ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምእንቲ ግዳያት ውሕጅ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ብሰንኪ ኣዕናዊ ውሕጅን ምህማም መሬት ልዕሊ 1500 ሰባት ከም ዝሞቱ ክሕበር እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣብ ኢንዶነዥያ 883፡ ኣብ ሲሪላንካ 486፡ ኣብ ታይላንድ 185፡ ኣብ ማሌዥያ ድማ 3 ምዃኑ ይንገር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝተረቡሉ ጉባኤ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ስለቶም ግዳያት፡ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ፈተውቶም ኣባይቲ ስድራ፡ ከምኡ'ውን ንኹሎም ሓገዝ ንዘቕርቡ ዘለዉ እጽሊ። ማሕበረሰብ ዓለም ብሰብኣዊ ሓገዝ ኣቢሉ ጭቡጥ ምልክታት ግብረ ሰናይን ቅርበትን ከርኢ ተማሕጺኖም፡ ከምኡ'ውን ንኹሎም ሓገዝ ንዘቕርቡ ዘለዉ እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓገዝን ቅርበትን ካብ ናይ ከባቢ ቤተክርስቲያን
ሰራሕተይናታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠመ ውሕጅ ንዝተሃስዩ ሰባት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ክሕበር እንከሎ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ሲሪላንካን ኢንዶነዥያን ብዙሓት ዓድታት ኣብ ትሕቲ ጭቃን ፍርስራስን ከም እተቐበራን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣስታት 900 ሰባት ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ክፍለጥ እንከሎ፡ ከም መልሲ ናይዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ሱማትራ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ መነኮሳት ካፑቺን ብሰንኪ ውሕጅ ዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ናብ ገዳማቶም ከም እተቐበልዎምን፡ ምስ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ሲቦልጋ ዝርከብ ናይ ካፑቺን ማሕበር ዞባዊ ሓለቓ ኣባ ዮሴፍ ኖርበርት ሲናጋ፡ እቲ ዝኸፍአ ኵነታት ኣብቂዑ እኳ እንተሎ፡ በቲ ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዙሓት ብዘይ ኣባይቶም ዝተረፉ ብምዃኖም እቲ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ገና ብሕጂ እዩ ዝጅምር እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ "ሕጂ ብሕጽረት ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንሳቐ ኣሎና፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ሕጽረት ዝስተ ማይ ከቢድ ጸገም ኮይኑ ኣሎ፡ ሕጂ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅልጡፍ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ደሓር እውን ኣባይቶም ዳግማይ ንምህናጽ ክንዋፈር ክንፍትን ኢና" ኢሎም።
