ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ መስራቲ ተለቪዥን ESNE ተራኺቦም

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኖኤል ዲያዝ መስራቲ ናይቲ ዘርኢ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል (ESNE) እተሰምየ ማሕበር ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ተራኺቦም። እዚ ኣብ ካሊፎርንያ እተመስረተ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል፣ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ስጳኛን ዝመሓላለፍ ናይ ተለቪዥን መርበብን ከምኡውን ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝርከብ ሰፊሕ መደበራት ረድዮ ዘካየድ ኢዩ የካይድ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 8 ግንቦት ናብ መብንበረ ጴጥሮስ ካብ ዚምረጹ ጀሚሩ ኖኤል ዲያዝ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ርክብ ኢዩ ዝንበረ። እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነብር መክሲካዊ ስደተይና፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጥቡቅ ርክብ ዝነበሮ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃለ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንውጥናት ማሕበር ምእመናን ሓዋርያት ሓድሽ ዘርኢ ስብከተ ወንጌል ባሪኾምን ኣተባቢዖምን ኢዮም። እቲ ማሕበር ኣብ ካሊፎርንያ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ተመስሪቱ፣ ካብኡ ድማ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ስጳኛን ካቶሊካዊ መደባት ተለቪዥን የመሓላልፍ። ብተወሳኺውን ኣብ ትሕቲ ጽላል እዚ ፍረ ዘለዎ ናይ ቤተ-ክርስትያን ውጥን፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ መክሲኮን ሰፊሕ መደበራት ረድዮ ዘመሓላልፍ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ንኖኤል ዲያዝ እዞም ኣመሪካውን ፔሩቪያውን ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ከም ሓደ ዓለማዊ ምእመን መጠን ዝመርሖ ዘሎ ተልእኾ ኣጸቢቖም ክፈልጥዎ ኣገዳሲ እዩ ዝንበረ፣ እዚ ተልእኾ እዚ ድማ ካብ ካልእ ሸቶታት ንላዕሊ ንድምጺ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቋንቋታት ስጳንኛን እንግሊዝን ዝዛረቡ ሰባት ንምብጻሕ እዩ ዝጽዕር።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንዲያዝ ኣብ ብሕታዊ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራረብዎ። ዲያዝ ካብ ርእሰ ሰበኻታት ሎስ ኣንጀለስ ዝመጹ ኽልተ ኻህናትን፣ ሓደ ምእመናን ኣሰንዮምዎ ነበሩ። እቶም በጻሕቲ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሕ ህያባት ኣምጺኦም እዮም።

ስደተኛታትን ቃል ኣምላኽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበል 14ን ኖኤል ዲያዝን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ዝቕጽል ዘሎ ስደትን ከምኡውን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኣብ ምእመናን እናወሰኸ ዚኸይድን ከም ዘሎ ኣመልኪቶም ተመያየጡ ።

ዲያዝ ምስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምርኻቡ ምስ ዜና ቫቲካን ብቋንቋ ስጳንኛ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝገበሮ ዝርርብን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ሰብከተ ወንጌል ተልእኾ ንማሕበረሰብን ምእመናንን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንምቕጻል ዘቕረበሎም ብድሆታት ብዝያዳ ኣስተንቲኑ።

20 Feb 2026, 11:45