ድለ

2025.12.02 Viaggio Apostolico in Libano - Santa Messa presso il Beirut Waterfront 2025.12.02 Viaggio Apostolico in Libano - Santa Messa presso il Beirut Waterfront  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ቱርኪን ሊባኖስን፣ ሰላም ዝከኣል ከም ምዃኑ ይምህረና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገራት ቱርኪን ሊባኖስን ዝገበሮ ሓዋርያዊ ዑደት ብምዝካር፣ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምርኻቦም ሰላም ብሓባር እንተ ሃኒጽና ሰላም ኪርከብ ከም ዝኽእል ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ናብ ሃገራት ቱርኪን ሊባኖስን ምብጽሖም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕለት ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ ብጸሎቶም ክንዲ ዘሰንይዎም ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ኣብ ቱርኪ ምስ "ፍቑር ሓዉ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ፣ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያን ከምኡውን ምስ ተወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን" ኣብ ስፍራ ናይቲ ኣብ 325 ዓ.ም. እተኻየደ ጉባኤ ንቅያ ኣብዚ እዋን እዚ ኢዝኒክ ኣብ እተሰምየት ከተማ ብሕብረት ጸልዮም።

"ሎሚ መበል 60 ዓመት ናይቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን፣ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቴናጎራስን እተገብረ ሓባራዊ ኣዋጅ ኢና እንዝክር ዘሎና፣ እዚ ድማ ነቲ ሓባራዊ ምፍልላይ ደው ዘበሎ ኣጋጣሚ እዩ ዝንበረ" በሉ። "ንኣምላኽ ነመስግኖ ናብ ምሉእ ብምሉእ ዚርአ ሓድነት ኵሎም ክርስትያን ማሕበራት ንምብጻሕ ዝገበርናዮ ተጸምዶ ድማ ነሐድሶ ኣሎና" ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሃገረ ቱርኪ ንምርኻብ ኣጋጣሚ ብምርካቦም ከም ዘሓጐሶም እውን ገለጹ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ናብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ እታ ሃገር "ሞዛይክ ብምዃና፣ ምልክት ሓባራዊ" ምዃና ውን ገሊጾም፣ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብነት እዚ ክምስክሩ ክሰምዑ ምትብባዕ ከም ዝረኸቡ እውን ኣመልከቱ።

"ነቶም እተመዛበሉ ብምቕባል፣ ንእሱራት ብምብጻሕ፣ ከምኡውን ነቶም እተሸገሩ እንጌራ ብምክፋል ወንጌል ዝሰብኩ ሰባት ረኺበ" ኢየ ክብሉ ውን መስከሩ። "ኣብ ጐደናታት ብዙሓት ሰባት ሰላም ኪብሉኒ ኸለዉ ምርኣየይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ፣ ምስ ኣዝማድ እቶም ግዳያት እቲ ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ነታጒ ብምርኻበይ ድማ ኣዝየ ተተንኪፈ እየ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ብግዲኦም እውን ካብ እምነትን ውዕዉዕ ስምዒትን ህዝቢ ሊባኖስ ዝያዳ ምጽንናዕ ከም ዝረኸቡ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ናብ ሃገራት ቱርኪን ሊባኖስን እተፈጸመ ምብጻሕ፣ ሰላም ከም ዚከኣል ክርስትያን ምእመናን ከኣ ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብምዝርራብ ሰላም ኣብ ምህናጽ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ዝምህረና እዩ" ክብሉ ቃለ ምስክርነቶም ዛዘሙ።

08 Dec 2025, 10:44