ድለ

ር. ሊ. ጳ. ናብ ዓብዪ መስጊድ ኣልጀርስ በጺሖም ሓባራዊ ምክብባርን ሰላም ንምህናጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ብምብጻሕ ከም ቅዱስ ቦታ ጸሎትን ምይይጥን ከምኡ ውን ንኣምላኽ ኣብ ምድላይ ዘለዎ ግደ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ናብ ዓብዪ መስጊድ ኣልጀርስ ንዘካየድዎ ምብጻሕ ኣመልኪቶም፣ ንመንፈሳዊ ኣገዳስነት እቲ ቦታ ኣጕሊሖም፣ ኣባኡ ድማ ብስቕታ ኣስትንቲኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቶም ሓለቓ መስጊድ መሓመድ ማሙን ኣል ቃሲም ድሕሪ እተገብረሎም ተቕባል፣ "ስለቲ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ዝገብረርኩምለይ ተቕባልን፣ ስለቲ ኣገዳሲ ቃላትኩምን አመስግነኩም፣ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ቦታ ዝውክል ስፍራ ብዙሓት ሰባት ክጽልዩ ዝመጹሉ መለኮታውን ቅዱስን ቦታ ብዙሓት ሰባት ክጽልዩ ዝመጹሉን ኣብ ህይወቶም ልዑል ህላወ ኣምላኽ ክደልዩ ኢዮም ዝመጹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓለቓ መስጊድ ኣልጀርስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓለቓ መስጊድ ኣልጀርስ   (@Vatican Media)

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ ኣልጀርያ "ምድሪ መንፈሳዊ ኣቦይ" ቢሎም ንኣልጀርያ ብምዝካር ቀንዲ ኣርእስትታት እዚ ዑደቶም ኣጕልሑ። "ንኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ኣፍልጦ ምሃብ እውን ማለት እዩ" በሉ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተፈላጥነት ንሓድሕድካ ምክብባርን ብሓባር ምንባርን ከም ዝሓትት ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ መስጊድ ህንጻ ድርብ ሃይማኖታውን ኣእምሮኣውን ሞያ ጠቒሶም፣ ንፍጥረትን ክብሪ ደቂ ሰባትን ብዝሓሸ መገዲ ንምርዳእ፣ ሰብኣዊ ፍልጠት ምምዕባል ኣድላዪ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣብ መደምደምታ ድማ ምእንቲ ህዝቢ ኣልጀርያን ምእንቲ ዅሎም ኣህዛብን ጸሎቶም ብምርግጋጽ፣ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ይቕረታን ኣብ መንጎ ህዝብታት ክዓቢ ተስፋ ከም ዝገብሩ ገለጹ።

ኣብ እዋን እዚ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብፁዕ ካርዲናላት ጆርጅ ጃኮብ ኩቫካድ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ርክባት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ሊቀ ጳጳሳት ኣልጀርስ ዣን-ፖል ቬስኮ ኣሰንዮምዎም ነበሩ። እቲ መደብ ብምጽሕ ናብ መስጊድ ብመሪሕነትን ወግዓዊ ስእሊ ከምኡውን በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኸተሙሉ ናይ ክብሪ መጽሓፍን ዜጠቓልል እዩ ዝንበረ፦

"ምሕረት እቲ ልዑል ንህዝቢ ኣልጀርያን ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ብሰላምን ናጽነትን ይሓልዎም።" ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣንበሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መስጊድ ኣልጀርስ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ እንክፍርሙ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መስጊድ ኣልጀርስ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ እንክፍርሙ   (@Vatican Media)

ዓብዪ መስጊድ ኣልጀርስ

እዚ ዓብዪ መስጊድ ኣልጀርስ ብነብር ርእሰ ብሔር ኣልጀርያ ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊካ ከም ክፍሊ ናይቲ ሚዛናዊ ሃይማኖታዊነት ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ተሓኒሱ። ክሳዕ 120,000 ምእመናን ክቕበል ዝኽእል ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝዓበየ መስጊድ እዩ።

እቲ መስጊድ 267 ሜትሮ ብራኸ ስለ ዘለዎ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ቐንዲ ኣዳራሽ ጸሎት ከኣ 50 ሜትሮ ዝንውሓቱን 70 ሜትሮ ዝቝመቱን ዓብዪ ጉልላት ዝሓዘ እዩ።

እቲ መስጊድ ከም ቦታ ኣምልኾ መጠን ካብ ዘለዎ ግደ ሓሊፉ፣ እተፈላለየ ባህላውን ትምህርታውን ተግባራት እውን የጠቓልል። ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ማእከል ምርምር፡ ቤተ-መዘክር፡ ምምሕዳራዊ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ፓኖራሚክ ዘለዎ ሰገነት፡ ኣብያተ-ምግብን፡ ገራጅ ማካይንን እውን ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ድማ ከም ሃይማኖታውን ሲቪላውን ምልክት ኮይኑ ኢዩ ዝርአ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ መስጊድ ኣልደርስ ዘካየድዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ መስጊድ ኣልደርስ ዘካየድዎ ምብጻሕ   (@Vatican Media)
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መስጊድ ኣልጀርስ

 

14 Apr 2026, 15:54