ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሕሙማትን ኣካለ ስንኩላንን፡ ሓጎስ ልደት የሰንየኩም!
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ዝተረኽቡ ህሙማንን ኣካላ ስንኩላንን ምመናን ተራኺቦም፡ ድሕሪ ዘቕረብዎ ሰላምታ፡ ፍሉይ በረኸትን “ሓጐስ ወቕቲ ልደትን ንዓኣቶምን ንኣባይቲ ስድራኦምን ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ታሕሳስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ዝተፈላለዩ ህሙማንን ስንኵላንን ምመናንን ኣባይቲ ስድራኦምን ተራኺቦም፡ ሰላምታ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብዚ ንበዓለ ልደት ኣብ እንዳለወሉ ዘሎና እዋን ፍሉይ ትምኒተይን ቡራኬን አቕርበልኩም፡ ጐይታ “ብሓጐስ ናይዚ ናይ በዓል ልደት ወቕቲ ንኹልኹምን ንስድራቤትኩምን ንእትፈትውዎም ሰባትን ከሰንይ እጽሊ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ኢድ ጐይ ብምትእምማንን ኣብቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህበና ዚኽእል ፍቕሪ እምነት ይህልኹም - ቢሎም - ምስ ኩሎም ሓደ ብሓደ ሰላምታ ተለዋዊጦም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
17 Dec 2025, 16:52
