ድለ

2025.12.14 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ዕምባባታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከይተረፈ ክዕምብቡ ይኽእል እዩ 2025.12.14 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ዕምባባታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከይተረፈ ክዕምብቡ ይኽእል እዩ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ዕምባባታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከይተረፈ ክዕምብቡ ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰንበት ዕለት 14 ታሕሳስ ኢዮቤል ንኡሱራት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ንእሱራት ይኹን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባትን ተስፋ ክዕቅቡ ተላብዮም፡ "ዝዀነ ይኹን ሰብ ብተግባራቱ ጥራይ ከም ዘይግለጽ ፍትሒ ድማ ወትሩ ናይ ካሕሳን ዕርቅን መጋበርያ ምዃኑ" ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት፡ ሰንበት ዘሓሴት ተባሂሉ’ውን እውን ዝጽዋዕ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት “ሓጐስ” ናይዛ ሰንበት “እቲ ድሙቕ ሸነኽ ምጽባይ: ጽቡቕ ነገር፡ ገለ ባህ ዘብል ነገር ከም ዝፍጸም ንዘሎ ምትእምማን” ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡

ዕለት 14 ታሕሳስ ንእሱራትን ንኹሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝሰርሑን ዝውክለ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 26 ታሕሳስ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ‘ረቢብያ’ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኣፍደገ ከፊቶም ንሰማዕቶም "ማዕጾ ልብኹም ክፈቱ" እንክብሉ ከም እተማሕጸኑን ኣብቲ ኣጋጣሚ’ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኩሉ ሰብ “ኣብቲ እንነብረሉ ከባቢታት ናይ ፍትሕን ግብረ ሰናይን መጋበርያ” ክኸውን ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕጂ እውን ተስፋ ህልው እዩ

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም፣. ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዋላ እኳ ጻዕርታት እንተተገብረ፡ “ኣብ መላእ ኣባይቲ ማሕቡስ ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ” ኣስሚሮምሉ፡ እተን ኣብያተ ማሕቡስ በዳሂ ሃዋህው ምዃነን ኣሚኖም፡ “ዋላ እቲ ዝበለጸ ዕላማታት ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።”

እንተኾነ ግን ብፍላይ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኩላትና ካብ ድኻምነት ወይ ተስፋ ምቑራጽ ክንቁጠብን ክንጸንዕን ከምዘለና ኣተሓሳሲቦም፡ “ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ዝኾነ ይኹን ሰብ ዳግማይ ክትንስእ ከም ዘለዎ ብዙሓት ክሳብ ሕጂ ክርድእዎ የሸግምሮ እዩ፡ ዝኾነ ሰብ ብዝገበሮ ኣይግለጽን፡ ፍትሒ ድማ ኩሉ ግዜ መስርሕ ሕዳሰን ካሕሳን ዕርቂን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ተሃዋስነት፣ ንጠለባት ካልኦት ኣቓልቦ፣ ኣኽብሮት፣ ምሕረትን ይቕሬታን ንኽዕምብብ ውሑስ ቦታታት እንተፈጢርናን እንተ ዓቂብናን - ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ እዋን- ደስ ዘብል ዕምባባታት ይዕምብ፣ ኣብ ውሽጢ መናድቕ ቤት ማእሰርቲ እውን ከይተረፈ፣ ፍሉያት ተግባራትን፣ ውጥናትን ርክባትን ኣብ ሰብኣውነት ይስስን” እዚ ነቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ መዓልቲ ኢዮቤል ንኡሱራት እዚ “ናይ ምልዋጥ ጻውዒት እዩ፣ ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምንጪ ተስፋን ሓጐስን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርህራሄ ማእከል ምግባር

ነዚ ንምዕዋት መጀመርያ ናብ ኢየሱስን ሰብኣውነቱን መንግስቱን ከም መዘኻኸሪታት ምጥማት የድሊ፣ ብዘይተለምደ ምትእትታው እግዚኣብሔር ተኣምራት ክገብር ከም ዝኽእል ምእማን የድሊ፡ ይኹን’ምበር፡ “ብብዝሒ ንዓና፣ ርህራሄ፣ ኣቓልቦና፣ ጥበብ፣ ከምኡ’ውን ሓላፍነት ማሕበረሰባትናን ትካላትናን ብሓላፍነት ይወሃቡና” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ኩላትና ከመይ ጌርና’ውን ኣብ ኩሉ መዳያት - ሎሚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ - ማሕቡስ - ኣብ ሓድሽ ክብርታት ዝተሰረተ ሕብረተሰብ ከነማዕብል ከም ዝተጸዋዕና ኣስተብሂሎም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነዛ ቅድስቲ ዓመት እዚኣ "ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ሕብረተሰብን ምትእምማን ንኽህልዎም ዝሕግዝ ዓይነት ምሕረት ወይ ሕድገት መቕጻዕቲ ክረኽቡ ድላይ ከም ዝነበሮም ቅዱስ ኣቦና ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

በይንና ፈጺምና ኣይኮንናን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣመጻጽኣ ኢዮቤል ዝትንክፍ እዩ - ኩሉ ሰብ ብሓድሽ ክጅምር ዕድል ዝወሃበሉ ዓመት ጸጋ። እቲ ክፍሊ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዘስተንትን እዩ ነይሩ፣ ንሱ ንሰባት ክልወጡን ክጥመቑን ዘተባብዕ እዩ። ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ መልእኽቱ ግሉጽን ቅኑዕን እኳ እንተነበረ፡ መሓርን ኵነታት ካልኦት ዝርዳእን እውን እዩ ነይሩ፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ነቲ ኣምላኽ ንእሱራትን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባትን ዝሃቦም ከቢድ ዕዮ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ንሱ ነቲ ኺፈትሕዎ እተጸውዑ ሓያሎ ጸገማት ጠቒሶም፦ "ብእሱራት ዘዕለቕልቕ ኣባይቲ ማሕቡስን ንምሕዳስ ዚኸውን ቀዋሚ መደብ ህንጸትን ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታትን ንምርግጋጽ ገና እኹል ቈራጽነት ዘይምህላው" ገሊጾም፡ እንተኾነ ግን ብዝዓሞቐ ደረጃ ብክብደት ሕሉፍ ስራሕ ክፍወስ ዘለዎ ቁስሊ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ነዞም ስጉምትታት ንምዕዋት ምስ ገዛእ ርእስኻ ክህልወካ ዘለዎ ትዕግስቲ፡ ከምኡ’ውን ተስፋ ናይ ምቑራጽ ፈተናታት’ውን ኣለዉ። እዚ ብድሆታት እዚ ዓብዪን ከቢድን ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም እነንብቦ መተባብዒ ይህብ እዩ። “ሓደ እኳ ከይጠፍእ” ኩሉ “ክድሕን” እዩ ዝደሊ፡ እዚ እዩ እቲ እንኣምኖን እነምልኾን እግዚኣብሕኤር፡ ዝብህጎ፡ እዚ መንግስቱ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ናይ ዝፍጽሞ ዕዮ ሸቶ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ኣብዚ በዓለ ልደት ንኸነብዕል እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ቅዱስነቶም ንዅላቶም ነዚ ሕልሚ እዚ ንምፍጻም ክዓዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝኸፍአ ጸገማት እውን ከይተረፈ "በይንና ኣይኰንናን ጐይታ ቅረባና እዩ፡ ምሳና ይጓዓዝ ምስኡ ድማ ወትሩ ጽቡቕን ዜሐጕስን ነገር ይህሉ" እንልብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Dec 2025, 09:14