ድለ

2025.12.05 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መራሔ መንግስቲ ክሮኤሽያ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪች 2025.12.05 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መራሔ መንግስቲ ክሮኤሽያ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪች  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መራሔ መንግስቲ ክሮኤሽያ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪች

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 5 ታሕሳስ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ክሮኣሽያን መራሔ መንግስቲ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪች ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ መራሔ መንግስቲ ክሮአሽያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ተራኺቡ ብዛዕባ ምዕራባዊ ባልካን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ከምኡ እውን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ተሪር ክልተኣዊ ዝምድናታትን ኣህጉራዊ ኩነታትን ከም ዘድነቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 5 ታሕሳስ ካብ ቅዱስነቶም ዝተሰናበቱ ናይ ክሮኣሽያን መራሔ መንግስቲ ፕለንኮቪች ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሃኢያ ብላዥ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ምዉቕ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ መንጎ መንግስትን ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሰናይ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓድሕዳዊ ረብሓ ዘለዎም መዳያት ዘሎ ምትሕብባር ዝያዳ ንምምዕባል ዝዓለመ ዝካየድ ክሌኣዊ ርክባት ዘዕግብ ምዃኑ ከም እተገለጸን፡ እቲ ዘተ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብሓሳብ ምልውዋጥ ቀጺሉ፣ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ባልካን ንዝግበር ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ዩክሬን ንዝካየድ ዘሎ ግጭትን ትዅረት ብምግባር ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 Dec 2025, 09:24