ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣውስትራልያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዘኖም ይገልጹ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘንን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ዘረጋግጽ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ናብ ናይ ሰበኻ ሲድኒ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶንይ ፊሸር ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ገማገም ባሕሪ ቦንዳይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ምስ በጸሖም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም ናብ ናይ ሰበኻ ሲድኒ ሊቀ ጳጳስት ኣንቶኒ ፊሸር ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም “ንበዓለ ሃኑካ ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ” ዓሚቝ ሓዘን ከም ዘሕደረሎም ገሊጾም፡ "ነቶም በዚ ትርጉም ኣልቦ ተግባር ዓመጽ ዝተጎድኡ ኩሎም መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጸሎቶም" ኣረጋጊጾም፡ “እቶም ናብ ዓመጽ ዘብሉ ክልወጡን መገዲ ሰላም ክደልዩን” ዘለዎም ተስፋ ኣካፊሎም፡ ነቶም ዝቖሰሉ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ጸሎቶም “ከምኡውን ነቶም ፍቝራቶም ብምስኣኖም ኣብ ከቢድ ሓዘን ንዝርከቡ” ጸሎቶምን ቅርበቶም ከምኡ እውን “ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣውስትራሊያውያን ናይ ሰላምን ሓይልን መለኮታዊ በረኸት” ተማሕጺኖም ምዉታት ንኣምላኽ ከም ዝወከፉ ኣፍሊጡ።
16 Dec 2025, 16:21
