ድለ

INDONESIA-SRILANKA-WEATHER-CLIMATE

ር. ሊ. ጳ. ናብተን ብምዕልቕላቕ ማይ እተጠቕዓ ሃገራት እስያ ረድኤት ልኢኾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነተን ብህቦብላ ንፋስ ዝተጠቕዓ ሃገራት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ረድኤት ልኢኾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ነተን ብኣዕናዊ ህቦብላ ንፋስ ንሓደጋታት ህይወትን ዝሞትን እተቓልዓ ከምኡ ውን ብዙሕ ጕድኣታት ድሕሪ ምውራዱ ከቢድ ጸገማት ዘጋጥመን ሓያሎ ሃገራት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን እስያ ደገፎም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብተኸታታሊ ትሮፒካዊ ህቦብላ እናገደደ ምስ ከደ ምዕልቕላቕ ማይን ምህማም ምድርን ስለ ዘስዓበ፣ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዳርጋ 1,800 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድማ ሃለዋቶም ጠፊኡ የርክብ ኣሎ። ድልድላትን መገድታትን ብማይን ፍርስራሳትን ድሕሪ ምዕናዉ ብዙሓት ኣቝሻት ተደምሲሰን ይርከባ ኣለዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ህጹጽ ኵነታት ምላሽ ንምሃብ ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ግብረ ሰናትይ ኣቢሎም፣ ናብተን ዝያዳ እተጐድኣ ሃገራት እንተላይ ስሪ ላንካ ኢንዶነዥያ ቬትናም ታይላንድ ሓገዞም ለኣኹ።

ሰንበት ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፣ ነቶም በዚ ባህርያዊ ሓደጋታት እዚ ከቢድ ፈተና ዝወረዶም ህዝቢ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ገሊጾም ነይሮም ይርከቡ። ጸሎቶም ብምርግጋጽ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ ነቶም ኣብዘን ዞባታት ከቢድ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰባት ሓድነት ከርእዩ ተማሕጸኖም።

10 Dec 2025, 15:58