ር. ሊ. ጳ.፦ “ብዛዕባ ሞት ነስተንትን፣ ኣብ ምድሪ ዘሎና ግዜ ንዘልዓለማውነት ዘሰናድወና ኢዩ”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ ሞት ምስትንታን ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ ንምፍላጥ ከምኡውን ሓድሽ ትርጕም ህይወትና ንምርካብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል፦
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!
ምስጢረ ሞት ወትሩ ኣብ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ሕቶታት የለዓዕል እዩ። ብሓቂ ድማ እዚ ምስጢር እዚ ባህርያውን ዘይባህርያውን ፍጻመ እዩ ዚመስል። ኣብ ምድሪ ዘሎ ህያው ፍጡር ዘበሉ ኩሉ መዋቲ ክንዲ ዝኾነ ባህርያዊ እዩ። እዚ ዘይባህርያዊ ከም ምዃኑ ከአ እቲ ዅላትና ንገዛእ ርእስናን ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን ዝስምዓና ናይ ህይወትን ዘለኣለማውነትን ባህጊ ንሞት ከም ፍርድን ከም "ንሓድሕዱ ዚጋጮን" ገይሩ ኸም እንርእዮ እዩ ዝገብረና።
ብዙሓት ጥንታውያን ህዝብታት ነቶም ናብዚ ዝለዓለ ምስጢር ዝጐዓዙ ሰባት ንምስናይን ንምዝካርን ምስ ምውታት እተተሓሓዘ ሥርዓታትን ልምድታትን ኣማዕቢሎም እዮም። ሎሚ ግን እተፈልየ ኣንፈት ንርኢ ኣሎና። ሞት ካብ ክትርሕቕ ዚግባእ ኣጸያፊ ፍጻመ እዩ ዝመስል ዘሎ። ንስምዒታትናን ህድኣትናን ምእንቲ ኸይርብሾ ብህድኣት ክንዘራረበሉ ዘሎና ኩነት ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ትንሳኤ እናተጸበዩ ዜዕርፉሉ መቓብር ካብ ምኻድ እንቝጠብ ዘሎና።
ሞት እንታይ እዩ? ብሓቂ ኣብ ህይወትና እቲ ናይ መወዳእታ ቃል ድዩ? ሰባት ጥራይ እዮም ነዚ ሕቶ እዚ ክሓቱ ዝኽእሉ፣ ከመይሲ ኪሞቱ ኸም ዘለዎም ዚፈልጡ ንሳቶም ጥራይ እዮም። እዚ ፍልጠት ግና ካብ ሞት ኣየድሕኖምን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ምስ ካልኦት ህያዋን ፍጥረታት ኪነጻጸሩ ከለዉ ብእተወሰነ ደረጃ "ጾር" እዩ ዝዀኖም። ልክዕ እዩ እንስሳታት ይሳቐዩ እዮም ሞት ከም ዝቐረበ ውን ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ ሞት ግን ክፍሊ ዕድሎቶም ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። ንትርጕምን ዕላማን ውጽኢትን ህይወት ውን ኣብ ሕቶ ኣየእትውዎን እዮም።
ነዚ ኩነት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰባት ብኣንጻራዊ መንበገዲ ዘይሕጉሳት ፍጥረታት ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ብኸመይን መዓስን ከም ዝፍጸም እኳ እንተ ዘይፈለጥና፣ እዚ ፍጻመ እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ስለ ዝዀንና እዩ። ንገዛእ ርእስና ንፈልጥን ሓይሊ ዘይብልና ምዃንና ኢና እንርኢ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ጭቈናን ካብ ሕቶ ሞት ዝመጽእ ህላወን ብዝምንጩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ደ ሊጉሪ ኣብታ “ንሞት ምስንዳው” ዘርእስታ ህብብቲ መጽሓፉ ብዛዕባ ትምህርታዊ ኣገዳስነት ሞት ብምስትንታን ዓብዪ መምህር ህይወት ኪኸውን ከም ዝኸኣለ ኣጕልሐ። ሞት ከም ዘሎ ምፍላጥን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣብ ህይወት ብሓቂ እንታይ ክንገብር ከም እንደሊ ኽንመርጽ ይምህረና። ንመንግስተ ሰማያት ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ጠቓሚ ምዃኑ ንምርዳእ ምጽላይን፣ ኣብ ክንዳኡስ ምስ ግዜያዊ ነገራት ዜተኣሳስረና ዘየድሊ ነገራት ምሕዳግ ኣብ ምድሪ እንገብሮ ጕዕዞ ንዘልኣለም ከም ዜዳልወና ብምግንዛብ ምስጢር ሓቀኛ ናብራ ናይ ምንባር ምስጢር እዩ።
ይኹን እምበር ብዙሓት ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሥነ ሰብኣዊ ርእዮተ ዓለማት፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ሰብ ዘይመውት ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ፣ ንምድራዊ ህይወት ብመንገዲ ተክኖሎጂ ኸም ዝናውሕ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ውን የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ግዜና ብድሆታት ዝመርሖ ዘሎ ናይ ለውጢ ሰብኣውነት ርኡይ ኵነታት ኮይኑ ኣሎ። ንሞት ብስነ ፍልጠት ኪስዕሮ ይኽኣል ዶ? እንተዀነ ግን ስነ ፍልጠት ንባዕሉ ብዘይ ሞት ህይወት ዜሐጕስ ምዃኑ ውሕስነት ክህበና ይኽእል ዶ?
ፍጻመ ትንሳኤ ክርስቶስ ሞት ምስ ህይወት ዝጻረር ዘይኰነስ፣ ከም መተሓላለፊ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ምዃኑ ኢዩ ዝገልጸልና። ፋሲካ ክርስቶስ ኣብዚ እዋን እዚ መከራን ፈተናታትን ዝመልአ እኳ እንተ ኾነ፣ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም እንኸውን ኣቐዲሙ ዝሕብረና እዩ።
ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ መወዳእታ እታ ድሕሪ ቐትሪ ንቀራንዮ ጸልማት ምስ ጐልበባ፣ "ሽዑ መዓልቲ ምድላው ድሮ ሰንበት ነበረት" ክብል ጸሓፈ (ሉቃ 23፡54) ። እዚ ንንወጋሕታ በዓለ ትንሳኤ ዝጽበ ብርሃን ብድሮኡ ነቲ ጸልማት ዝተጐልበበ ሰማይ የብርህ ኣሎ፣ እዚ ድማ ገና ደበናን ጽልግልግል እዩ ዚመስል ዝንበረ። ብርሃን ዕለተ ሰንበት ድማ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ እንኮ ወጋሕታ ድሕሪ ሰንበት ዘሎ ሓድሽ ብርሃን ትንሳኤ የመልክት። እዚ ፍጻመ እዚ ጥራይ እዩ ንምስጢር ሞት ምሉእ ብምሉእ ኬብርሆ ዝኽእል። በዚ ብርሃንን በዚ መንገዲ እዝን ጥራይ ኢዩ እቲ ልብና ዚደልዮን ተስፋ ዚገብሮን ሓቂ ዝኸውን፣ ሞት መወዳእታ ዘይኰነስ ናብ ምሉእ ብርሃን ናብ ዜሐጕስ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚወስድ ጕዕዞ እዩ።
እቲ ዝተንስአ ኣብ ቅድሜና ኣብ ዓብዪ ፈተና ሞት ከፊሉ ሳላ ሓይሊ መለኮታዊ ፍቕሩ ተዓዊቱ ወጺኡ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ ነታ ንዘልዓለማዊ ዕረፍቲ እትጽበያ ቤትና ኣዳለወልና። ጽላሎትን ዘይጻረርን ምሉእ ህይወት እውን ሂቡና እዩ።
ሳላ እቲ ብፍቕሪ ዝሞተን ዝተንስአን ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኮይና ሞት "ሓብትና" ኢልና ኽንጽውዓ ንኽእል ኢና። ብርግጽ ተስፋ ትንሳኤ ብምጽባይ ካብቲ ንሓዋሩ ኸይንጠፍእ ዘሎና ፍርሒ የድሕነናን ንመወዳእታ ዘይብሉ ሕጉስ ህይወት ድማ የዳልወና ኣሎ።
