ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሰብኣዊ ፍጥረት ቍሊሕ በሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማርያም ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ተጸንሰት ዝብል ሃምነናዊ ውሳነ ካብ ዝእወጅ ኣብ ውሽጢ 100 ዓመት፡ ኣብ ሮማ ስጳይና ናብ ዝርከብ ሓወልቲ ንጽሕቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕምባባ ናይ ናይ ምልኣኽ ልምዲ ብር.ሊ.ጳ.ፒዮስ መበል 12 ከም እተጀመርን ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ኣብ 1958 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ናብ ኣደባባይ ስጳይና ብምኻድ ኣብ ትርጋጽ እቲ ሓወልቲ ኣብ መሶብ ዝተነብረ ጻዕዳ ጽጌረዳ ከም ዘንበሩን እዚ ልድሚ እዚ ቀጺሉ እነሆ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ቅድሚኦም ዝንበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ኣደባባይ ስጳይና ምብጻሕ ኣካይዶም ነቲ ስነ ስርዓት ከም ዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም በማላድነት ንጽሑ ጽንሰታ ለማርያም ጸሎት ምስ ደገሙ እናተዘዋወሩ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ብፍላይ ብኣባይቲ ስድራኦምን ብተፈላለያ ማሕበራት ወለንተይናታትን ንዝተሰነዩ ሁሙማን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ተፋንዮም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም - ቫቲካን ከም እተመልሱን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዱስነቶም ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ባልዳሳረ ረይናን ከምኡ እውን ብናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ከም እተሰነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
