ድለ

2025.12.17 ር.ሊ.ጳ.: ነቲ ትርጉም በዓል ልደት ዘርሕቕን ዘጥፍእን "ሸበድበድ ዝመልኦ ደጋዊ ንጥፈታት" ነወግድ 2025.12.17 ር.ሊ.ጳ.: ነቲ ትርጉም በዓል ልደት ዘርሕቕን ዘጥፍእን "ሸበድበድ ዝመልኦ ደጋዊ ንጥፈታት" ነወግድ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.: ነቲ ትርጉም በዓል ልደት ዘርሕቕን ዘጥፍእን "ሸበድበድ ዝመልኦ ደጋዊ ንጥፈታት" ነወግድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 17 ታሕሳስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነቲ ናይ ልደት ትርኢት ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባውን እምነትን መሰረት ዝገበረ ዋጋ ብምዝካር፡ ነቲ "ሃብቲ ሕይወትና" ዝኾነ ኢየሱስ ንምጽባይ ክዳለዉ ግዜ ክምድቡ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንበዓል ልደት፦ እንሰናደወሉ ወቕቲ እውን እንተኾነ በቲ ኣብ ንዋታዊ ነገራት ጥራይ ዘተኩርም ድላዋት ክንዋሓጥ ምፍቃድ ነቲ 25 ታሕሳስ እነብዕሎ "ሃብቲ ህይወትና" ዝዀነ ኢየሱስ ምቕባል ከደናግርን ክኽውሎን ከም ዝኽእልብ ንምምጻእ ጐይታ "ደጋዊ" ትርጕም ከይወሃቦን ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ትርኢት ልደት፡ ምልክት እምነት፡ ስነ ጥበብን ባህልን እዩ

ጭቡጥ ምልክት በዓል ልደት "ዜነቓቕሕ መግለጺ ምስጢር ልደት ክርስቶስ" እዩ። እዚ ኣገዳሲ ረቛሒ እዚ ብኣረኣእያ እምነት ይኹን ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መዳይ፡ ነቲ ሰብ ብምዃን "ኣብ ማእከልና ክነብር ዝመጸ" ኢየሱስ ንምዝካር እንውከሶ ናይ በዓል ልደት ባህሊ ኮይኑ ክቕጽል ተስፋ እገብር እንክብሉ ንቋንቋ ጣልያን ተጠቀምቲ ምመናን ሰላምታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በዓል ልደት ባዶ ኣይትግበርዎ

ንተጠቀምቲ ቋንቋ ፈረንሳ ምእመናን፡ ካብቲ "ሸበድበድ ዝመልኦ" ዓይነት ምድላዋት፡ ንበዓል ልደት ባዶ ዝገብር ተስፋ ንምቝራጽ ቦታ ክሓድግ ንዝክእል "ሸበድበድ ካብ ዝመለኦ ንጥፉነት” ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ክንዳኡስ እቲ ፍቕራዊ ህላወኡ ንዘለኣለም ሃብቲ ህይወትናን ልብናን ምእንቲ ኪኸውን ንልብና ብጥንቃቐን ንቑሕ ንግበር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንስሓን መንፈሳዊ ሱባኤን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፖላንዳውያን ነጋዲያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፡ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ክሳተፉን ወይ መንፈሳዊ ሱባኤ ክገብሩ ዓዲሞም፣ እዚ ድማ ሰላምን ሓጎስን ኣብ ህይወት ሓቀይና ትርጉምን ክህብ ዝኽእል ተመክሮታት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ብሓጎስ ምጽባይ

ንቋንቋ ጀርመን ተጠቀምቲ ነጋዲያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፡ ምጽኣት ንበዓል ልደት ክንዳሎ ይዕድመና፣ ንኢየሱስ ብዘይ ዕቃበ ክንቅበሎ። ንሱ ተስፋና እዩ። ስለዚ በዓለ ልደት ብሓጎስ ንጽበን "ንዓ ጎይታ ኢየሱስ" ብምባል ብእምንቶ ጸኒዕና ንጸሊ” ቢሎም፡ ኣተሓሒዞም ንፖርቱጋል ቋንቋ ተጠቀምቲ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ነቲ ኣብ ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባት "ብባህሊ ሃብታም" ዝኾነ ታስዕቲ ልደት ልቦት ክሕድስ ተላብዮም፡ ንቋንቋ ዓረብ ተጠቀምቲ ድማ፡ ክርስትያን"ብሓቀይና ሰላምን ሓጎስን ምእንቲ ክመልኡ፡ ንፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይን ልቦም ክኸፍቱ ዝተጸውዑ እያቶም” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ዝቕጽል መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ረቡዕ 24 ታሕሳስ ዋዜማ ልደት ስለ ዝኾነ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረብዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ከም ዘይህሉ ዜና ቫቲካን ብምዝኽካር፡ ቀዳም 20 ታሕሳስ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ክህሉ ከም ዝኾነን ዝቕጽል ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ዕለት 31 ታሕሳስ፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይዚ ዓመት ክቐርብ ምዃኑ ብምምልካት፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ዝቐረበሉ ኣብ 1975 ዓ.ም. ቅድሚ 50 ዓመት ምንባሩ የዘኻኽር።

17 Dec 2025, 16:59