ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ጥዕና ህዝብን ከቢድ መጥቃዕቲ እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ጥዕና ህዝብን ከቢድ መጥቃዕቲ እዩ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ጥዕና ህዝብን ከቢድ መጥቃዕቲ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሽዊ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዕለት 16 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብዛ ብግጭት እትሃልኽ ዘላ ዓለም ጥዕና ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ኣብ ዘካይዶ ምሉእ ሓፈሽዊ ዓውደ ጉባኤ ንሳተፉ ዘለዉ ዕለት 16 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብዛ ብግርጭታት እትሃልኽ ዘላ ዓለም፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘሎና ርድኢት ብምሕያል ዘይማዕርነታዊ ኵነታት ንምፍታሕን፡ ህይወትን ጥዕናን ንምድንፋዕ ግዜን ጸጋታትን ከነወፍይ ይግባእ እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ሎሚ "ንበርገሳዊ መዋቕር እንኮላይ ንኣባይቲ ሕክምና ዝጸሉ ውግኣት የጋጥመና ኣሎ። እዚ ድማ ኢድ ሰብ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ጥዕና ህዝብን ከውርዶ ዝኽእል ዝኸፍአ መጥቃዕትታት ኢዩ - ቢሎም - ኣብዛ ኣጽዋርን ካልእ ዓይነት ወተሃደራዊ ንዋትን ኣብ ምፍራይ ብዙሕ ቍጠባውን እደ ጥበባውን ውድባውን ሃብቲ ዘጥፍእ ግጭታት ዝመልኣ ዓለም፡ ህይወትን ጥዕናን ንምዕቋብ ግዜን ሰባትን ክእለትን ምውፋይ ከም ሎሚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይፈልጥን" እንክብሉ ኣብቲ ካብ ዕለት 16 – 17 ለካቲት ኣብ  ጳጳስዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም “ክንክን ጥዕና ንዅሉ፥ ቀጻልነትን ማዕርነትን” ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ተጋብያን ዕለት 16 ለካቲት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይምዑርይ ክንክን ጥዕና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ክንክን ጥዕና ንዅሉ፥ ቀጻልነትን ማዕርነትን” ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ዘለዎ ኣገዳስነት ኣቃሊሖም፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ህይወትን ጥዕናን ንኹሉ ብማዕረ ዝውክል መሰረታዊ ክብርታት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ምዃኑ ዝንገረሉ እውን እንተኾነ፡ እዚ ኣበሃህላ ግን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ነቲ ዘይማዕርነት ዝውስኑ መዋቕራዊ ጠንቅታትን ሕግታትን ሸለል እንተኢልናዮም፡ ምስሉይነት'ዩ ዘስምዕ" ቢሎም፡ “ኣንጻሩ እቲ ምስሉይነት ዝመሓላለፉ ኣዋጃትን መግለጺታትን እኳ እንተሎ፡ ኩሉ ህይወት ብማዕረ ኣይክበርን፡ ጥዕና ድማ ንኹሉ ብሓደ ዓይነት መንገዲ ኣይሕሎን ኣይስራሕን። ማሕበረሰብ ምስ ጥዕናኦምን ህይወቶምን ጉዳይ ዝምልከት ዝርከብሉ ዅነታት፡ ውጽኢት ማሕበራውን ኣከባብያውን ሕግታት እዩ" እዚ ድማ ከም እቶት፣ ትምህርቲ ወይ እቲ ሓደ ሰብ ዚነብረሉ ከባቢ ዝኣመሰለ ለውጥታት ይጸሉ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራዊ ጉጅለታትን ዘሎ ትጽቢት ዕድመን ጽሬት ጥዕናን ክንርኢ እንኮለና፡ ዓቢ ዘይማዕርነት ከም ዘሎ ነስተውዕል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኵላዊ ጥዕናን ሓድሕድና ጽግዕተይናነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ መዳይ “ኣብ መንጎ ጥዕና ኩሉን ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ዘሎ ምትእስሳር” ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ለበዳ ኮቪድ - 19 ነዚ ክውንነት ብኸመይ ከምዘረጋገጾ እውን ወሲኾም ብምምልካት፡ ሓላፍነትና "ሕማማት ንምሕካምን ፍትሓዊ ክንክን ጥዕና ንምርግጋጽን ስጕምትታት ምውሳድ ጥራይ ዘይኰነስ ጥዕና በቲ እተሓላለኸ ረቛሒታት ብኸመይ ከም ዚጽለውን ከም ዝተባብዕን ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ እዩ። ምምሕዳርን ካልኦትን "ንዅሉ ዚሓቍፍ ጕዳያት ንምቅላስን መፍትሒ ንምርካብን ብሓባር ኪእከቡ ኣለዎም። እዚ ማለት "ኣብ ህጹጽ መኽሰብ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብ ኣብ ዚጠቅም ነገር" ከተኵር ከም ዘለዎ ዘመላኽት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ንኣከባብያዊ ስፍሓትን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ዓይነት ህይወትን ሚዛናዊ ምዕባለ ክህሉ ዝገብር ምህዳራዊ ረቛሒታትን ንሓድሕዱ ዝምርኰስ "ምሉእ - ውሁድ ጥዕና" ዝብል ኣምር ምትብባዕ ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ኣትሪሮም ብምዝኽኻር፣ "ውሁድ - ምሉእ ጥዕና" "ንዓለም ለኻዊ ጕዳያት ጥዕና ንህብረ ደረጃታት ስርዓተ ትምህርቲ ርክብን ኣቀራርባን" መሰረት ክኸውን ይኽእል ኢዩ - ከመይሲ ህይወት ወድሰብ ብዘይ ካልኦት ፍጥረታት ክትርድኦን ዘላቕነቱ ንምርግጋጽ ዘይከኣልን ምዃኑ" የዘኻኽረና፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ጥዕና ብዝምልከት እዚ ኣምር እዚ "ኣብ ኵሉ ሕግታት (መጓዓዝያ መንበሪ ሕርሻ ስራሕ ትምህርቲ ወዘተ) ክተኣታቶ ኣለዎ፡ ባዕሉ እቲ ኣምር ዝርጠልቦ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለና ርድኢት ምሕያል

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሓሳብ እዚ ንምድንፋዕ "ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓ ዘሎና ምርዳእን ምድንፋዕን ከነደልድል ኣሎና" ብምባል ንፍሉይ ውልቀ-ሰብ ወይ ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ዝብል ኣካይዳ ክይንወድቕ የተሓሳስበና። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ስርዓታት ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን እዩ። ኣብ መንጎ ሰባት ጥብቂ ርክብን ኣብ መንጎ ኣባላት ሕብረተሰብ ዘሎ ተማራዃስነትን ዘመላኽት እዩ፡ እዚ ድማ ኣፍልጦ ዘይወሃቦን ረቂቕን ሓሳብ ኮይኑ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ከጋጥሞ ዝከኣል እዩ።” ብቕዓትን ምትሕግጋዝን ፍትሕን” ዝጥርንፍ “ደሞክራስያዊ ባህሊ” ክዓቢ ዝኽእለሉ መሰረት እውን እዚ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኵሉ ሰብ ድማ “ሓደ ሰብ ድሌት ስለዘለዎ ወይ ስለ ዝሓመመ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኹሉ ሰብኣውነት ዝውቱር ተቓላዕነት ስለዘጋጥሞ፣ ነቲ መሰረታዊ ናይ ሓልዮት ኣተሓሳስባ፣ ከም ደገፍን ቅርበትን ዳግማይ ክረኽቦ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡  በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢና "ኣብዛ ውሱን ጸጋታት ዘለዋ ዓለም ንነፍሲ ​​ወከፍ ድሌት ጥዕና ዘማልእን ኣብ ሕክምናን ሰብ ሞያ ጥዕናን እምነት ዝመልስን፡ ግጉይ ሓበሬታ ወይ ጥርጣረታት ብዘየገድስ" ዝያዳ ውጽኢታውን ዘላቕን ስርዓታት ክንክን ጥዕና ከነማዕብል እንኽእል” እንክብሉ ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ ምስዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ግጭት ክከላኸልን ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካልእ ወገን “ብናይ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ” ከይዕወት፡ ኣህጉራውን ብዝሓ ጎናዊ ዝምድናታት ክጠናኸር ደጊሞም ጻውዒት ብምቕራብ፡ "እዚ ራእይ ኣብ ምክልኻልን ምድንፋዕን ጥዕና ብዝነጥፋ ልዕለ ሃገራዊ ትካላት ዝካየድ ምትሕብባርን ምውህሃድን እውን ይምልከት" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Feb 2026, 15:54