ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዶብ ታይላንድን ካምቦድያን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ደው ክብል ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ረብዕ ዕለት 10 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዶብ ታይላንድን ካምቦድያን ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ በቲ ካብቲ ዞባ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት “ዓሚቝ ሓዘን” ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ “በቲ ዳግማይ ዶብ ታይላንድን ካምቦድያን ዝተበገሰ ግጭት ኣዝየ እሓዝን። ኣብ በርገሳዊ መዳያት ሓዊሱ ክሳራታት የጋጥም ከም ዘሎን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ይመዛበሉ ከም ዘለዉ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ” ሓዘን ይፈጥረለይ፡” ነቶም ናይ ክልቲአን ሃገራት ክቡር ህዝቢ “ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ዓመጽ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ ተደሪኹ ዳግማይ ዝተበገሰ ግጭት ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ታሪኻውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎም ቦታታት ኣባይቲ መቕደስ ዝትንክፍን በብእዋኑ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዝብገስ ግጭት ዒላማ ከም ዝኸውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ዓመጽ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ዶብ ምስሕሓብ መቐጸልታ ኮይኑ ንዘሎ ንምውጋድ ሕሉፍ ጻዕርታት ሽምግልና ንሰላምን ዞባዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ምርግጋእ ንምምጻእ ይጽዕር ከም ዘሎን፡ ተኹሲ ደው ምባል መብዛሕትኡ ግዜ ተኣፋፊ ኮይኑ ነቲ ኣብ ዶባት እተን ክልተ ሃገራት ዝርከብ ማሕበረሰባት ንዘፈላለየ ሓደጋ የቃልዕ ከም ዘሎን ቅዱስነቶም ኣብ መዛዘሚ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እዚ ወጥሪ እዚ ዳግም ብምልዕዓሉ ሓዘኖም ገሊጾም፡ ውድባት "ብህጹጽ ተኹሲ ደው ኣቢሎም ዘተ ክጅምሩ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
