ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ጡረታ ክወጽእ ይሓስብ ነይረ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ንኣምላኽ ኢደይ ሂበ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ብቐዳምነት ንኹልኹም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ስለ ዝፈጸምኩምዎ ዕዮን ስለ ጻዕርታትኩም ከመስግን እደሊ፤ ነቶም ኣገደስቲ መልእኽትታት ናይዚ ጉዕዞ ንምትሕልላፍ ዝሰርሑ ኣብ ቱርኪ ይኹን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ካልኦት ጋዜጠይናታት እውን ምስጋናይ ከተመሓላልፍዎ እደሊ። ንስኻትኩም እውን ኩልኹም ኣብዚ ዑደት እዚ ስለ ዝፈጸምክምዎ ኣገልግሎት ጣቕዒት ይግበኣኩም።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ዘሰነይዎም 81 ልኡካን ጋዜጠይናታት በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም ሰላምታ ከም ዘቕረቡን፡ ብዛዕባ እቲ ዝተዛዘመ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦምን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኤውሮጳ ኣብ ዘተ ሰላምን፡ ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ኩነታትን ዘማእከለ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡን፡ ካብ ሓደ ሊባኖሳዊ ወኪል እውን፡ ብኢድ ዝተሰርሐ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ፡ ቅዱስነቶም ኣብ መሬት ቄድሮስ ዝበጽሕዎ ቦታታት ዝገልጽ ህያብ እውን ከም እተዋህቦም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጆ ፋርቻክ (ኤልቢሲ ኢንተርናሽናል ናይ እተሰምየ ናይ ሊባኖስ ተለቪዥን ልኡኽ)፦ ንመስርሕ ሰላም እትመርሑ ዘለኹም ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኹም። ሕቶይ ምስ ርሰእ ብሔር ዶናልድ ትራምፕን መራሔ መንግስቲ ቤንጃሚን ናታንያሁን ኣብ ዘለኩም ርክብ ክትጥቀሙሉ ዲኹም ዝብል እዩ። ቫቲካን ፈታዊ እስራኤል እያ ኢልኩም። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትገብሮ ዘላ ወራር ደው ከተብሎ ክትሓቱ ዲኹም? ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ክህሉ ዝከኣልዶ ይመስለኩም?
[ር.ሊ.ጳ ሊዮስ መበል 14፡ ብእንግሊዘይና] ፡ ብመጀመርታ እወ፡ ዘላቒ ሰላም ክብጻሕ ከም ዝኽእል እኣምን። ብዛዕባ ተስፋ ክንዛረብን፡ ናብ መጻኢ ክንጥምትን እንኮለና፡ ነቲ ዘላቒ ሰላም ብምስትውዕል እዩ ዝመስለኒ፡ ዳግማይ ሰላም ኣብቲ ዞባ ኣብ ሃገርካ ሊባኖስ ክወርድ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ድሮ ብሒደት መገዲ ምስ ገለ መራሕቲ እተን ዝጠቐስካዮ ቦታታት ሒደት ምይይጥ ጀሚረ ኣለኹ፣ ነዚ ድማ ብውልቂ ወይ ብቅድስቲ መንበር ኣቢለ ክቐጽሎ እደሊ፣ ምኽንያቱ ምስ መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ስለ ዘሎና። ነቲ ሎሚ ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ዝቐረብክዎ ጻውዒት ሰላም ከነብርኽ ተስፋ እገብር።
ኢማድ ኣትራች (ስካይ ትቪ ኒውስ ዓረብያ)፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መደረኽኩም ንሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ዘመሓላለፍክምውኦ መልእኽቲ ንጹር እዩ ነይሩ። ዘተ፣ ምይይጥ፣ ምህናጽ ዝብል። ቫቲካን ኣብዚ መዳይ እዚ ጭቡጥ ነገር ክትገብር ድያ? ትማሊ ምሸት ምስ ሓደ ተወካሊ ሺዓ ተራኸብኩም። ቅድሚ ምብጻሕልኩም ሂዝቦላ መልእኽቲ ሰዲዱልኩም ነይሩ፣ ኣንቢክምዎ እንተ ኴንኩም ኣይፈልጥን። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትነግሩና ትኽእሉ? ናብ ሊባኖስ ስለ ዝኸድኩም ኣዝየ አመስግነኩም እዚ ድማ ንዓና ሕልሚ እዩ ነይሩ።
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብቋንቋ ጣልያን]፦ ሓደ መዳይ ናይዚ ጕዕዞ እዚ ቐንዲ ምኽንያት ዘይነበረ - እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኤቁመናዊ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ኒቅያ ምስ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ፓትሪያርክ ኣኼባ ከምኡውን ኣብ ቤተ - ክርስትያን ሓድነት ንምርካብ ንዚግበር ጻዕሪ እተዳለወ እዩ። ከም ሓቂ ግን ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ምስ ተወከልቲ እተፈላለዩ ጕጅለታት ንፖለቲካዊ ሰበ - ስልጣን ዚውክሉ ብሕታዊ ርክብ ኣካይደ እየ። ምስ ውሽጣዊ ግጭታት ወይ ምስ ኣህጉራዊ ግጭታት ኣብቲ ዞባ ዚተሓሓዝ ሰባት ወይ ጕጅለታት።
ዕዮና ብቐዳምነት ኣብ ጐደናታት እንእውጆ ህዝባዊ ነገር ኣይኰነን። ብእተወሰነ ደረጃ ብድሕሪ መጋረጃ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ነቶም ወገናት ኣጽዋሮም ከንብሩ ዓመጽ ክሓድጉ፡ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ንዘተ ክእከቡ ንምትብባዕ ድሮ ዝገበርናዮ ነገር ኢዩ፡ ዓመጻ ዘይኰነ ግን ከኣ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል መልስን መፍትሒታትን ንምድላይ።
ኢማድ ኣትራክ : መልእኽቲ ካብ ሂዝቦላህ?
እወ ኣንቢበዮ እየ። ብንጹር ብወገን ቤተ ክርስቲያን ዕጥቆም ኣንቢሮም ንዘተ ክቐርቡ ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፈ ግን ኣብዚ እዋን ርእይቶ ዘይምሃብ እመርጽ።
ሲንዲ ዉደን ፡ ካብ ማዕከን ሲኤንኤስ : ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ር.ሊ.ጳ. እውን እንተኾንኩም ጳጳስ ኣብ ምዃን እናተሃርኩም ከም እትኸዱ ገሊጽኩም ነርኩም። ትማሊ ናብ ሃሪሳ ምስ በጻሕኩም ብዝተገበረልኩም ኣቀባብላ ብሓዚ ባህታ ከም ዝፈጠረልኩም ኣብ ገጽኩም ይርአ ነይሩ። እንታይ ትመሃሩ ከም ዘለኹም ክትነግሩና ትኽእሉዶ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃንኩም ክትመሃርዎ ዝኸበደኩም ነገር እንታይ እዩ? ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ዝተኻየደ ናይ ካርዲናላት ዕጹው ጉባኤን ምስተሓረኹም እንታይ ከም እተሰምዓኩምን እውን ኣይነገርኩምን። ብዛዕባ እዚ ቝሩብ እንታይ ክትብሉና ትኽእሉ?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብእንግሊዘይና] ፡ ጽቡቕ፡ ቀዳማይ ርእይቶይ ቅድሚ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ጥራይ ሓደ መዓልቲ ጡረታ ክወጽእ እየ ዝሓስብ ዝነበርኩ። . . . ብዛዕባ እቲ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ንባዕሉ፡ ገለ ነገራት ዝተጋህደሉ ህዝባዊ ቃለ መሕትት ከም ዝነበረ እኳ እንተፈለጥኩ፡ ብዛዕባ ዕቃበ ምስጢር ዕጹው ጉባኤ ኣዝየ እየ ዝኣምን። ቅድሚ ምምራጸይ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ሓንቲ ሪፖርተር፡ ኣብ ስግር ጽርግያ ናብ ዝርከብ ኣጎስጢኖሳውያን ገዳም ንኽምሳሕ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩሉ እዋን ደው ኣቢላ፡ ብዛዕባ እቲ ክካየድ ዝኾነ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ‘እንታይ ትብሉ? ሓደ ካብቶም ሕጹያት ኮይንኩም ኣሎኹም!’ ዝበለት ይመስለኒ፡ ኣነ ድማ ‘ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ’ እንክብል ከም ዝመለስኩላ እዝክር ምኽንያቱ ከምኡ ምዃኑ ብዕምቆት ስለ ዝኣምን።
ካባኻትኩም ኣብዚ ዘሎ ሓደ ጀርመናዊ ጋዜጠይና ኣሎ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ብጀካ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ መን ምዃንኩም ንኽንርዳእ ዘንበብክምዎ እዚኹም ድማ እተፍትውዎ መጽሓፍ እንተሎ ቢሉ ሓቲቱኒ ነይሩ።
ብዙሓት መጻሕፍቲ ክገልጽ ምኻኣልኩ፡ ግን ሓንቲ ካብኣቶም “ተግባር ህላወ ኣምላኽ ” ዘርእስታ መጽሓፍ እያ። ኣዝያ ተራ መጽሓፍ እያ፣ ብሓደ ናይ ስድራ ቤት መጸውዕ ስሙ እኳ ዘይተገልጸ ሓው ሎረንዞ ዝተባህለ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ።
ሓደ ሰብ ህይወቱ ንጐይታ ጥራይ ዝህብን ንጐይታ ክመርሖ ምፍቓድን ዝምልከት ጸሎትን መንፈሳውነትን እትገልጽ መጽሓፍ እያ። ብዛዕባይ ገለ ክትፈልጡ እንተደሊኹም፡ ንብዙሕ ዓመታት መንፈሳውነተይ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ እዩ ነይሩ።
ኣብ ማእከል ዓበይቲ ብድሆታት፡ ኣብ ዓመታት ግብረሽበራ ኣብ ፔሩ ምንባር፡ ኣብቲ ከገልግል ክጽውዓሉ እየ ቢለ ኣብ ዘይሓሰብክዎ ቦታታት ንኣገልግሎት ምጽዋዐይ። ኣብ ኣምላኽ እየ ዝውከል፣ እዚ መልእኽቲ ድማ ንብዙሓት ሰባት ዘካፍሎ እዩ - ኣብ ኣምላኽ ምውካል!
ነገራት ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ረኣኹ ከም ፍቓድካ እየ ዝበልኩ፡ እዚ ድማ ሓቂ ክኸውን ከም ዝኽእል እየ ዝኣምን። ዓሚቝ እስትንፋስ ወሲደ ድማ "ጐይታይ እቲ ሓላፍነት ናትካን እዩ ንመገድታተይ ኣትመርሕ ንስኻ ኢኻ" እየ ዝበልኩ።
ገጸይ ኣዝዩ ገላጺ እኳ እንተ ዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ጋዜጠይናታት ገጸይ ብኸመይ ከም ዚትርጕምዎ የሐጒሰኒ። ማለተይ ባህ ዜብል እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ንኣእምሮይ ወይ ገጸይ ከተንብቡ ትኽእሉ ቢለ ስለ ዝሓስብ ካብ ኵላትኩም ብሓቂ ጽቡቕ ሓሳባት እረክብ። . . . ብዙህን ውሑድን ይኹን እቲ ኣብ ቅድሜካ ዘሎ ህዝቢ መልእኽቲ እዩ . . . ኵሉ ሳዕ ንዓይ ዘደንቐኒ፡ 'እዞም ሰባት እዚኣቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርእዩዎ ስለ ዝደልዩ ኢዮም ዝመጹ' ኢለ እሓስብ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንገዛእ ርእሰይ ግን 'ንኢየሱስ ክርስቶስ ክርእይዎ ስለ ዝደልዩን ልኡኽ ሰላም ክርእዩ ስለ ዝደልዩን ኢዮም መጺኦም' እብል።
ስለዚ ውዕዉዕ ስምዒቶም ምስማዕን ነዚ መልእኽቲ እዚ ዚህብዎ ምላሽ ምስማዕን እዚ ውዕዉዕ ስምዒት እዚ ዜፍርሕ እዩ ዚመስለኒ። ንዅሉ እቶም መንእሰያት ዜርእይዎ ነገራት ዓብይ ግምት ክህበሉ ፈጺመ ከይደክም ተስፋ እገብር።
ጃን ጓይዶ ቬኪ (ኮሪየር ደላ ሴራ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ) ኣብ መንጎ ቃል ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራትን ሩስያን ዓብዪ ውጥረት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ብዛዕባ ብዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ክካየድ ዝኽል ዓይነት ውግእ ይዝረብ ኣሎ። ከምቲ መራሕቲ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ዝጸብጸብዎ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብሓድሽ መገድታት ክቕጽል ዝኽእል ሓደጋ ትርእዩዶ? ኣብዚ ሃዋሁ እዚ ኸኣ ብዘይ እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብርእሰ ብሔር ኣመሪካ ብስርዓት ኤውሮጳ ብምግላል ፍትሓዊ ሰላም ከምጽእ ይኽኣልዶ?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብቋንቋ ጥልያን]፦ እዚ ኣብ ዓለም ንሰላም ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ግን ቀጥታዊ ተሳትፎ የብላን ምኽንያቱ ኣባላት ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ወይ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘተ ብቐጥታ እውን ኣይትሳተፍ፡ ብዙሕ ሳዕ ተዅሲ ደው ክብል ዘተ ክብገስን ዘተ መፍትሒ ምዃኑ ትዛረብን ጻውዒት ተቕርብን።
ሕጂ ድማ ብዙሕ መዳያት ዘለዎ ውግእ ይስማዕን ይርአን ኣሎ፡ እዚ እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ናብ ከቢድ ዓይነት ኣጽዋር ምጥቓም ክድርኽ ይኽእል እዩ . . . በቲ ሓደ ሸነኽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍጸም ዘለዎ መደብ ሰላም ከስፍሕ ከም ዝኽእል ይሓስብ ከም ዘሎን እንተ ወሓደ ኣብ ፈለማ ብዘይ ኣውሮጳ ከም ዝዀነን ንጹር ኢዩ። ህላወ ኤውሮጳ ግን ኣገዳሲ እዩ፡ . . . ብፍላይ ናይ ኢጣልያ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ብባህላውን ታሪኻውን መዳይ ኢጣልያ ኣብ መንጎ ዩክረይን ሩስያን፡ ኣብ ዘሎ ግጭት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከላይ ኰይና ናይ ምግልጋል ክእለት ኣለዋ። በዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ከምዚ ዓይነት ሞንጎይናነት ክግበር ከተተባብዕ ከም እትኽእል ከምኡውን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ዩክረይን ናይ ሓቂ ሰላምን ፍትሓዊ ሰላምን ከምጽእ ዝኽእል መፍትሒ ክንደሊ፡ ብሓባር ክድለ ከም ዘለዎ ሓሳብ ክትህብ ትኽእል።
ኤልሳቤጥ ፒከ (ላ ናሲዮን): ሰንደቕ ዕላማ ሊባኖስ ምስ ናይ ፔሩ ተመሳሳሊ ሕብሪ ኣለዋ። እዚ ምስ ኣርጀንቲናን ኡራጋይን ኣወሃሂድካ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ናብ ላቲን ኣመሪካ ምብጻሕ ከም እትገብር ዘርኢ ምልክት ድዩ? . . . ንዝመጽእ ዓመት ክህልወኩም ብዛዕባ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ላቲን ኣመሪካ ክንዛረብ እንኮለና ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዝፍጸም ዘሎ ዓቢ ወጥሪ ንዝክር። ካብ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ንማዱሮ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ፣ ስልጣን ክገድፍ፣ ብወተሃደራዊ ስርሒት ካብ ስልጣኑ ክእለይ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብሉ?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብስጳይና]፦ ብዛዕባ ዝቕጽል ሓዋርያዊ መገሻታተይ እንተኾይኑ፡ ፍጹም ርግጸይና ዝኾነ ነገር የለን፤ ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ከካይድ ተስፋ እገብር። ምናልባት እቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣበይ?
ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃ። ብውልቀይ ናብ ኣልጀርያ ብምኻድ ቦታታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ክበጽሕ ተስፋ እገብር፣ ግን ከኣ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ዓለምን ኣስላማዊ ዓለምን ድልድል ኣብ ምህናጽ ንምቕጻል እውን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ካልእ መደባት ድሮ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ክዛረብ ዕድል ረኺበ ነይረ። መሳጢ እዩ: ተክለ ሰብነት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከም ድልድል ብዙሕ ይሕግዝ: ምኽንያቱ ኣብ ኣልጀርያ ከም ወዲ ዓዲ ኣዝዩ ይኽበር። ንሱ ድማ ሓደ ምኽንያት እዩ። ብድሕሪኡ ገለ ካልኦት ሃገራት ኣለዋ፡ ንሰርሓሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ብንጹር ናብተን ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጽበያ ዘለዋ ላቲን ኣመሪካን ኣርጀንቲናን ኡራጋይን ክበጽሕ ኣዝየ ከም ዝደሊ ርዱእ እዩ። ፔሩ እውን ምተቐበለትኒ፡ ናብ ፔሩ እንተዝኸይድ ድማ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት እውን ኣለዋ፡ እቲ ውጥን ግን ገና ኣይተነጸረን።
ብዛዕባ ቬንዙዌላ ብዝምልከት ብደረጃ ጉባኤ ጳጳሳትን ምስ ሓዋርይዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቬንዙዌላ ልዕሊ ኩሉ ሰናይ ረብሓ ህዝቢ እናደለና ነቲ ኩነታት ዘህድእ መንገዲ ክንረክብ ንፍትን ኣሎና፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ኩነታት እዚ ዝሳቐ ህዝቢ እምበር ሰበስልጣን ኣይኮነን።
. . . ብሓደ ወገን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ርእሰ ብሔራት ብስልኪ ዘተ ዝተገብረ ይመስል፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እዚ ስግኣት እዚ ተኽእሎ ስጕምቲ ወይ ስርሒት እንኮላይ ንዞባ ቬንዙዌላ ምውራር ዝብል እውን ዘጠቓልል እዩ።
ብዘይ ጸቕጢ ምይይጥ ምድላይን ምምራጽን ዝሓሸ ይመስለኒ እንተዀነ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምትእትታው ካብ ምግባር ለውጢ ንምምጻእ ካልእ መገዲ ምድላይ ዝሓሸ ኢዩ ኢለ እየ ዝኣምን።
ሚካኤል ኮረ፣ ካብ ላ ክሮዋ ጋዜጣ: ሰላም ቅዱስነትኩም፣ ስለዚ ኣዝዩ መሳጢ ጉዕዞ የቐንየልና። ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ዓለማት ድልድል ምህናጽ ምቕጻል ዘለዎ ኣድላይነት ተዛሪብኩም። ገለ ካቶሊካውያን ኣብ ኤውሮጳ እስልምና ንሓደ ክርስትያናዊ መንነት ምዕራባውያን ሓደጋ ምዃኑ ይኣምኑ። ብሓቂ ከምኡ ድዩ? ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልኩምዎም?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብእንግሊዘይና]፦ ኩሉ እቲ ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርክዎ ዝርርብ፡ እንኮላይ ምስ ብዙሓት ኣስላም፡ ብልክዕ ኣብ ኣርእስቲ ሰላምን ምክብባርን ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዘለዎም ሰባት ዘተኮረ እዩ።
ከም ሓቂ፡ ኩሉ ግዜ ከምኡ ከም ዘይነበረ እፈልጥ እየ። ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ ግዜ ዝህሉ ግን ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣንጻር ስደት ዝኾኑን ካብ ካልእ ሃገር፡ ካልእ ሃይማኖት፡ ካልእ ዓሌት ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ከውጽኡ ዝፍትኑ ሰባት ዝፍጥሮ ፍርሒ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ።
በዚ መዳይ እዚ ድማ ኵላትና ብሓባር ክንዓዪ ኣሎና ምበልኩ፡ ሓደ ካብቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ጕዕዞ እዚ ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዘተን ዕርክነትን ኪህሉ ኸም ዚኽእል ኣቓልቦ ዓለም ንምስሓብ እዩ። ሓደ ኻብቲ ሊባኖስ ንዓለም ክትምህሮ እትኽእል ዓበይቲ ትምህርትታት እስልምናን ክርስትናን ዚርከቡሉን ዚኽበረሉን ኣዕሩኽ ንምዃን ብሓባር ምንባር ኣጋጣሚ ኸም ዘለዋ ብልክዕ ምርኣይ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ መዓልትታት እውን ከይተረፈ ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዝተሓጋገዙ ዝሰማዕናዮ ዛንታታት ምስክርነት፣ ንኣብነት ክልቲኦም ኣቝሻቶም ዝዓነዎም ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትናን ብሓባር ክነብሩን ክዓዩን ከም ዝኸኣሉ ዘረጋግጽ እዩ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ኣውሮጳ ወይ ሰሜን ኣመሪካ እውን ኪስማዕ ኣገዳሲ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ምናልባት ቍሩብ ክንፈርህን ሓቀያ ዘተን ኣኽብሮትን ከነተባብዕ እንኽእለሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና።
ኣና ጆርዳኖ (ኣርድ ሬድዮ)፦ ቤተክርስትያን ሊባኖስ ብቤተ-ክርስትያን ጀርመን እውን ትድገፍ እያ። ንኣብነት ኣብ ሊባኖስ ንጡፋት ዝዀና ናይ ጀርመን ትካላት ረድኤት ኣለዋ። ስለዚ በዚ ኣረኣእያ እዚ ቤተ-ክርስትያን ጀርመን ድልድልቲ ቤተ-ክርስትያን ክትከውን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እዚ ሲኖዳውነት መገዲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። እዚ ስርዓት እዚ ንቤተ ክርስትያን ንምድልዳል ዘኽእል መገዲ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ወይስ ብኣንጻሩ እዩ? ስለምንታይከ?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብእንግሊዘይና]፦ መንገዲ ሲኖዳውነት ንጀርመን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን፤ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣኽቢራ እያ።
ገለ ዓበይቲ ተመሳሳልነት ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ እቲ ሲኖዳውነት መንገዲ ኣብ ጀርመን ከመይ ጌሩ ንቕድሚት ከምዝሰጎመን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ጽቡቕ ጌሩ ክቕጽል ከምዝኽእልን እውን ገለ ርኡይ ፍልልያት ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ብርግጽ ንኣኽብሮት ኣብ ባህሊ ንምስራጽ ቦታ ኣሎ ምበልኩ።
ኣብ ሓደ ቦታ ሲኖዳውነት ብዝተወሰነ መንገዲ ይንበር፡ ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይንብር ምህላዉ፡ ምፍንጫል ወይ ምብታኽ ክህሉ ማለት ኣይኮነን። እዚ ከዘኻኽር ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብዙሓት ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጀርመን ዝኽበር ዝነበረ ሲኖዳላውነት መንገዲ ዝተወሰኑ መዳያት፣ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ተስፋ ወይ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣካይዳ ዝውክል ከምዘይኮነ ከምዝኣምኑ እፈልጥ እየ።
ስለዚ ድምጺ ናይ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸይውገድ ድምጺ እቶም ዝሓየሉ ሰባት ስቕ ምእንቲ ኸይብል ወይ ምእንቲ ኸይዓግቶ ድምጺ እቶም ኣዝዮም ብዙሓት ክዀኑ ዝኽእሉ ግን ከኣ ክዛረቡ ቦታ ዘይብሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ድምጽን ናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺታትን ተሳትፎ ቤተ-ክርስትያን ክሰምዑ ምእንቲ ዘይፈቕደሎም፡ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ተወሳኺ ምይይጥን ምስማዕን የድሊ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ከም እትፈልጦ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጕጅለ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ጕጅለ ካርዲናላት ካብ ኵርያ ሮማና ይራኸብ ከም ዝነበረ ርግጸይና ኢየ። ኣብኡ እውን ቀጻሊ መስርሕ ኣሎ፣ መገዲ ሲኖዶስ ጀርመን እንተ ደሊኻ ካብቲ ከም መገዲ ኵላዊ ቤተ-ክርስትያን ጌርካ ኺርአ ዘለዎ ነገር ከም ዘይርሕቕ ንምርግጋጽ ቀጻሊ መስርሕ ኣሎ።
እዚ ኸም ዚቕጽል ርግጸይና እየ። ኣብ ጀርመን ብኽልቲኡ ወገን ገለ ምትዕርራያት ክግበር ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ እንተዀነ ግን ነገራት እወታዊ ክኸውን ተስፋ እገብር።
ሪታ ኤል- ሙናየር (ሳት-7 ኢንተርናሽናል)፡ (ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣርባዕተ እተፈላለያ ክርስትያናዊ ማዕከናት ፈነወ፡ ክልተ ብዓረብይና ሓደ ብፋርሲ እቲ ሓደ ድማ ብቱርክይና ዝፍነው ማእከና ፈነወ ሓበሬታ እትውክል ልእክቲ ጋዜጥና ምዃና ገዛእ ርእሳ ምስ ኣላለለየት) ቅድም ቀዳድም ንህዝቢ ሊባኖስ ግዜ ምሃብኩም ከመስግነኩም እደሊ። ኣነ ንባዕለይ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዞባ ዝተወለድኩ እየ፣ ብቅዱስነትኩም ክንሕቆፍን ክንትንክፈኩምን ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ፡ እዚ ንዓና ክሳዕ ክንደይ ትርጕም ከም ዘለዎ እፈልጥ እየ። እቲ ዝገረመኒ ድማ 'ኣብቲ ሓደ ሓደ ኢና' ዚብል ጭርሖኹም እዩ። እዚ ጭርሖ እዚ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታት ክርስትያናትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ጉርብትናን ድልድል ምህናጽ ከም ዘድሊ ዚዛረብ ጭርሖ እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ቝሩብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ሕቶይ ብኣረኣእያኹም እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ኵሉ ንብዓታን ቍስላኣን ብድሆታታን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽን ንቤተ-ክርስትያን ምዕራባውያንን ዓለምን እንታይ ፍሉይ ውህበት ክተቕርብ ትኽእል?
[ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብእንግሊዘይና]፦ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ውልቃውነት ኣብ ዝዓበለሎ ሕብረተሰብ ዝዓበዩ ሰባት - ኣብ እዋን ለበዳ Covid ብዙሕ ግዜ ዘሕለፉን መብዛሕትኡ ግዜ ውልቃዊ ዝምድናታቶም ኣዝዩ ዝተነጸለ፡ ብሓቂ ኣብ ኮምፒተርን ናይ ኢድ ተለፎንን ዝተሓጽረ – ሓደ ሓደ ግዜ ‘ንምንታይ ሓደ ክንከውን ንደሊ? ኣነ ውልቀ ሰብ’የ፣ ብዛዕባ ካልኦት’ውን ስለምንታይ እዩ ክግደስ ዘሎኒ? እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ይሓቱ።
ኣብዚ ድማ ሓድነት፡ ምሕዝነት፡ ሰብኣዊ ምትእስሳር፡ ሓድነት ንኹሉ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣዝዩ ጠቓምን ምዃኑ ዝሕብር ምልክት እውን ዝሓዘ ምዃኑ እአምን፡ ምስቲ ንስኻ ዝሃብካዮ ኣብነት ምሕቋፍ ንዓታቶም እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል። እዚ ሰብኣውን ናይ ሓቅን ጥዑይን መግለጺ ብሕታዊ ሓልዮት ንልቢ ኻልእ ሰብ ንምሕዋይ እንታይ ኪገብር ይኽእል? ብውልቃዊ ደረጃ እዚ እንተ ደሊኻ ንዅላትና ሓድነት ዜምጽእን ንሓድሕድና ንኽንረዳዳእን ዚሕግዘናን ሓባራዊ ደረጃ ማሕበረሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣነ ኣብ ዘለኽዎ ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ ኣብ ዝበሃለሉ ርክብ ኣይክህልውን እዩ።' እዚ ማለት ድማ ንዅሎም ሰባት ዜሀብትም ርክብ ምህናጽ ማለት እዩ። ብርግጽ ናይቲ ጭርሖይ መሰረት ክርስቶስ እዩ፡ ኣብቲ ሓደ ዝኾነ ሓደ ምዃን” ዚብል እዩ።
ንክርስትያን ጥራይ ግን ኣይኮነን። ብሓቂ ንኹላትናን ንኻልኦትን ዝዕድም ጭርሖ እዩ: ኣብ ዓለም ሓቀይና ሓድነትን ምርድዳእን ምክብባርን ሰብኣዊ ዝምድናታት ምሕዝነትን ዘተን ብዘስፋሕና መጠን፡ ኣጽዋር ንጎኒ ገዲፍና፡ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዝህነጽ ዘይምትእምማንን ጽልእን ቅርሕንትን ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ መላእ ዓለም ተኣኪብና ሓቀይና ሰላምን ፍትሕን ንምምስራት ዝሕግዙ መንገድታት ክንረክብ ዕድል የዓቢ፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።
