ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኢጣልያ ናብ ፖምፐይን ናፖልን ላምፓዱሳን ጕስነታዊ ምብጻሕ ከካየዱ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ዓመተ 2026 ኣብ ሃገረ ኢጣልያን፣ እንተላይ ናብታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ላምፔዱዛን ዘጠቓለለ ብዙሕ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ከካይዱ መዲቦም ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ቤተ ጳጳስ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ናይ ሓዋርያዊ ጕስነት ምብጻሕ ዘካይዱሉ መርሓ ግብር ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኣብ ወርሓት ግንቦትን ሰነን ሓምለን ነሓሰን ዝካየድ ሓዋርያዊ ዑደትን ከምኡውን ንዝኻየዱ መደባት ጸሎትን ድማ ዘመልክት ኢዩ ዝንበረ።
ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት – ኣብ ፖምፐይን ናፖልን
ዕለት 8 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እተቕመጡሉ ዕለት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ንምጽንባል፣ ናብ ሃገረ ኢጣልያ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዘካይዱ ሓቢሩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዛ ዕለት እዚኣ ናብ ከተማ ፖምፐይ ብዘካይድዎ ምብጻሕ ሓዋርያዊ ዑደቶም ክጅምሩ ኢዮም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፣ እቶም ሓድሽ እተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጺኦም፣ "ሎሚ መዓልቲ ጸሎት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፖምፐይ እዩ። እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወትሩ ምሳና ክትጕዓዝን፣ ቀረባና ክትከውን ብምጽላይ ከተፍቕረናን ክትሕግዘና እያ እትደሊ" ክብሉ ከም እተዛረቡ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብ ዓመተ 2026 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጳጳሳዊ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘመቝጸርያ ፖምፐይ ኬሕልፍዎ ኢዮም። እዚ ቦታ እዚ ንኣርባዕተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ንብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምእመናንን ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ፣ ማለት ኣብ ውርሒ ግንቦትን ሕዳርን ንድንግል መርያም ዘመቝጸርያ ፖምፐይ ንምንጋድ ዝእከቡሉ ቦታ እዩ።
ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቅድስናኡ ዝኣወጅሉ፣ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ መስረቶ፣ ነቲ ኣብዚ ቦታ ኣብ ግዜ ምህለላ ዝጽለ ጸሎት ድማ ደረሶ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራጐም ነዚ ጸሎት እዚ ክደግሙ እዮም።
ድሕሪ ቐትሪ ናብ ናፖሊ ቅድሚ ምኻዶም፣ ንመደብ ምሳሕ ኣብ ከተማ ፖምፐይ ክጸንሑ ኢዩም። ኣብኡ ድማ ኽልተ መደባት ከካይዱ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ - ምስ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ካቴድራል ዝካየድ ርክብ ከምኡ ውን ምስ ዜጋታት ኣብ ኣደባባይ ፕሌቢሲቶ ዝግበር ርክብ ድማ ክኸውን ኢዩ።
ኣብቲ ዝካየድ መደብ፣ እቲ ዝነውሐ ጉዕዞ
ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብታ ሓንቲ ኻብተን ኣብ "ምድሪ ሓዊ" ዝርከባ ኸተማታት ዝዀነት ኣቸራ ኺጐዓዙ እዮም። እዚ ቦታ እዚ ኣብ መንጎ ናፖልን ካዘርታን ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይሕጋዊ መገዲ መርዛም ጐሓፍ ብምውጋድን ፕላስቲካውን ኢንዱስትርያውን ናውትን ብምቕጻል ዝሳቐ ዘሎ ቦታ እዩ።
ከተማ ኣቸራ ምስ ኖላን ማሪልያኖን ብሕብረት ነቲ ኣህጉራውያን ስነ-ፍልጠታዊ መጽሔታት "ስሉስ ኵርናዕ ሞት" (Triangle of Death) ዝጽውዕዎ ዝጸውዕዎ፣ ብሰንኪ ኣከባቢያዊ ብከላ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘለዎ ዞባ ዘቝማሉ ኢዪ።
ዕለት 24 ግንቦት 2020 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኽሪ ናይታ “ስቡህ ኣንተ” (Laudato si’) እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ንምዝካር ናብ ከተማ ኣቸራ ክበጽሑ መደብ ኣውጺኦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። ይኹን እምበር ለበዳ ኮቪድ 19 ነቲ መደቦም ናብ ካልእ ግዜ ከመሓላልፎ ኣገደዶም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ውን ኣይተፈጸመን።
ናብ ኣጐስጢኖሳዊ ምድሪ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ዘካየድዎ ዑደት ብምቕጻል፣ ናብ ከተማ ፓቪያ ጕስነታዊ ምብጻሕ ከካየዱ እዮም። ብዕለት 20 ሰነ እዞም ንባዕሎም ብተደጋጋሚ "ወዲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ" ክብሉ ዝጽውዑ ቅዱስ ኣቦ፣ ናብታ ምስ ጳጳስ ናይ ሂፖ ምትሕሓዝ ዘለዋ ከተማ ታቪያ ዑደተ ከካየዱ እዩም። ብ722 ዓ.ም. ቅርያት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘከበሉ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ወርቃዊ ሰማይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክበጽሑ ኢዮም።
ኣብ ስግር ባሕሪ. . . ናብ ላምፔዱሳ
ብዕለት 4 ሓምለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብ2013 ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ኣብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፍሉይ ቦታ ዝነበራ ደሴት ክበጽሑ እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዕለተ 4 ሓምለ ንግሆ ናብታ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ኢጣልያን ኣውሮጳን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣፍደገ ዝዀነት ደሴት ክኸዱ ኢዮም።
ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ንዅሎም እቶም ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ንምዝካር ቍኑን ዕምባባ ናብቲ ባሕሪ ከም ዝደርበዩ እውን ዝዝከር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣሰር እቶም ቕድሚኦም ዝነበረ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምስዓብ፣ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ነቝጣታት ዝርከቡ ስደተይናታትን ነቶም ዚሕግዝዎምን ምጽንናዕን ምትብባዕን ንምሃብ ናብ ላምፔዱሳ ክበጽሑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ናብ ኣሲሲ ዳግም ክበጽሑ ኢዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 81 ሓፈሻዊ ጉቤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ ንምዝዛም፣ ናብ ከተማ ኣሲሲ ድሕሪ ምብጻሖም፣ ሕጂ ድማ ብዕለ 6 ነሓሰ ናብታ ኣብ ኵድዅዶታት እትርከብ ከተማ ኢጣልያ ዳግም ክበጽሑ ኢዮም። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኦም ቅዱስነቶም ንፍራንሲስካውያን መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንምጽምባል ዳግም ከም ዝምለስዎም ቃል ኣትዮምሎም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከካይድዎ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ጕዕዞኦም፣ ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ናይ መወዳእታ ጕዕዞ
ናይ መወዳእታ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ኣብ መበል 47 ዓመት ጉባኤ ዕርክነት ህዝብታት ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ኣብ ከትማ ሪሚኒ ዝካየድ ጉባኤ ንምስታፍ ክኸውን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ርእሲ ምርኻቦም፣ ምስ ምእመናንን እቲ ሰበኻ ሓቢሮም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም።
