"

ልቢ፡ ቅዱስ ኣቦና “ምሳሌ ናይ ኩሉ ሰብኣውነትና፡ ድምር ሓሳብናን ስምዒታትናን ድሌታትናን፡ ዘይርአ ማእከል ገዛእ ርእስና እዩ - ቢሎም - ወንጌል ማቴዎስ ንልቢ ኩሉ ሃብትና እንዕቅበሉ ቦታ ምዃኑ ብምምልካት ነዚ ከነስተንትነሉ ይዕድመና።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሃብትና ኣብ ምድራዊ፡ ግዝያዊ ነገራት ከይንዕቅቦ ኣገዳሲ እዩ። ሃብትና ኣብ ቍጠባዊ ወፍሪ “ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ብደማዊ ዋጋ ህይወት ሚልዮናት ደቂ ሰባትን ዕንወት ፍጥረት ኣምላኽን ዝተዋህለለ” ክኸውን የብሉን።

ኩሉ ሰብ ሃብቱን ልቡን ኣበይ ከምዘሎ ንምርኣይ ኣብ ውሽጡ ክጥምት ኣተሓሳሲቦም፡ ምኽንያቱ ምስቲ ሓደ ሓደ ግዜ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ቃል ኪዳን፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምብታንን ተስፋ ምቑራጽን ትርጉም ኣልቦነትን ሓደጋ ስለዘጋጥመና።

ነቲ ዘይርጉእ ልብና ስቕ ምባል

ኮይኑ ግና ብዛዕባ ሕይወት ዘለና ትርጉም ኣሰጋጊርና ብመነጽር ፋሲካ እንተ ኣቐሚጥናዮ እቲ ሓቀይና ትርጉም ክንረክብ ንኽእል ኢና፤ “ኣብ ሕመረት ሰብኣዊ ስብእና: ዝኾነ ልብና: cor inquietum - ዕረፍቲ (ርቡጽ) ዘይብሉ ልቢ”  ንረክብ። እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ኣብታ ኑዛዜ ዝብል ድርሳኑ “ዘይርጉእ ልቢ” እንክብል ዝገልጾ።

እዚ ናይ ዕረፍቲ ዘይምህላው ስምዒት፡ ልብና ብኣጋጣሚ ከም ዘይንቀሳቐስ፡ “ብዘይስርዓተ መንገዲ፡ ብዘይ ዕላማ ወይ መዕለቢ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ፡ ማለት ናብቲ ‘ናብ ቤትና ምምላስ’ ዝቐንዐ እዩ።” ናይ ልብና ሓቀይና ሃብቲ ኣብቲ ዘፍቅር ኣምላኽ እዩ ዝርከብ፡ እዚ ድማ ንብጻይና ኣብ ምፍቃር ከራኸበና ዝኽእል እዩ።

ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምርኣይ ካብ ሸበድበድ ዝግ ቢልና ኣብ ኣዒንቶም ክንጥምቶም ይሓትት፤ ሓደ ሓደ ግዜ፡ ለውጢ መደባት ወይ ሓድሽ ኣንፈት እውን ዝሓትት እዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝገለጽዎ ምስጢር ምንቅስቓስ ልቢ “ብዘይወድቕ፡ ተስፋ ዘየቑርጽ ሓጐስ እናተሓጐሰ ናብ ምንጪ ህላወኡ ምምላስ እዩ።”

ብዘይ እቲ ኪኖ ዝኸይድ ትርጉም ክትነብር ኣይከኣልን። “ልቢ ሰብ ብዘይ ተስፋ ክነብር ኣይክእልን እዩ፡ ልቢ ሰብ ንስእነት ዘይኰነስ ንምልኣት ከም እተፈጥረ ኸይፈለጠ ብዘይ ተስፋ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ኢየሱስ ብትስብእቱን ሕማማቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ኣቢሉ ናብዚ ተስፋ እዚ መገዲ ጸሪጉልና እዩ። "ናብታ (ልቢ) እተፈጥረትላ ፍቕሪ" እንተ ኣቲና እቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ልብና ኣይኪጕህየን እዩ። እቲ መዓርፎ ህይወት ተዓዋቲት ምዃና እተረጋገጸሉ እዩ፡ ብክርስቶስ ከኣ ህይወት "ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዓይነት ሞት" ክትዕወት እያ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Dec 2025, 16:55