ድለ

2025.12.17 ር.ሊ.ጳ. ንህጻናት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣብ በዓል ልደት ሰላምን ሓድነትን ህነጹ! 2025.12.17 ር.ሊ.ጳ. ንህጻናት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣብ በዓል ልደት ሰላምን ሓድነትን ህነጹ! 

ር.ሊ.ጳ. ንህጻናት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ኣብ በዓል ልደት ሰላምን ሓድነትን ህነጹ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ምስ ህጻናት ሓቢሮም ከም እተኸታተሉን፣ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ኣብ በዓል ልደት ንኹሎም ህያብ ፍቕሪ ከካፍሉን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ናይ ሓደ መዓልቲ ጻንሒት ከም ዝገብሩ ዝዝኸር ኮይኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሕታም ናይቲ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብተማሃሮ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ልደት ምርኢት ሙዚቃ ዕለት 16 ታሕሳስ ድሕሪ ቀትሪ ተረኺቦም ምስ ተመሃሮን ወለዲ ተመሃሮን ሓቢሮም ከም እተኸታተሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዝቐረበ ናይ ሙዚቃ ምርኢት እቶም ሕጻናት ተመሃሮ ንኹሉ ሰብ ርሑስ በዓል ልደት ዝምነዩሉ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነን፡ ቅዱስነቶም ሓቀይና ሃብቲ በቲ ሓደ ሰብ ዝረኽቦን ዝውንኖን ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱን ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልዎ ርክብን ክፈጥሮ ዝኽእል ሰላም ዝምዘን ምኽኑ ዘስምረሉ ኣጋጣሚ እውን ከም ዝነበረ እውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

በዓል ልደት ሓጎስን ሰላምን የበራብር

እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ጳጳስ ቪቸንዞ ቪቫ፡ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውርሻ ሓዋርያዊ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጆርዳኖ ፒቺኖቲን ናይቲ ቤት ትምህርቲ መምሃራንን ሰራሕተይናታትን ወለዲ ተመሃሮን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣዳራሽ ዝተመርጹ ዝተፈላለዩ ውሩያትን ዘመን ሰገር ዝኾኑ ናይ ልደት መዛሙር ከም ዘቕረቡን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ብቋንቋታት ጣልያን፣ ላቲን፣ እንግሊዝን ስጳይናን መዝሙራት ልደት ክትሰምዕ ብሓቂ ደስ ዘብልን ህጻናት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ክደርፉ ምስማዕ፡ በዓል ልደት ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ ሓጎስን ሰላምን ዘበራብር ምዃኑ ኩሉ ሰብ ንኽርዳእ ዝሕግዝ እዩ” ቢሎም - ነቲ መደብ ንኽከታተሉ ስለ ዝቐረበሎም ዕድመ ምስጋናኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሰላም ዝያዳ ክንገብር ዝዕድም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓንቲ ካብተን ዝቐረባ መዛሙራት፡ ግጥሚ “ፍቕሪ ዘምጽኡ መላእኽቲ” እትብል ሓረግ ተወኪሶም እንከስተንትኑ፡ እቶም ቆልዑ ባዕሎም ብሙዚቃኦም ፍቕሪ ከም ዘምጽኡ ኣስተብሂሎም። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፡ “ፍቕሪ ልቢ ነቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ንኽሕዝ ስለ ዘኽእሎ፡ እቲ ዘፍቅር ይዝምር” ዝበሎ ብምዝኽኻር፡ “እግዚኣብሔር ንኹላትና ህያብ ፍቕሪ ከረድኣና ተመነየ፡ ልደት ነዚ ዘረጋግጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕሉ እቲ ትምኒት እዩ” ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ትሑታትን ተቓላዕትን ከም ዝቐርብ ኣስሚሮም፡ እዚ ኣብ በዓል ልደት ዝኽበር መንፈስ ኣብዚ ቅንያት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ዓመት ህልው ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እውን ካብቲ ዝቐረበ መዛሙር - ኣብ ሓንቲ መዝሙር ዝሰማዕናዮ “ኣብ ዓለም ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ንምእዋጅ ዝያዳ ክንገብር “ልደት ንዓና ዓቢ ዕድመ እዩ” ዝብል ጠቒሶም ኣብ ዓለም ሰላምን ፍቕርን ሓድነት ኣብሰርቲ ንኹን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንኣምላኽ እብቶም ትሑታትን ተነቀፍትን ምልላይ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንህጻናትን ወለዶምን ቡራኬኦም ኣቕሪቦም፣ ብሓባር ክጽልዩን ልቦም ከፊቶም ህላወ እግዚኣብሔር ብፍላይ ኣብቶም ትሑታትን ተነቀፍትን ከለልዩ ዓዲሞም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስነቶም ምስቶም ተማሃሮ ናይ መዘከርታ ናይ ሓባር ስእሊ ከም እተሳእሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ

እቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቤት ትምህርቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ካብቲ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣስታት 700 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህብረተሰብ ከም ህያብ እቲ ቤት ትምህርቲ ክህነጽ ከም ዝገበሩን ባዕሎም ዕለት 12 መስከረም 1968 ዓ.ም. ብወግዒ መሪቖም ከም ዝኸፈትዎን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 300 ተማሃሮ ከም ዝመሃሩን ብካቶሊካዊ መትከላት ዝተደፋፍአ ትምህርታዊ መደብ ዘቕርብ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

17 Dec 2025, 16:49