ድለ

2025.12.01 Viaggio Apostolico in Libano - Incontro con i giovani nel piazzale antistante il Patriarcato di Antiochia dei Maroniti a Bkerke 2025.12.01 Viaggio Apostolico in Libano - Incontro con i giovani nel piazzale antistante il Patriarcato di Antiochia dei Maroniti a Bkerke  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ተስፋ ንሊባኖስን ንዓለምን

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣብ ሰላም ዝኣምኑ መንእሰያትን፣ ካብ ናይ እምነት ፍልልያት ሓሊፎም ነቶም እተሸገሩ ስድራቤታት ዝቕበሉ” ክብሉ ዝገለጽዎ መልእኽቲ ተስፋ ብምስትንታን፣ ሃገረ ሊባኖስ ኣብ ስቓያ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እቲ እተወፍዮ ዘላ መልእኽቲ ተስፋ ውን የስተንትን።

ብኣንድርያ ቶርኒሊ (ትርጉም፦ ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን)

ኣብ መንጎ እቶም እተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሰባት ብሓባር ናይ ምንባር ተኽእሎ ከምኡውን ካብ ዓሌታዊ ዶባትን፡ ስነ-ሓሳባዊ ምክፍፋልን ሓሊፉ ዝኸይድ ሕውነት፦ እቲ ንሊባኖስ ዝቘሰለ "መልእኽቲ ዝዀነት ሃገር" ንዓለም ከም ጭቡጥን ተኽእሎ ዘለዎ መገዲ ንሰላም ገይሩ የርእያ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ሊባኖስን ተስፋኣን ነቶም ንውግእን ጽልእን ኢዶም ብምሃብ ዝኣበዩ መንእሰያት ከም መገዲ ገይሮም ጠቒሶምዎ ይርከቡ።

እዞም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መወዳእታ እቲ ጽዑቕ ዕለታት ርክብን ሓዋርያዊ ዑደትን፣ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ ማሮናውያን ኣንጾክያ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "ተስፋ ኣሎኩም፣ ግዜ ውን ኣሎኩም! ንኽትሓልሙን፡ መደብ ንምውጻእን፡ ጽቡቕ ንኽትገብርን ዝያዳ ግዜ ኣሎኩም። ሕጂ ንስኹም ሰብ ግዜ ኢኹም፣ መጻኢ ድማ ኣብ ኢድኩም እዩ ዘሎ! ንታሪኽ ንምቕያር ውዕዉዕ ስምዒት ኣሎኩም! እቲ ናይ ሓቀይና ቃልሲ ብእከይ ዘይኰነስ ብፍቕሪ እዩ - ንቝስሊ ኻልኦት እውን ክትዝንኑ እትኽእል ብፍቕሪ ኢኹም።"

ገለ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እዛ ብናጻ እተዋህበት ፍቕሪ ተዛሪቦም ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቍስሎም ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ኣቍሳል እውን ኣፍልጦ ስለ እንህቦ፣ ንቝስሊ ኻልኦት ከተሕውዮ እትኽእሉ ብፍቕሪ ኢኹም፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብቶም ዚሳቐዩ ገጽ ኣምላኽ ስለ እትርእዩ ድማ እዩ። ኤሊ ብዛዕባ እዚ ተዛሪባ ንበረት፦ ክሰርሕት ሰርሕ እንከላ፣ ገንዘብ ንምቝጣብ ንዓመታት መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋላ፣ ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው እታ ሃገር መደባታ ክፈርስ እንከሎ ውን ረኣየት። ይኹን እምበር "ሃገረይ ትሳቐ ኸላ ከመይ ገይረ ኽወጽእ እኽእል?" ኢላ ክትስደድ ኣይደለየትን።

ድሕሪኡ ጆኤል ኣብቲ ኣብ ታይዜ ኣብ እተገብረ ናይ ጸሎት መደብ ምስ ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እትነብር ሊባኖሳዊት ግን ከኣ ሙስሊም ዝዀነት ኣሲል ዝስማ ጓል ተራኸበ። ኣብ እዋን ደብዳብ እስራኤል፣ ቍሸት ኣሲል ብደብዳብ ቦምብታት ምስ ተባርዐት፣ ስድራ ቤታ ዚኸዱሉ ቦታ ስለ ዘይነበሮም ናብ ጆኤል ተመልሰት። ጆኤልን ኣዲኣን "እቲ ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ፍልልይ ዕንቅፋት ፈጺሙ ኣይፈጥረሎምን። ኣብ ዓሚቝ ስኒት ኢና እንነብር ኔርና ክትብል እውን መስከረት። ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ተረዲኡኒ፣ ኣምላኽ ኣብ መካበብያ ቤተ-ክርስትያን ወይ መስጊድ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣምላኽ እተፈላለዩ ልቢ ንሓድሕዶም ምስ ዚራኸቡን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኪፋቐሩን ከለዉ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪኡ ሩካያ ኣደ ኣሲል ከምዚ በለት፦ "ኣደ ጆኤል ማዕጾ ቤታ ኸፊታ 'እዚኣ ቤትኪ እያ’ በለትኒ፣ መን ምዃነይ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ወይ እንታይ ከም ዝኣምን ኣይሓተተትንን። ሃይማኖት እትእውጆ ነገር ከም ዘይኰነ ሽዑ ተረዲኡኒ። ንዅሉ ዶባት ኣብ እትሰግር ፍቕሪ ኢኻ እትነብር" ድማ ክትብል መስከረት።

እዚ ዅሉ ኺከኣል ብኸመይ እዩ ? ሊባኖስ እንታይ መሰረት እዩ ዘለዋ፣ እቲ ዝነበረን እንታይ ክትቅጽል ከም እትደሊን ዝገበረ ኸ እንታይ ኢዩ?  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ሓሳብ ውዕል ወይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ጥራይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም። እቲ ሓቀይና ስርዓት ሓድሽን ዕርቃውን ህይወት "እታ ኻብ ላዕሊ እትመጽእ ተስፋ እያ፣ ንሱ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ምድሓን ኵሎም ሞይቱን ተንሲኡን እዩ።  ንሱ ህያው መሰረት ትውክልትና እዩ። ንሱ ምስክር እቲ ንዓለም ካብ ኵሉ ኽፍኣት ዜድሕን ምሕረት ኣምላኽ እዩ።

እቲ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 2 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ከተማ ሮማ ምስ ተመልሱ እተዛዘመ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስነቶም፣ ንትርጕም እተን ድሕሪ ምምራጻም ንጽብሒቱ እተዛረብወን ቃላት ንምንጽጻር ዝሕግዛ ኢያተን። ንዝዀነ ይኹን ወንጌል ዝሰብኽ ሰብ ዝምልከታ ቃላት ድማ ኢያተን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመራሕቲ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያናትን ነቶም ሃይማኖታዊ ሞዛይክ ሊባኖስ ዜቝሙ እተፈላለየ ሥርዓታት ዝኽተሉ ምእመናንን፣ መራሕቲ እስልምናን እዛ ሃገር እዚኣ፣ ካብ ወንጌላዊ ተልእኾ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክትስቶስ ዝተንጸባረቐ ፍጻመታት ከም ዝረኣዩ ውን ኣዘኻኺሮም ኢዮም። ብፍላይ ነታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ንጓላ ኸተሕውየላ ኽትደሊ ኸላ ዘጋጠማ ምርኻብን እምነታን ውን ጠቒሶም፦ "እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ኣብ መንጎ እታ እትልምንን ዝነበረት ኣደን ዘራኸበት ቦታ ጥራይ ኣይኰነትን። ትሕትናኣን ምትእምማናን ጽንዓታን ንዅሉ ዕንቅፋታት ዝሰገረትሉን፣ ከምኡ ውን ንልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እትሓቝፈሉ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝርከበሉ ቦታ ትኸውን ኣላ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

"ክርስቶስ ምእንቲ ክግለጽ፣ ኣነ ክጠፍእ" ኪበሃል ከሎ ናብ ውሽጣዊ ነገር ምምላስን ዕጹው ማሕበረሰብ "ፍጹማት" ምህናጽ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ነኣሽቱ ተገሊጹ ዘሎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እናረሳዕካ፣ ኣብ ቍጽሪ ተመርኲስካ ናይ ሓይልን ዕቤትን ሕልምታት ምስዓብ ማለት ኣይኰነን። 'ክርስቶስ ምእንቲ ክግለጽ ምጥፋእ' ኪበሃል ከሎ ድሩት እኳ እንተ ዀንካ፣ መሳርሒ ናይቲ ንልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ዝሓቍፍ ናብ ዝነኣሱን ንጭቁናትን ምስቶም ዝሳቐዩን እትሳቐን እትድግፍን ማእለያ ዘይብላ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃን ማለት እዩ። መንእሰያት ሊባኖስ ኣብ ቅድሚ እቶም ከተባብዕዎም ዝመጹ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ መስከሩ።

03 Dec 2025, 10:36