ድለ

2025.12.09 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ዘለንስኪ ተራኺቦም 2025.12.09 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ዘለንስኪ ተራኺቦም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬይን ዘለንስኪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኻልኣይ ግዚኦም ኣብ ጋስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ንርእሰ ብሔር ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብዛዕባ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ንምምላስን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣማእኪሎም ክመ እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 9 ታሕሳስ ንግሆ ንርእሰ ብሄር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ፡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ፡ ነቲ ርክብ ዝገልጽ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡  ብቐንዱ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘማእከለ ምንባሩ የረጋግጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣገዳስነት ቀጻሊ ዘተ ደጊሞም ብምርግጋጽ “ቀጻሊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጻዕርታት ናብ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ከም ዘብጽሕ ዘለዎም ህጹጽ ተስፋ” ደጊሞም ከም ዘስመሩሉን፡ ብዛዕባ ጉዳይ ምሩኻት ኲናት እውን ከም እተዘራረቡን ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ዩክሬን ናብ ስድራቤቶም ብውሑስ መንገዲ ክምለሱ ቅዱስነቶም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ልክዕ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ቅዱስነቶም ኣብ ካስተን ጋልደልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ንርእሰ ብሔር ዩክረይን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ እብቲ ቀዳማ ርክብ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ከም እተመያየጡ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማህተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ካልኣይ ወርሒ ሕርየቶም ምዃኑ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ቫቲካን ንኽልቲአን ዩክሬንን ሩስያን ንዘተ ከራኽብ ዝኽእል መድርኽ ከተአንግድ ድልውቲ ምዃና ኣብቲ ቀዳማይ ርክብ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብዚ ናይ ዕለት 9 ታሕሳስ ርክብ እውን ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ደድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብፍላይ ብዛዕባ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ዩክረይን ናብ ስድራ ቤቶም ንኽምለሱ ቅዱስነቶም ዝገበርዎ ደገፍ ምስጋናኡ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Dec 2025, 17:34