ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ኣፍሪቃ ነጋዲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 23 ሚያዝያ ኣብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣመልኪቱ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 9 ሚያዝያ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ንኣርባዕተ ሃገራት ዝሽፍንን ብቋንቋ እንግሊዝን ፈረሳን ፖርቱጋልን ስፓይናን ዘቕርብዎ መደረታት ዘጠቓልል፡ ኣብ ሰላም፡ ስደት፡ ኣከባቢ፡ መንእሰያትን ስድራቤትን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ዘተኮረ ከም ዝኸን ብሩኒ ሓቢሩ፡ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ድሕንነትን ስጉምትታት እውን ከም ዘይተወደበ ኣጉሊሑ፡ እቲ ናይ ቅዱስነቶም መደብ መገሻ ኣብ ካሜሩን ብባህላውን ቋንቋውን ብዙሕነት ዝተለለዩ ቦታታትን ኵነታትን ከምኡ’ውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ብድሆታት፡ እንኮላይ ግጭት፡ ስደትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓባራዊ ህይወትን ዝሽፍን ምዃኑ ከም ዘብርሀ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ኣልጀርያ እቲ ዑደት ብርግጽ ንሕድሪ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክርስትያናዊ ህላወን ዝምልከት መወከሲታት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ጎኒ ጎኒ ምስ ኣስላም ዓለም ዘተን ጉዳያት ስደትን ትኹረት ዝገብር ከም ዝኸውን ዝሓበረ ብሩኒ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብብዙሕነታውን ሃብታምን ዞባኣን ጸጋታትን ልምድታታን እንኮላይ ናይ ቋንቋ ፍልልያት ዘለዋ "ንእሽተይ ኣፍሪቃ" ተባሂላ ኣብ እትግለጽ ሃገር ዝገብርዎ ምብጻሕ፡ ምስ ሰላምን ሓባራዊ ናብራን መንእሰያትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ዘተኮረ መደረ ከስምዑ ድማ ትጽቢት ይግበር ከም ዝበለ ዜና ቫቲክና ይሕብር።
ኣብ ኣንጎላ ዘካየድዎ ዑደት፡ ብዛዕባ ግደ መንእሰያት፣ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጸጋታትን ከምኡውን ጽልዋ ብልሽውናን ታሪኽ መግዛእትን ዘተኮረ ከም ዝኸውንን ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ባህላውን ትምህርታውን ሃዋሁ ከምኡውን ቤተ - ክርስትያን ኣብቲ ብጸጋታት ሃብታም ዞባ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዘለዋ ግደ ኣቓልቦ ክግበሩ ከም ዝኾኑ ብሩኒ ኣመልኪቱ፡ ኣብቲ ዑደት ንቅዱስ ኣቦና ዘሰንዩ ኣባላት ልኡኻት ጳጳሳት ተወከልቲ እተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ሓያሎ ካርዲናላትን ክሓብሩ ከም ዝኾኑን፡ ከም ወትሩ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ዑደትን ኣብ ናይ መወዳእታን ጉዕዞኦም ኣብ ዝጓዕዙላ ነፋሪት ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ድማ ትጽቢት ይግበር ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
