ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት  ደቂ ኣንስትዮ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ  (Vatican Media)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምምስራት ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ “ነጋድያን ልኡካነ ወንጌልን ደቀ መዛሙርቲ ተስፋን” ክኾናን ኣቝሳል ናይቶም ዝራኸበኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ክፍውሳ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዘመናዊ ዓለም ውፉይ ሕይወት ንምሕዳስ ዝተበገሰ “ራእይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ” ብምዝካር ንኹለን ኣባላት ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ (UISG) ተልእኾአን “ብተኣማንነትን ብትብዓትን” ዝፍጽማ ብምዃነን ምስጋናኦም ይገልጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 8 ታሕሳስ 1965 ኣብ መበል 60 ዓመት ምምስራት ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ (UISG) ምኽንያት ናብቲ ናይቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣደ መንበር እናቴ ኦናሕ ኦሼአ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ - UISG ተልእኾኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንምፍጻም ዘሳልጦ ዕማም አመስግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት "ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ - UISG” ኣብ መንጎ ዅለን ካብ ሽዱሽተ ኣህጉራት ዝመጻ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል ዘተ ንምድንፋዕ ከም ዘተባብዐ ብምዝካር "ሃብቲ መንፈሳዊ መትከለንን" ከምኡውን ውህበት መንፈስ ቅዱስ "ንረብሓ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ክካፍል" ከም ዘተባብዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡካን ደቀ መዛሙርቲ ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ “ብቕልጡፍ ለውጥን ብብዙሕ ህጹጽ ድሌታትን” ዝተለለየ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ ዶባት ማሕበራት ደናግል  ኣብ ምትሕብባርን ተልእኾን ዘለወን ተወፋይነት “ንወንጌል ሓያል ምስክር” ይኸውን ምስ በሊ፡ ወሲኾም “እዚ ዝኽሪ እዚ ምስቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝጋጠም ብምዃኑ ብሓቂ “ፍሉይ ጸጋ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ “ቅዱስ ዓመት እዚ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ሕብረት፡ “ነጋድያን ተልእኾን ደቀ መዛሙርቲ ተስፋን - ኣብ ቅድስና ሱር ዝሰደዳን ብመንፈስ ተመሪሐን፡ ምትእምማን ንምንቃሕ፡ ቁስሊ ንምፍዋስ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ብርህራሄን ሓጐስ ዝመልኦ ጽንዓትን ዘሰንያ ደቂ ኣንስትዮ” ኣብ ምዃን ክሕደሳ ትምኒቶም ገሊጾም፡ ነቲ ሕብረት ንማርያም “ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ኣርኣያ እሙን ወደ መዝሙርነትን” ኣማሕጺኖም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

ገና ዘይተጻሕፈ መጻኢ

እናቴ ኦናሕ ኦሼአ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ “ቅድሚ ስሳ ዓመት ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ (UISG) ንጥርናፈን ንምስማዕን ሓድነት ንምህናጽን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺረን፡ ሎሚ ብቐጻሊ ዝምዕብል፡ ናብ መጻኢ ዝጥምትን ንሓድሽ ኣድማስ ክፉትን ዝኾነ ታሪኽ ነብዕል ኣሎና” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ቅዋመ ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ (UISG) ንመገዲ ዓለምለኻዊ መርበብ ማሕበራት ደናግል ዝድህስስን እዋናዊ ወጅሂ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ብዛንታታትን ባህልታትን ኣህጉራትን ዘርኢን “ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ዝልውጥ ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓድሽ ሰነዳዊ ፊልም ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

17 Dec 2025, 16:46