ር.ሊ.ጳ. ንግዳያት መጥቃዕቲ ሲድኒ፡ ‘ጸረ-ሴማውያን ዓመጽ ይኣክል!’ እንክብሉ ይዝክሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ትርኢታት ልደትን ጽሕዲ ልደትን “ምልክት እምነትን ተስፋን” ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ታሕሳስ ናይ ሎሚ ዓመት ጽሕዲ ልደትን ምውላድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መግለጺ ትርኢትን ዘወፈዩ ጉጅለታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፣ ምእመናን “ንጐይታ ኣብ ውሽጥና ህያብ ሰላምን ሕውነትን ከሐድስ ንለምኖ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ንኹሎም ብሰንኪ ኩናትን ዓመጽን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብፍላይ ድማ ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሲድኒ ግዳያት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝኾኑ ንጐይታ ኣወኪፎም፡ “እዚ ዓይነት ጸረ-ሴማዊ ዓመጽ ይኣክል! ጽልኢ ካብ ልብና ከነወግድ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ትሕትናን ፍቕርን ምስጢር
ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ – ካብ ናፖሊ ወጻኢ ካብ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ኖሴራ ኢንፈሪዮር - ሳርኖ – ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ነጋድያን “እግዚኣብሄር ናብ ሰብኣውነት ከም ዝቐርብ፡ ሓደ ካባና ከም ዝኸውን፡ ንኡስ ሕጻን ብምዃን ናብ ታሪኽና ከም ዝኣቱ” ዘዘኻኽር እዩ - ቢሎም - “ኣብ ቤተልሄም መብልዒ ማል ዘሎ ድኽነት፡ “ንርእስና እንደገና ረኺብና ምስ ኣምላኽ ናብ ሕብረት ክንኣቱ” ዝዕድም ምስጢር ትሕትናን ፍቕርን ነስተንትን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምልክት ህይወትን ተስፋን እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወከልቲ ቦልዛኖ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ፡ ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጎኒ ዝቐውም 25 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጽሕዲ - ኦም ልደት ንዘወፈዩ ሰላምታ እንከቕርቡ፡ ኦም ልደት “ምልክት ህይወት ምዃኑን ኣብ ቁሪ ክረምቲ እውን ከይተረፈ ዘይፈሽል ተስፋ ዘበራብርን እዩ” እንክብሉ ብምዝኽካር፡ ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ኣብታ ገረብ ዘሎ መብራህቲ “ናይ ዓለም ብርሃን ፡ ንጸልማት ሓጢኣት ክብትኖን መገድና ከብርህን ዝመጸ” ምሳሌ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካልኦት ኣብ መላእ ቫቲካን ንኽጥቀሙ ኣግራብ ካብ ተመሳሳሊ ዞባ ደቡብ ቲሮል ዝመጸ ምዃኑ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንህይወት ካብ ምጽናስ ንምክልኻል ዝግበር ጻውዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ንወከልቲ ኮስታሪካ ንኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝኸውን ናይ ልደት ትርኢት ብምውፋዮም ኣመስጊኖም፣ እዚ ድማ “ናይ ልደት ሓጎስ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ኮስታሪካዊ ስነጥበባዊ ምህዞ ዘርእይ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ትርኢት ብ 28 ሽሕ ድሪ ዝተሰለመ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ድሪ ሳላ ጸሎትን ደገፍን ካቶሊካውያን ትካላት ንዝተጸገማ ኣዴታት ብእተግብረ ሓገዝ ካብ ምንጻል ጥንሲ ዝደሓነ ህይወት ዝውክል እዩ - ቢሎም - ነቶም ስነ ጥበባውያን ኣብ ናይ ልደት መልእኽቲ ሰላም ካብ ህሞት ጽንሲ ጀሚሩ ሕይወት ክሕለው ጻውዒት ብምቕራቦም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ናይ ክርስቶስ ህጻን ለውሃት ንህይወትና የብርሃልና
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ኣብ ወቕቲ በዓል ልደት ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ኰነ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ቦታታት ንምድላው ዝገብርዎ ለጋስ ተወፋይነት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኵላትና "ለወሃትን ርህራሀን ሕጻን ኢየሱስ ንህይወትና ከብርህ፡ ከምኡውን "ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ጨናፍር ሓምላይ ኦም ወትሩ ኣብ ውሽጥና ህያው ኪኸውን ክንፈቕደሉ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
