ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ሊባኖስ ሰላምን ፍትሕን ንምምጻእ ካብ ልባትና ኣጽዋር ነራግፍ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ናብ ሃገረ ሊባኖስ ክገብርዎ ዝጸንሑ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ምስቶም ነዚ ምብጻሕ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝገበሩ፣ ኣብ ሃገሮም ዘሰንይዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ሊባኖስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ።
ኣብ መኽፈቲ ናይቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ዮሴፍ ዓቢ ናይ ግሪኽ መሌካውያን ፓትርያርክን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታ፣ መብዛሕትኦም ካቶሊካውያን ምእመናን ሊባኖስ ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስትያን ምዃኖም ዘኪሮም።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ስለቲ ንምብራቓዊ ሥርዓት ካቶሊካዊት እትኽተል ቤተክርስትያን ዝገበርዎ ሓልዮትን፣ ኣብ ሊባኖስ ናይ ሓጐስን ሰላምን መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፉን ኣመስገንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተገብረሎም ሓጐስ ዝመልኦ ድሙቕ ኣቀባብላ ዘለዎም ምስጋና ብምግላጽ፣ ኣምላኽ ነዚ ምብጻሕ ከካየዱ ስለ ዝፈቐደሎም እውን ኣመስገኑ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዜጋጥሞም ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ እንተ ሃለወ ክርስትያን ምእመናን ወትሩ ናይ ውዳሰን ሞሳን ኣተሓሳስባ ኼማዕብሉ ኸም ዘለዎም ተላበው።
ቅዱስነቶም በቲ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝዝመር ጽባቐ ሊባኖስ ተገሪሞም እኳ እንተ ነበሩ፣ እዚ ጽባቐ እዚ ግን "በቲ ኣብ ታሪኽኩም ምልክት ዝገበረ ድኽነትን መከራን ከም እተጐልበበ" ምርኣየይ የሕዝነኒ ክብሉ ዘለዎም ጓሂ ገለጹ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ጽባቐ ሃገርኩም በቲ ዜሳቕየኩም ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ተነቃፊን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይርጉእን ፖለቲካዊ ሃዋሁ፣ እቲ ኣብ ልዕሌኹም ኸቢድ ዝዀነ ቝጠባዊ ቕልውላው ዘውረዶን ከምኡውን በቲ ጥንታዊ ፍርሂ ዘለዓዓለ ዓመጽን ግጭትን ተሸፊኑ ይርከብ ኣሎ" ክብሉ ነቲ ሕዝቢ ሊባኖስ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ገለጹ።
ኣብ መንጎ እዚ ዘጨንቕ ጕዳያትን እዚ ተስፋ ብምቝራጽ ንምስጋናናን ምጥርጣርን ንዘሎኩም ራኢ ኺዕብልሎ ክትፈቕዱሉ የብልኩምን ክብሉ ውን ተላበውዎም።
"ቃል ጐይታ ግና ኣብ ማእከል እዚ ጸልማት እዚ፣ ናብቲ ንኣሽቶ ዘንጸባርቕ ብርሃን ተስፋ ገጽና ኣቢልና ክንጥምት ይዕድመና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስና ንምስጋና ድልዋት ንምግባር ምእንቲ እዛ ሃገር ኢልና ሓባራዊ ቍርጺ ፍቓድ ንኽንገብርን የተባብዓና ውን ኣሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ስለቲ ሓለፍ ዝበለ ግብርታቱ ዘይኰነስ ን"ንሕጻናትን ንትሑታትን" ግዛእ ርእሱ ስለ ዝገለጸለም ከም ዘመስገኖ ውን ዘከሩ።
ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ መጽሓፉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም "ካብ ጕንዲ እትጭብጭብ እሽቶ ጨንፈር" ክብል ከም ዝገለጻ ኣመልኪቶም እውን ኣስተንተኑ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ሞት ውን ዳግም ምውላድ ዝገልጽ ንእሽቶ ምልክት ተስፋ እዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
"ኣብ ማእከል እቲ ዜሳቒ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ዚወጽእን ዚዓብን ንኣሽቱ ጠጥዒ ክንርኢ ዘኽእለና የዒንቲ ምእንቲ ኺህልወና፣ እዚ ንዓና ዓቢይ ምልክት እዩ" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ሊባኖስ ኣብዚ ጽልግልግ ዝበለ እዋን፣ ንኣሽቶ መብራህቲ ኺበርህ ጀሚሩ ኣሎ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ህዝቢ ሊባኖስ "ኣብ ስድራ ቤትኩም ሱር ዝሰደደትን፣ ብክርስትያናዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዚምገብን፣ ቅኑዕን ሓቀኛን እምነት" ኪበርህ ጀሚሩ ኣሎ።
ንሰባት ስጋውን መንፈሳውን ድሌታት ንምምላእ ዝጽዕሩ ብዙሓት ሰበኻታትን ምንቅስቓሳትን ቤተ-ክርስትያን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ግብረ ሰናይ ዘገልግሉ፡ ወንጌል ኣብ ሕብረተሰብ ሊባኖስ ዘስፋሕፍሑን፡ ብዙሓት ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን እውን ጠቒሶም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ሞሳ ንውሽጣዊ ኣተሓሳስባን ርእሰ-ምትእምማንን ዘጽንዕ ኰይኑ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ተስፋን ልግስን ከም እንቕየርን ናብ ተጸምዶ ኪመርሓና ውን ኣለዎ በሉ።
"ኵላትና ነዚ ጠጥዒ እዚ ኸነማዕብል፣ ተስፋ ኸይንቈርጽ፣ ንርትዓዊ ዘይኮነ ዓመጽን፣ ንገንዘባዊ ኣምልኾ ጣኦትን ኢድና ኸይንህብ፣ ከምኡውን ነቲ እናኣስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ እከይ ኣብ ግምት ብምእታው ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ከይንህብ ተጸዊዕና ኢና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ሕዝቢ ሊባኖስ ነታ ሃገር ናብ ናይ ቀደም ክብራ ንምምላስ እጃሞም ክዋጽኡ ድማ ጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ ተላበው።
"ነዚ እንገብረሉ እንኮ መገዲ ድማ ንልባትና ካብ ኣጽዋር ናጻ ምግባር እዩ" በሉ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ "ኣጽዋር ዓሌታውን ፖለቲካውን ምክፍፋልና ደርቢና፣ ሃይማኖታዊ ብዝሓውነትና ንሓድሕድና ንምርኻብን ገዛእ ርእስና ንምኽፋትን ከምኡውን ሰላምን ፍትሕን ዝሰፍሓሉን ኵላትና ንሓድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይና እንጕዓዘሉ ሓድነት ሊባኖስ ኣብ ልብና ነበራብር" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሃገረ ሊባኖስ ንህዝባ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ዝሃቦም ሕልሚ ከተማዕብል ኣተባብዕዎም፣ ስቓዮም ኪጾሩን ብተስፋ ምእንቲ ኺጸንዑን ድማ ጸለዩ።
"ሊባኖስ ተንስኢ! ቤት ፍትሕን ሕውነትን ኩኑ! ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ድማ ሓደ ትንቢታዊ ምልክት ሰላም ኩኑ!” ክብሉ ውን ስብከቶም ዛዘሙ።
