ር. ሊ. ጳ.፦ መንነት ኤውሮጳ ምስ መበቈላት ኣይሁድን ክርስትናን ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ምስ ልኡኻት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሓጋጊ ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ ዘሎ ማእከላይ-የማናዊ ፖለቲካዊ ጉጅለ ፓርላማ ኤውሮጳ (ECR) ተራኺቦም።
እቶም ጕጅለ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብዲሞክራስያዊ መገዲ እተመርጹ ፖለቲከኛታት ንመረጽቶምን ንማሕበረሰብ ኣውሮጳን ስለቲ ዘርኣይዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም።
ንዕቤት ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ ክጽዕሩ ኸለዉ ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ንዘለዉ ሰባት ናይ ምጥቕላል ግዴታኦም ፈጺሞም ከይርስዑ ውን ተማሕጸንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ምልክት ዝዀነ ይኹን ስልጣነ ዘለዎ ሕብረተሰብ ፍልልያት ብግህዶን ብኣኽብሮትን ዘተን ናይ ምትግባር ክእለት ምዃኑ ብምግላጽ፣ እዚ መዳይ እዚ "ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽብሪ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎና ኣኽብሮት የረጋግጽ" በሉ።
"ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅድመይ ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ፣ ነቲ ኣውሮጳዊ ዘለዋ መንነት ኪርድኡን ኬስፋሕፍሕን ዚከኣል ምስ መበቈሉ ኣይሁድን ክርስትናን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ብምጥቃስ ዳግም ከቃልሖ እደሊ" በሉ።
ወሲኾም ድማ እዚ ሃይማኖታዊ ውርሻ ዝድገፈሉ ምኽንያት መሰላት ማሕበረሰብ ክርስትና ንምሕላው ወይ ሓላፊ ማሕበራዊ ልምድታትን ባህልታን ንምዕቃብ ጥራይ ኣይኰነን።
ኣብ ክንዳኡስ ኤውሮጳ ነቲ ናይ ኣይሁድን ክርስትናን መበቈል ፈጺማ ኽትርስዖ የብላን፣ ምኽንያቱ "ፍልጠት ሓቅ" ክንዲ ዝዀነ ክብሉ ውን ገለጹ።
"ኵሉ ሰብ ካብቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ክርስትና ንረብሓ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ተጠቃሚ ኮይኑ እዩ" ውን በሉ።
ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ባህላዊ ውርሻ "ነዋሕቲ ካቴድራላት ብሉጽ ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ከምኡውን ኣብ ስነ-ፍልጠት እተራእየ ምዕባለታትን፣ ዕቤትን ምስፍሕፋሕ መናብርተ ጥበባትን" እውን ከይተረፈ ዘኪሮም።
"እዚ ምዕባለታት እዚ ኣብ መንጎ ክርስትናን ታሪኽ ኣውሮጳን ውሽጣዊ ምትእስሳር ይፈጥር እዩ" ብምባል "ኣኽቢርካ ክርአ ዘለዎን ክዝከር ዘለዎ ታሪኽ ኢዩ" ክብሉ ጸውዕዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ "ካብ ጽንሲ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት ዘሎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመለኮታዊ መሰላትን ተፈጥሮኣዊ ዋጋን ንምሕላው ኣድላዪ እዩ" ብምባል ንኣእምሮኣዊ ውርሻ ክርስትያናዊት ኣውሮጳ ደጊፎምዎ እዮም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣውሮጳ ነቲ ድኽነት፣ ማሕበራዊ ምፍልላይ፣ ጕዳያት ክሊማን፣ ዓመጽን ዜምጽኦ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ መሰረት ዝኸውን ኢዩ በሉ።
"ድምጺ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ብማሕበራዊ ሰረተ-እምነታ ከም ዝስማዕ ንምርግጋጽ ነቲ ዝሓለፈ መዋእል ንምምላስ ዘይኰነስ ንመጻኢ ምትሕብባርን ደገፍን ከም ዝኸውን ኣገዳሲ ምንጪ ከም ዘይጠፍእ ውሕስነት ምሃብ ምዃኑ ውን ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ኣብ መንጎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን እምነትን ዘሎ "ንሓድሕዱ ብምድግጋፍ" ዚተሓሓዝ ዘተ ከም ዘተባብዑ ውን ዘኪሮም።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ፖለቲከኛታት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜድልዮም ነገራትን ብቕዓታትን ኣኽብሮትን ኣብ ምምዕባል ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎም ብምግላጽ ደምደሙ።
"ኣብዚ ኣገዳሲ ዘተ እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራ ቤትና ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኽትገብሩ እጽሊ ኣለኹ" ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
