ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ቃል ኢየሱስ 'ካብ ማእሰርቲ ተስፋ ምቑራጽ ሓራ የውጽእ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ነብዪ ብመቝሕ እውን እተተኣሰረ ንሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ድምጹ ንኸስምዕ ዝከኣሎ እዩ! እንክብሉ ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 11, 2 – 11 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ብምርግጋጽ፡ ነቲ ብስብከቱ ተኣሲሩ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ብምዝካር፡ ቅዱስነቶ ነቲ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስተንትኖ ነዚ ሓያል ምስሊ እዚ ብምቕራብ ኣበጊሶም፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን ከይተረፈ ተስፋ ካብ ምጽናዕን ካብ ምሕታትን ኣይቦኸረን። በዚ ኸምዚ ዮሃንስ ዋላ ነብያት እውን ናጽነቶም ኣብ ዝተነፍግሉ እዋን ቃል ኣምላኽ ስቕ ክብል ከም ዘይክእል ምልክት ኮይኖም ይቕጽሉ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ነገራት ኵሉ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኮይኑ ኸም ዝሰምዖ ገሊጾም። ይኹን እምበር እዚ ግብርታት እዚ ምስቲ እተጸበዮ ኣይሰማማዕን እዩ። ስለዚ ድማ "እቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ?" ኢሎም ይሓትዎ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዘመናት ተንጸባሪቓ እያ ንዅሎም እቶም "ሓቅን ፍትሕን ዚደልዩ ናጽነትን ሰላምን ሃረር ዚብሉ" ከምኡውን ንኢየሱስ ብቐጻሊ ዘቕርብዋ ሕቶ እያ . . . ኢየሱስ ብዛዕባ መንነቱ ብኽልሰ - ሓሳብ ኣይገልጽን። ሰባት እንታይ ከም ዚገብር ኪርእዩ እይ ዝዕድም። "ኣብ ክንዳኡ ዚዛረቡ ድኻታትን ሕሙማትን ኣብ መንጎና እቶም ዝነኣሱን እያቶም" ብምባል ቅዱሰንቶም ነቲ መሲሕ በቲ ዚርአ ምልክታት ድሕነት ዝዀነ ተግባራቱ ኸም ዚፍለጥ ምዃኑ እንከጒልሑ "ዕዉራት ይርእዩ ኣልቦ ልሳን ዝኾኑ ይዛረቡ ጸማማት ከኣ ይሰምዑ!” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ እቲ ብሕማምን ብምግላልን እተበላሸወ ምስሊ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ናብ ምሉእነቱ ይምለስ እዩ። ምዉታት እውን ከይተረፉ "ፈጺሞም ምላሽ ዘይህቡ" እዮም ዚትንስኡ። እቲ ኣምላኽ ናብ ዓለም ምስ መጸ ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም" ዝብል ቃል እምነት ሕመረት ወንጌል ምዃኑ ኣትሪሮም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ተስፋ ምቑራጽ ሓራ ዝወጸ
"ቃላት ኢየሱስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተስፋ ምቑራጽን መከራን ሓራ ኣውጽኡና እዩ። ኩሉ ትንቢት ትጽቢት ዝግበረሉ ፍጻሜኡ ኣብኡ - ኣብ ኢየሱስ - እዩ ዝረክብ"
ኣዒንቲ ደቂ ሰባት ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝኸፍት ክርስቶስ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም - ንውጹዓት ድምጺ ዝህብ፡ ናይ ዓመጽን ጽልእን ድምጾም ናቱ ዝገብር፡ ነቲ ንሰባት ንሓቂ ጸማም ዝገብር ስነ - ሓሳብ ዝስዕር፡ ከምኡ’ውን ነቲ ንስብእና ዘዛብዕ ምትላል ዝፍውስ” ኣምላኽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምጽኣት: ናይ ምጽባይን ትኹረት ዝግበረሉን እዋን
ኣብዚ ናይ ምጽኣት ወቕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምእመናን ኣብ ክልተ መሰረታዊ ኣተሓሳስባታት ክጥርነፉ ዓዲሞም፡ "መድሓኒ ዓለም ምጽባይን እግዚኣብሄር ኣብ ዓለም ንዝገብሮ ኵሉ ትኹረት ምሃብን - ቢሎም - Gaudete in Domino semper - ብጐይታ ወትሩ ተሓጐሱ እንክብሉ እዚ ናይ ሳልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ትርጉም እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ እዚ ሓደ ሰብ ካብ ፈተናታት ንኸርሕቕ ዝገብሮ ሓጐስ ኣይኮነን፡ ኣብ ክንድኡ “ብፍላይ ህይወት ትርጕሙ ዘጥፈኣት ኣብ እትመስለሉን ኵሉ ጸልማት ምስ ዚመስልን” ዚጸንዕ ሓጐስ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
