ድለ

ዓስራይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዓስራይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም  (@Vatican Media)

ዓስራይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ኣብ ሮማ ዝቕመጡ ካርዲናላትን ኣሳቲፉ ካብ ዕለት 22 ለካቲት ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ዝተበገሰ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዕለት 26 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ቀጺሉ ከም ዝወዓለን ጳጳስ ቫርደን ካብ ሓደ ስነ ሓሳባዊ ሰብ ናብ ጥበበይና ክውንነት ዝብል ተክለ ሰብነት ቅዱስ በርናርዶስ ኣተኩይሮም፡ እዚ ተክለ ሰብነት እዚ በቲ ንኹሉ ነገር ብዝቕይር ፍቕሪ ክርስቶስ እተሞከረ ህይወት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ በርናርዶስ “ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ክዓሞ ዝኽእል መስተንክር ነገራት ተማሂሩ - እዚ እውን ምስኡ “ንዝተሓደሰት ዓለም” ብርሃን ምሃብ ዝከኣል ምዃኑ የስተውዕል” ዝብል ሓሳብ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ብዛዕባ ፍጹም ሓቅነት ፍቕሪ ክርስቶስን ንዅሉ ንምቕያር ዘለዎ ሓይልን ካብ ምፍላጥ" እተወልደ ህድኣት ሓድሓደ ግዜ ተሪር ኣቀራርባ ዘለዎ ለውሃት እዩ” እንክብሉ ጳጳስ ቫርደን ዕለት 26 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣነጺሮም፡ ኣብ "ቅዱስ በርናርድ ክውንነታዊ" ዝገበሮ ኣስተንትኖ ብመንነት ናይቲ "ኣብ መንጎ ርእየት ዓለምን ጭቡጥን፡ ግጥማውን ግብራውነትን ኣብ ዘሎ መጋጠሚ ዝተቐርጸ" ማሕበር ሲታውያን ዝመእከለ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ ( ጳጳስ ኤሪክ ቫርደን ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጽማሬ)።

ንዝለዓለ ጠምት

ጳጳስ ቫርደን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ንቅዱስ በርናርዶስን ነቲ ዘነቓቕሖ ስነ ሓሳብን ክገልጹ እንከለዉ፡ ብዛዕባ "ስሩዕ ስነ-ምግባሩ፡ ድሒሩ ብመጠኑ ብትሪ ዝኽተሎ መገድን ኣገባባትን" የስተንትኑ። "ልዑል ዕላማ ምግባሩ ወይ ንዝለዓለ ምጥማቱ ባህርያዊ'ዩ ነይሩ። ሕድገታት ወይ ዋጋ ዕዳጋን ዘይብል መስርዕ፡ ብፍጹም ዕሽሽ ኢልዎ ኣይፈልጥን፤ ንህልው ከይሰሓተ፡ ካብ ስነ ሓሳባዊ ናብ ክውንነታዊ የብል። ክውንነት ዝብል ቃል ንምብራህ ጳጳስ ቫርደን ንተንታኒ ስነ-ኣእምሮ ሊቕ ጃክ ላካን ተወኪሶም፡ ንዕኡ "እቲ ክውንነት" ኣንጻር ምኻድ እዩ፡ በርናርዶስ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ክውንነታውነት ዘማእከለ ወሓዚ ፖለቲካ ይጋጮ ነይሩ።

ምሕረት ዝልምን ኣውያት

ቅዱስ በርናርዶስ “ንነገራት ከም ዘለዉዎ ብምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ኵሉ ጕዳያት ደቂ ሰባት እቲ ዝዓሞቐ ክውንነት ምሕረት ዝልምን ኣውያት እዩ፡ ምሕረት ምዃኑ ስለ እተማህረ እውን ክውንነታዊ ሰብ ኰነ። ነዚ ኣውያት እዚ ኣብ ዝተጨነቐን ዝተረበሸን ልቢ ደቂ ሰባት፡ ኣብ መሪር ንብዓት፡ ኣብ ዓለማዊ ግርጭታት፡ ኣብ ጽላለ ዝመልኦ ወፍርታት ኣንጻር ልኡምነትን ሓቅን - ዋላ’ውን ኣብ ሕሹኽታ ኣግራብ ከለልዮ ብዝተማህረ መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክቡርን ምሕረት ዝመልኦን ምላሽ ብዝያዳ የስተውዕል።”

ኢየሱስ፡ ንህይወት ዘምእዝ ዘይቲ

ናይቲ ኣውያት መልሲ ድማ "ኣብ ቅዱስ ስም ኢየሱስ የስተውዕሎ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ክቡር ኰነሉ።" ኣብ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ናይ ምድሓን መደቡ ይገልጽ፡ ከም ጥዑም መኣዛ፡ ፈውሲ፡ ዘንጽሕ ዘይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት የፍስሶ።" በዚ ኸኣ በርናርዶስ ነቶም መነኮሳት ብዘይ እቲ ዘይቲ "ኩሉ መግቢ ነፍሲ" ደረቕን ጣዕሚ ዘይብሉን ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። "እንተ ጽሒፍካ ኣብቲ እትጽሕፎ ንኢየሱስ እንተዘየንበብኩ ጣዕሚ የብሉን። እንተ ተኻቲዕካ ወይ እንተ ተዘራሪብካ፡ ኢየሱስ ኣባኻ እንተዘይተሰሚዑ ንዓይ ጣዕሚ የብሉን። ኢየሱስ፡ መዓር ኣብ ኣፍካ፡ ዜማ ኣብ እዝንኻ፡ ሓጎስ ኣብ ልብኻ" ክኸውን ኣለዎ።

ኩሉ ብብርሃን ኢየሱስ

እቲ ንበርናርዶስ ዝኽፈት ኣረኣእያ ኣብቲ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ከም ዝሰርሕ ምድናቕ ዝዓሰሎ እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ለውጢ ይመጽእ፡ ተወፋይነቱ ድማ "ስምዒታዊ ዕምቆት" ይሕዝ። እቲ ስምዒታት ዝብል ቃል ንዕኡ መሰረታዊ እዩ። ሰፊሕ ትርጉም ኣለዎ፣ ጸጋ ከም ስጋ ዝለበሱ ፍጡራት ከም ዘንቀሳቕሰና ዘርኢ እዩ፣ ህዋሳትና ንኣምላኽ ክርድእዎ የኽእሎም። በርናርዶስ ግን ንኢየሱስ፣ ስጋ ዝለበሰ ሓቂ፣ ካብ ትርጉማዊ መትከል ዝንእስ ከምዘይኮነ ይስቆሮ። ንኹነታትን ሰባትን ዝምድናታትን ብጥብቂ ብብርሃን ኢየሱስ ይትርጉሞ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ከም በዓል ማርቲን ሉተርን መስራቲ ምንቅስቓስ ሜቶዲስት ጆን ዌስሊን ዝኣመሰሉ ሰባት ዝድነቕን ዝፍተውን ድማ ገበሮ።

መርኣያታት ናይ ሓንቲ ዝተሓደሰት ዓለም

ኣብዚ ሓድሽ ልዕለ ባህርያዊ ብርሃን፡ “ባህርይና” ክገልጽ፡ ፍጹም መልክዑ፡ ቅርጺ ዘለዎ መልክዑ ክገልጽ እዩ፡ ሽዑ ጥራይ እዩ እቲ ምድራዊ ህይወት ብቑዕ ዝኾነሉ ባህታ ርኡይ ዝኸውን፤ ሽዑ ጥራይ እዩ እቲ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ተሓቢኡ ዘሎ ክብሪ ብብርቱዕ ነጸብራቕ ዝበርህ፡ ንሕናን ካልኦትን እንታይ ክንከውን ከም እንኽእል ዝምህረና፡ ንሓንቲ ዝተሓደሰት ዓለም ኣብነት ዝህብን።”

ንኹሉ ናይ ምቕያር ሓይሊ

እቲ ሕጂ ንበርናርዶስ ኣብ ብስለቱ ዝዕብልሎ ክውንነት "ዓቢ ተሓድሶ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ መዳራይ፡ መራሒ ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነስ: ፍልጠት ፍጹም ክውንነት ፍቕሪ ክርስቶስን ንኹሉ ናይ ምቕያር ሓይልን ንበርናርዶስ ሊቕን ቅዱስን ገበሮ። በዚ ድማ ኢና" ይብሉ ጳጳስ ቫርደን ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ እንክዛዝሙ፡   ንዕኡ እነፍቅሮን እነኽብሮን፡ ምስ ገዛእ ርእሱ ሓርነት" ከም ሓቂ ድማ እቶም ብሓቂ ናጻ ዝዀኑ መግለጺ "ናይቲ ክብሪ ዝመልኦ ሓቂ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Feb 2026, 16:20