ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ መምህራን ዝሓሸ መጻኢ ንዝደልዩ መንእሰያት ክድግፉ ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን መምህራን፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብተስፋ ምቝራጽ ካብ ኣህጉሮም ክወጹ ዝግደዱ ዘለዉ መንእሰያት፣ ኣብ መጻኢኦም እንደገና ምትእምማን ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም ተማሕጺኖም። እቲ ብብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተፈረመ መልእኽቲ፣ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ሳያኦጎ እተላእከት፣ ኣብቲ ካብ 4 ክሳዕ 7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ እተገብረ ጉባኤ ሥነ ትምህርቲ ካቶሊክ ኣፍሪቃ እተላእከት ኢያ ዝንበረት።
እቲ "ካቶሊካዊ ሥነ ትምህርትን ምልክታት ተስፋን ኣብ ከባቢ ኣፍሪቃ" ዘርእስቱ ጉባኤ፣ ኣብ ክርስቶስ እተመስረተ ሥነ መዕበያ ኣብ ምሕዳስ ዘተኰረ እዩ ዝንበረ። እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብጽኑዕ እተደገፈ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ንምድንፋዕ ንዝግበር ቀጻሊ ጻዕርታት ዘለዎም ሞሳ ድማ ገሊጾም።
"ምሉእ ልቢ" ዚፈጥር ሥነ ትምህርቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኾም ካቶሊካዊ ትምህርቲ "ዝማዕበለ ኣእምሮ" ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ድንጋጽን ሓልዮትን ኪህልዎ ዝኽእል "ምሉእ ልቢ" ንምምዕባል ከም ዝዓለመ እውን ይዝክሩ። መንእሰያት "ሃብቲ ኣፍሪቃ" ብምዃኖም፣ መምህራን ከኣ ንተመሃሮ ብምትእምማን ናብ መጻኢ ዚመርሖም ውጽኢታዊ መገድታት ኬናድዩ ኸም ዘለዎም ገለጹ።
ብዙሓት መንእሰያት ብሰንኪ ድሩት ኣጋጣሚታት፣ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ከቢድ ብሕታዊ ሓደጋ ኸም ዝርከቡ ዘለው ኣጠንቀቑ። መምህራን ንተውህቦም ተልእኾ ኣፍልጦ ንኽህቡሉን ኣብ ባህላውን ስነ-ምግባራውን ብርታዐ ኣፍሪቃ እተመስረተ ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ሸቶታት ንምውጋድ ዝሕግዝዎም ኣማኸርቲ ምስ እንተዘይብሎም፣ "ዋላ ሓንቲ ኣይጠፍእን" ዝብል እምነት ኣብ ውሽጦም ክምለሱ ክሕግዝዎም ከም ዝኽእሉ ከም ምዃኖም ገለጹ።
ንስድራ ቤት ምዕቃብን መራሕቲ ምህናጽን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ካብቲ ንኢዮቤልዩ ስድራ ቤታት ዝለገስዎ ስብከቶም ብምጥቃስ፣ ንስድራ ቤት "መጻኢ ህዝብታት ዝህነጸሉ" ስፍራ ኸም ዝዀነት ኣጕልሑ። ንስድራ ቤት ከምቲ ፈጣሪ ዝሓሰቦ ቤተ-ክርስትያን ከተተባብዕን ካብ ጐዳኢ ስነ-ሓሳባት ክትከላኸለላን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካቶሊካዊ ኣብያተ-ትምህርቲ እኳ እንተ ተማህሩ እታ ኣህጉር ግን ገና ኸቢድ ብድሆታት የጋጥማ ኸም ዘሎ ገለጹ። ንመምህራን ሓላፍነት ዝስምዖ መሪሕነት ኣገዳሲ ዝዀነ ኽልተ ባህርያት ኬማዕብሉ ኣተባብዕዎም፣ እዚ ኸኣ ሓድነትን መንፈስ መስዋእትን እዩ፣ እዚ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃ ሱር ዝሰደደ ከምኡውን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንሓባራዊ ረብሓ እተወፈዩ ሰባት ንምምስራት ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ኣመልከቱ።
ተልእኾ ወንጌላውነት
"ትምህርቲ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ወንጌላውነት ተልእኾ እዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ደምደሙ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ከም "ኣምባሳደራት ሰላም" ገይሮም ብምዝካር ኵሎም እቶም ኣብ ጽላታት ትምህርቲ ዚሳተፉ መምህራን መጻኢ ኣህጉር ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰብኡትን ኣንስትን ክሃንጹ ድማ ተማሕጸኖም።
