ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓው ሎረንዞ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ምንባር ሓጐስ ይምህሩና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓው ሎረንዞ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ምንባር ሓጐስ ይምህሩና 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓው ሎረንዞ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ምንባር ሓጐስ ይምህሩና

ቤት ማሕተም ቫቲካን ብቀርመሎሳውያን ማሕበር ኣባል ሓው ሎረንስ “ተግባር ህላወ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1600ታት ዝተደርሰት፡ ናይ ኣባ ሮበርት ፕረቮስት ናይ ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መንፈሳዊ ህይወት ዝቐረጸት መጽሓፍ፡ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎ መቕድም ዘለዎ ሓድሽ ሕታም ንንባብ ከም ዘብቀዐን ናይታ መጽሓፍ መቕድም ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ ናይታ መጽሓፍ መቕድም፡ እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሾውዓተ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቀርመለሳዊ መነኮስ ሎረንዞ ዘትንሳኤ ዝተመኮሮን ዝተማህሮን ዝነበሮን - ብሓቂ፡ ህላወ ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ምልምማድ እተመላኽት ምዃና ኣነጺሮም፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ምስ ጽሑፋት ቅዱስ ኣጉስቲኖስን ካልኦት መጻሕፍትን ተደሚሩ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓደ ኻብቲ ንመንፈሳዊ ህይወተይ ዝያዳ ዝቐረጻን ንጐይታ ንምፍላጥን ንምፍቃርን እቲ መገዲ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከስተውዕል ካብ ዝገበሩኒ እያ።

እቲ ሓው ሎረንዞ ዝመልክተልና መገዲ ተራንን ኣድካምን እዩ። ተራ ምኽንያቱ ንኣምላኽ ብቐጻሊ ናብ ኣእምሮ ኻብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተግባርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ከም ኣድማስናን ምንጪን መወዳእታውን ብምዃን ወትሩ ንኣምላኽ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ካልእ ነገር ዘየድልዮ ብምዃኑ እዩ። ኣድካነቱ ድማ፡ ጕዕዞ ምንጻሕ ናይ ሰቂለ ሕልናን ካብ ተግባራትና ንላዕሊ ንኣእምሮናን ሓሳባትናን ውሽጥናን ምልዋጥ ዚሓትት ብምዃኑ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲሲዩስ ንዝነበሩ ምእመናን፦ "ኣባኻትኩም ከም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓይነት ስምዒት ይሃሉኹም" (ፊልጲ 2, 5) እንክብል ከም ዝመዓዶምን፡ ስለዚ ኣረኣእያናን ጠባይናን ጥራይ ዘይኰነስ ስምዒትና እውን ምስ እግዚኣብሔር ኪሰማማዕ ኣለዎ። ኣብዚ ውሽጣዊ ህላወኡ እዚ ፍቕራውን ዘቃጽልን ህላወ ኣምላኽ ንረክብ ኢና፣ ኣዝዩ "ካልእነት (ሰገራውነት)" ግን ከኣ ንልብና ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ። ከምቲ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ "ሓድሽ ሰብ ነቲ ሓድሽ መዝሙር ኪዝምር እዩ" (ስብከት 34 1) እንክብል ከም ዝጸሓፎ።

እቲ ኣብታ ናይታ መጽሓፍ ገጻት ሓው ሎረንዞ ብምርኻብን ብዘተን ብሕቡእነትን ብዘደንቕን ምትእምማንን ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስኻ ብምሕዳግን ዝቘመ ብሕታዊ ርክብ ምስ ኣምላኽ ናይ ዝነበሮ ናይ ሓድነት ተመክሮ፡ ንተመክሮ እቶም ዓበይቲ ተመስጦኣውያን የዘኻኽረና፣ ካብዚኣቶም ድማ ተሬሳ ዘኣቪላ ጠቒሶም . . . ይኹን እምበር ተራን መዓልታውን ስለ ዝዀነ ዅሉ ሰብ ኪበጽሖ ዚኽእል መገዲ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

ሓው ሎረንዞ እውን ከም ብዙሓት ተመስጦኣውያን ብዓቢ ትሕትና ግን ከኣ ብዋዛ እውን ይዛረብ፣ እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን መዓታዊ ኣብ ቅድሚ ኢታእላው ፍቕሪ ጐይታ ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ "ኣታሊሉኒ" ኺብል ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ ምናልባት ርእሱ ምእንቲ ኺስውእን ንሓጢኣት ንእስነቱ ብትብዓት ምእንቲ ከተዓርቕን ኢሉ ብድፍረት ናብ ገዳም ምስ ኣተወ፡ ኣብ ክንዳኡስ ሓጐስ ዝመልአ ህይወት ረኸበ።

ብሓው ሎረንዞ ዝቐርበልና መንገዲ፡ በብቑሩብ፡ ህላወ እግዚኣብሔር እናለለናን ውሽጣዊ ቦታና እናሓዘን ምስ ከደ፡ ምስኡ ናይ ምዃን ሓጎስ እናዓበየ፡ ጸጋታትን መንፈሳዊ ሃብትን ይዕምብብ፡ መዓልታዊ ዕማማት ከይተረፈ ተራን ፎኪስን ይኸውን።

ጽሑፋትን ምስክርነትን እዚ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዘመን ዝነበረ ቀርመለሳዊ ሓው፡ ነቲ ኣብ ዘመኑ ዘጋጥም ዝነበረ ሽግር ዝመልኦ ፍጻመታት ብብሩህ እምነት ዘሕለፈ - ብርግጽ ካብ ናትና ዝነኣሰ ዓመጻ ዘይነበሮ - ንህይወት እቶም ኣብ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት እንነብር ሰብኡትን ኣንስትን እውን መተባብዕን ሓገዝን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከም ዘየለ ነፍሲ ወከፍ ተግባራትና ነፍሲ ወከፍ ስራሕና ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነፍሲ ወከፍ ጌጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንተ ተቐሚጢ ብቐጻሊ ንዕኡ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ፡ ደረት ዘይብሉ ዋጋ ኸም ዚረክብ የርእዩና።

ኵሉ ክርስትያናዊ ስነ - ምግባር ሓቂ ኣብቲ ኣምላኽ ህላወ ኸም ዘሎ ብቐጻሊ ኣብ ምዝካር ኪጠቓለል ይኽእል እዩ። እዚ ተዘክሮ እዚ ንስምዒትናን ፍቕርናን ስለ ዘጠቓልል ካብ ተራ ተዘክሮ ንላዕሊ ዝዀነ ንዅሉ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ንነፍሲ ወከፍ ወንጌል ናብ ሕግታት ጥራይ ምቍጻርን ንዝብል ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ይስዕሮ፡ ብሓቂ ድማ ከምቲ ኢየሱስ እተመባጽዓልና፡ ንገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ኣቦ ሕድሪ ናይ ምሃብ ተመክሮ ድሮ ኣብዛ ምድሪ ሚእቲ ዕጽፊ ኸም ዚህበና የርእየና። ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ህላወ ኣምላኽ ሕድሪ ምሃብ ነቲ ገና እንጽበዮ መንግስተ ሰማያት ድሮ ኣብዚ ምስትምቓር እዩ። እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14

ከተማ ቫቲካን 11 ታሕሳስ 2025 ዓ.ም

19 Dec 2025, 17:22