ንከተማን ንዓለምን፦ ር. ሊ. ጳ. ንመራሕቲ ዓለም ኣጽዋሮም ከራግፉ ተማሕጸኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመራሕቲ ዓለም ኣጽዋሮም ከራግፉን ካብ ናይ መግዛእቲ ማእንፈስ ናይ "ምርኻብ" መንፈስ ክመርጹን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ሰንበት ኣብ በዓለ ትንሳኤ ናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ሊጡርጊያ፣ ኣብ ዘካፈልዎ “Urbi et Orbi” (ንከተማን ንዓለምን) እተሰምየ ልሙድ ናይ በዓለ ትንሣኤ መልእኽቶም፣ "ኣጽዋር ዘለዎም ኣጽዋሮም የረግፉ!" ክብሉ ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያንን መፈሳውያን በጻሕቲ እንከካፍሉ፣ "ነቶም ውግእ ንምጅማር ስልጣን ዘለዎም ሰባት" ሰላም ክመርጹ ተማሕጸንዎም።
በዚ ኸምዚ "ብሓይሊ እተገደደ" ሰላም ክኸውን ከም ዘይብሉ ኣጕልሑ፣ የግዳስ ብዝርርብ ክብጻሕ ዘለዎ – "ንኻልኦት ንምቍጽጻር ዘይኰነስ ምስኦም ንምርኻብ" ዘክእል ሰላም ክሰፍን ይግባእ በሉ።
ብዛዕባ 'ዓለምለኻዊ ዘይተገዳስነት'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ዓለም "ንዓመጽ ትለምዶ ኣላ" ብምባል ኣጠንቀቑ።
ብዛዕባ ሞት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ ጠንቂ "ጽልእን ምክፍፋልን" ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ "ቍጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናቱ ተገዳስነት ዘይብልና ኮይና ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓንቲ ሓረግ ብምጥቃስ፣ ብዛዕባ "ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ 'ዓውለማነት ዘይተገዳስነት'" ኣጠንቂቖም።
"ተገዳስነት ዘይብልና ምዃና ኽንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና!" ድማ ክብሉ ተላበዉ። "ንገዛእ ርእስና ንእከይ ኣሕሊፍና ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና!" ክብሉ እውን መስከሩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰላም ናይ ጸሎት ዘሠርክ መድብ ከካይዱ ምዃኖም ገለጹ።
ዓመጽ ይብሉ 'ሓቀይና ብርታዐ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ከም ዝረኸበን፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ነቲ ቐዳማይ ተጻራሪና ዝኾነ መስፍን እዛ ዓለም እዚኣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሰዓሮ" ክብሉ ኣስተንተኑ።
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ክርስቶስ ነዚ ዓወት እዚ ዝረኸበሉ ሓይሊ "ምሉእ ብምሉእ ዓመጻ ዘይብሉ" ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም፣ ኣብታ "እትፈጥርን እተመንጩን፣ ይቕረ እትብልን እትብጆን" ፍቕሪ እተመስረተ እዩ።
እዚ ናይ ፍቕርን ይቕረ ምብህሃልን መንፈስ፣ ሰላም ዝምስርትን ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብ ዘደልድልን "ሓቀይና ብርታዐ" ምዃኑ እውን ገለጹ።
ውሽጣዊ ሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ንከተማን ንዓለምን ዝመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ ኣብ መደምደምታ፣ ከሎ ደቂ ሰባት ሰላም በዓል ትንሳኤ ክበሃል እንከሎ፣ "ስቕታ ኣጽዋር" ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ንልቢ ነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍን ዝቕይርን" ውሽጣዊ ሰላም ምዃኑ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መወዳእታ፣ "ክርስቶስ ብሰላሙ ክልውጠና ንፈቕደሉ" ብምባል ተማሕጺኖም፣ "ንዅሎም እቶም ዚሳቐዩን ንሱ ጥራይ ኪህቦም ዚኽእል ሓቀይና ሰላም ዝጽበዩን ልቢታት" ንጐይታ ብሕድሪ ነወፍየሉ ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።
