ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣልጀርያ፡ 'መጻኢ ናይ ሰላም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዩ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መጀመርታ መደረ፡ እግዚኣብሔር ንኹሎም ኣህዛብ - መግለጺ ፍትሕን ክብርን" ዝኾነ ሰላም ከም ዝደሊ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኣልጀርያ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣብ ወርሻታቶም ማእከላይ ቦታ ኣብ ምሃብ ክቕጽሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኣብ 1954 - 1962 ኣብ ኲናት ናጽነት ኣልጀርያ ህይወቶም ዝኸፈሉ ንዝኾሮም ዝቖመ “ማቃም ኤቻሂድ” ናብ እተሰምየ ሓወልቲ ሰማእታት ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ቁኑን ዕምባባ ድሕሪ ምንባሮም፡ “ድሮ ከም መንፈሳዊ ወዲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ክልተ ግዜ ኣብ ኣልጀሪያ ምብጻህ ከም ዘካየዱ እውን ብምዝኽኻር ዳግማይ ናብ ኣልጀርያ ንምብጻሕ ዕድል ስለ ዝረኸቡ ድማ ደጊሞም ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ከም ሓደ በዚ ርክብ እዚ ኣቢልና ነቲ ልብና ዘቀራርብ ናይ ፍቕሪ ማእሰርቲ ከሐድሱ ብምኽኣሉ ዝሕጐስ ሓው ኮይነ” ምሳኻትኩም ሓቢረ ኣብዚ እርከብ - ቢሎም - ኣብ ቅድሚ እቲ ሓወልቲ ኣብ ኣደባባይ ንዝነበሩ 2000 ሰባት እናሓሰቡ ኣብ መንጎኹም “ሓያልን መንእሰይን” ህዝቢ እርእይ ኣለኹ፡ ኣብ ሕመረት ህዝቢ ኣልጀርያ ዕርክነትን ምትእምማንን ምትሕግጋዝን ኣሎ፣ እዚ ንዓኣቶም “ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣገደስቲ ዝኾኑን ብሓባር ንህይወትኩም ዘምውዕዋዕን ሓይልን ዝህቡን ክብርታት እያቶም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓቀይና ናጽነት ምስ ይቕረታ እዩ ዝመጽእ

ቅዱስነቶም ንነዊሕ ታሪኽ እታ ሃገር ንድሕሪት ተመሊሶም ክዕዘቡ ከለዉ፡ ብባህሊ ሃብታም ግን ከኣ መሪር፡ ብናይ ዘመናት ዓመጽ ዝተለለየ ምዃኑ ገሊጾም። “ልክዕ ሳላ እቲ መለለዪኹም ዝኾነ ውርዙይ መንፈስ፡ ነዚ ፈተናታት ብትብዓትን ብቕንዕናን ክትሰግርዎ ክኢልኩም ኢኹም . . . ዑደት እቲ ሓወልቲ ንታሪኽ ኣልጀርያን ንመንፈስ እቶም ንናጽነትን ክብርን ልኡላውነትን ዝተቓለሱን ክብሪ ንምሃብ ዝዓለመ ህሞት እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ሰብ “እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ሰላም ከም ዝደሊ ክዝክር” ኣተባቢዖም፣ ግርጭት ዘይብሉ ሰላም ጥራይ ዘይኮነስ “መግለጺ ፍትሕን ክብርን” ዝኾነ ሰላም። እዚ ዓይነት ሰላም ብይቕረታ ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ እዚ ድማ ኩሉ ሰብ “ንመጻኢ ብመንፈስ ዕርቂ” ክገጥም የኽእሎ። እቲ ሓቀይና ቃልሲ ሓርነት “ኣብ መወዳእታ ኣብ ልብና ሰላም ምስተረጋገጸ ጥራይ እዩ” ብውዱእ መንገዲ ዝዕወት ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ይቕረ ምባል ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚኖም፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት፡ "ኣብ ልዕሊ ቂምታ፡ ወለዶ ድሕሪ ወለዶ ቂምታ ክንውስኽ ኣይንኽእልን ኢና። መጻኢ ናይ ሰላም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዩ ምስ በሉ፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ በደል ክትዕወት እያ፡ ዓመጽ ድማ ናይ መወዳእታ ቃል ኣይክህልዎን'ዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ባህላውን ሃይማኖታውን መስቀላዊ መንገዲ ዘለዋ ዓዲ

ዝተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ኣነባብራን ኣብ ዘለዎ ሃገር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣገዳስነት ሓድሕዳዊ ምክብባር ኣጉሊሖም። ኣልጀርያ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝረአ ዘሎ ምርግጋእን ዘተን ክትውስኽ ተስፋኦም ከም ዝገለጹን፡ ኣልጀርያ ከም ኩሉ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽን ባህልን እምነትን ኣለዋ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ኣብ ውርሻኹም ማእከላይ ቦታ ኣለዎ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ “ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብርህ፣ ንኣባይቲ ስድራ ዘጽንዕን ናይ ሕውነት ስምዒት ዘነቓቕሕን እዩ። ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዘለዋ ሃገር ብሓቂ ሃብታም እያ፣ እዚ ድማ ህዝቢ ኣልጀርያ ከም ሓደ ካብ ሃብቱ ዝሪእዮ ነገር ምዃኑ ብምምልካት፡ “ዓለምና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣመንቲ የድልዩዋ - ንፍትሕን ሓድነትን ዝጸምኡ ናይ እምነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን።” ነዚ እዩ ድማ ብብርሃን ሕውነትን ዕርቅን ዝደሊ ሰብኣውነት “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ሓድነት ከም ዘለና ብእምነት ክንእውጅ ዓቢ ህያብን ቅዱስ ግዴታን እዩ፡”

ቅዱስነቶም ነቲ ኢየሱስ ቅድሚ 2000 ዓመት ንዅሉ ዘቕረቦ “ወሳኒ ሕቶ -  ንሰብ ንብዘላ ዓለም ረኺቡ ህይወቱ እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧” (ማቴ 16፡26) ዝብል ጠቒሶም፡ ኣብቲ ሓወልቲ ዝኽበሩን ዝዝከሩን “ነዚ ሕቶ እዚ መልሱ ሂቦምሉ እዮም፡ ህይወቶም ስኢኖም . . . ምእንቲ ፍቕሪ ናይ ገዛእ ርእሶም ህዝቢ ገዛእ ርእሶ ኣሕሊፎም ዝሃቡ” ክብሉ ኣስሚሮም፡ ኣብነቶም ንህዝቢ ኣልጀርያን ንኹሉ ኣብ ጉዕዞኡን ንኽቕጽል ይሕግዝ፡ ምኽንያቱ “ሓቀይና ናጽነት ዝውረስ ጥራይ ኣይኮነን፡ መዓልታዊ ከም ብሓድሽ እትመርጾ እዩ - ምስ በሉ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽእና፥

ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። (ማቴ. 5, 3 – 10)

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2026, 15:46