ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ማርያም ዝኣመነቶ እመን፡ ንኣምላኽ ' እነኹልካ' በል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምእመናን ከም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እግዚኣብሔር ክኣምኑን በዚ ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ዝጽውዓና ተልእኾ ለጋሳት ኣብ ምዃን ፍቓደይናታት ክንከውን” ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእ ዝመጹ ነጋድያን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኑ መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ንባበ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዓዲሞም፡ ቤተ-ክርስትያን ማርያም ኣብ እዋን ጽንሰታ ንመጻኢ ረብሓታት ድሕነት ክርስቶስ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍሉይ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ብኸመይ ከም ዝዓቀባ ተብዕል - ቢሎም - እነኹልካ ዝብል ናይ ኣደ ጐይታ መልሲ‘ ዘደንቕ እዩ፣ ናትና ንጎይታ እንህቦ መልሲ ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ በብመዓልቱ ብተኣማንነት፣ ብትሕትናን ብጽንዓትን፣ ብጸሎትን ብጭቡጥ ተግባራት ፍቕርን፣ ካብ ኣዝዩ ዘይተለምደን ክሳብ እቲ ኣዝዩ ዕለታውን ተራን ጻዕርታትን ተግባራት ኣገልግሎትን ክሕደስ ይኽእል እዩ። “በዚ መንገዲ እዚ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ቦታ ክፍለጥን ተቕባል ክረክብን ክፍቀርን ይኽእል እዩ፣ ድሕነት ድማ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እግዚኣብሕኤር ነቲ ዝህበና ክንቅበል ነጻነትና የኽብር
ር.ሊ.ጳ. መልኣኽ ገብርኤል “ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ጸጋ ዝመለኣኪ: እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ” ብምባል ሰላምታ ኣብ ዝቕረበሉ እዋን፡ ንተልእኾኣ “ብናይ ትሑታት መንፈስ ምድናቕ” ከም ተቐበለቶ ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ ካብ ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 26 – 38 ተወኪሶም ብፍሉይ ፍቕዲ 38 ብምጥቃስ “እኔኹ፡ ኣነ ጊልያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” ዝብል መልሲ ማርያም ንእግዚኣብሔር ኣዘኻኺሮም፡ “ብናጽነት ንመደብ እግዚኣብሔር ሓንጎፋይ ቢላ ስለ ዝተቐበለቶ፡ እዚ ጸጋ እዚ ኣብ ማርያም ከመይ ጌሩ ፍረ ክፈሪ ከም ዝኸኣለ ኣስሚሮም፡ ጐይታ ኩሉ ግዜ ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዝዋሳእ: ዓበይቲ ህያባት ይህበና፣ ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ግን ናጻ ይገድፈና” እንክብሉ ኣጽኒዖም፡ ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጠቒሶም፡ “ንሕና’ውን ንኣምን ኢና፡ ምኽንያቱ እቲ [ኣብኣ] ዝመጸ ንዓና’ውን ክጠቕመና ስለ ዝኽእል” ቢሎም፡ ምእመናን ከም ቅድስት ድንግል ማርያም ክኣምኑን እግዚኣብሔር ዘቕርቦ ጸዋዕታ - ተልእኾ ዘበለ ብሓጎስ ክቕበሉን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገዳስነት ዝተቐበልናዮ ጸጋ ጥምቀት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኢየሱስ ናብ ሕይወት ሰብ ክኣቱ ኣብ ምፍቃድ፡ ምስጢረ ጥምቀት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም፡ “እቲ ኣብ እዋን ጽንሰታ ለማርያም ዝተፈጸመ ተኣምር፡ ብጥምቀት ተሓዲሱ ኣዩ፡ ካብ መበቆላዊ ሓጢኣት ነጺሕና፡ ደቂ እግዚኣብሔር፡ መሕደሪኡን ቤተ መቕደስ መንፈሱን ኮይንና ኢና፡” ከምቲ ማርያም “ብፍሉይ ጸጋ” ንክርስቶስ ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትቅበሎን ድሕሪኡ ናብ ካልኦት ከተብጽሖን ከም ዝኸኣለት፡ ከምኡ’ውን ምስጢረ ጥምቀት ንኢየሱስ “ኣባና ክነብር ከም ዘፍቅደልናን ምስኡ ሓቢርና ክንነብርን፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም ኩነታቱ፡ ንለውጢ ዓለም” ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ይተሓባበር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
