ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ “ዘምነ ምጽኣት ኣብ ቅድሚ ፍትሓዊ ፈራዲ ንክንቀውም ክንዳሎ ይጽውዓና”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ቅቀድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣማልኽ፣ ብዛዕባ ህጹጽነት ምጽኣት መንግስቲ ኣምላኽን ምስቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ዝዀነ ኢየሱስ ምርካብን ኣተኲሮም ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ቤተ-ክርስትያን ንካልአይቲ ሰንበት ዘመነ ምጽአት ኣብ እትዝክረሉ ዘላ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ነቲ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ "መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ" ክብል ዝሃቦ ስብኾ ቃል ዘኪሮም።

ዕለት ዕለት ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ንጽሊ እሞ "መንግስትኻ ትምጻእ" ክንብል እውን ንለምኖ።

በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢልና ንመንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዓለምና ኽትኣቱ ኸም እንዕድመን፣ ታሪኽ በቶም ሓያላት እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይቈጻጸርን ኣፍልጦ ክንህበሉ ከም እንዕድመን ገለጹ።

"ሓሳባትናን ጕልበትናን ነቲ ሓራ ኼውጽኣና እምበር ኣብ ልዕሌና ክጕይትት ዘይኰነስ ኣብ ልዕሌና ክነግስ ዝመጸ ኣምላኽ ንግበር። "እዚ 'ወንጌል' እዩ፣ እቲ ዜለዓዕለናን ናባኡ ኣቢሉ ዝስሕበናን ናይ ሓቂ ብስራት እዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ስብከት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ሓቂ ከቢድ ምንባሩ እውን ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር ቃላቱ ንህይወት ኣርዚንና ኽንርእዮ ጻውዒት ከም ዝዀነና ብምግላጽ፣ ሎሚ "ምስቲ ብግብርናን ብሓሳብ ልብናን እምበር ብትርኢት ጥራይ ዘይኰነ ምስቲ ፈራዲ ዓለማት ንምርኻብ" ክንዳሎ ኸም ዝምሕጸነና ገለጹ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ መጸ ብትሕትናን ብምሕረትን ኢዩ ዝመጸ እዚ ድማ ንዮሓንስ መጥምቕ ዘገረሞ ነገር ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ እተዛረቦ ትምቢት ናይቲ ምዉት ዚመስል ጕንዲ ካባኡ ከም ዝወጸ ጠጥዒ እዩ ዝመስል። ምምጻኡ ንሓይሊ ወይ ንጥፍኣት ዘይኰነስ ብዳግመ ልደትን ንምሕዳስን እዩ ዝንበረ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ "ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ቕድሚ ስሳ ዓመት እተዛዘመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዚ ዝኣመሰለ ተሓድሶ እዩ ኣጋጢምዋ" በሉ። "እዚ ተመክሮ እዚ ምስ ኵሎም እቶም ብሃንቀውታ ዝቕበልዎን ዜገልግልግሉን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንጐዓዝ ከሎና እዩ ዘሓድሰና።"

ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ድኹም ወይ ሕሱም ዝመስል ነገራት እውን ከይተረፈ ክፍጸሞ እዩ ።

"ዓለም ነዚ ተስፋ እዚ ኣዝያ እያ እትደልዮ ዘላ!" ውን በሉ። ኣብ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የልቦን። ንገዛእ ርእስና ንመንግስቱ ንዳሉ፣ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና ውን ንቕበሎ።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንክርስትያን ምእመናን ነቲ "ኣዝዩ ብሩህን ጭቡጥን" ምዃኑ ዝገለጽዎ መንፈሳውነት ዘመነ ምጽኣት ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።

"መብራህቲ ጐደናታት ነፍሲ ወከፍና ንኢየሱስ ኣብዛ ሓዳስ ዓለምና እንተ ተቐቢልናዮ፣ ቍሩብ ብርሃን ክንከውን ከም ዝኽእል የዘኻኽረና" ክብሉ ውን ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

08 Dec 2025, 10:42