ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣልጀርያ፦ ምድረ በዳታትን ባሕርን ናይ ሰላምን ሓባራዊ ብልጽግናን ስፍራ ክኸውን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ሃገረ ኣልጀርያ ኣብ ዘካየዱሉ ዘለዉ፣ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምስ ሰበ-ስልጣንን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ዲፕሎማስያውያን ኣካላትን ተራኺቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ፕረዚደንት ዓብደልማጂድ ተቡን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ማእከል ጉባኤ ጃማ ኤል ጃዛር ምስ ኣስታት 1,400 ዝኾኑ ሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን ተራኺቦም መደረ ኣካፈልዎም።
ኣብ 2001ን 2013ን ዓ.ም. "መንፈሳዊ ውሉድ ቅዱስ ኣጉስቲን መጠን" ናብ ኣናባ ማለት ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ከም ዝበጽሑ ብምዝካር፣ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ኣብ ቐዳመይቲ ዓመት ኣገልግሎቶም ናብ ኣልጀርያ ክበጽሑ ጻውዒት ስለ ዘቕረበሎም ምስጋናኦም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደረኦም፣ "ኣብ ሰማያት ሓደ ኣቦ ስለ ዘሎና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና" ብምባል ከም ሓደ “ናይ ሰላም ነጋዲ” ኮይኖም ይበጽሕዎም ከም ዘለዉ ኣመልከቱሎም።
ንህዝቢ ኣልጀርያ ስለቲ ናይ ምርኻብን ዕርቅን ባህሎም፣ ከምኡውን ስለቲ ናይ ሓድነት እንግዶቶም ከምኡውን ስለ ዘርኣይዎ ማሕበረሰብኣዊ መንፈሶም ነኣድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ህዝቢ ኣልጀርያ ኣብ ምጽዋት ምሃብ ዘርኣይዎ ዓብዪ ልግሲ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ካብ ፍትሓዊ ሃብቲ ዝመነጨ ምዃኑ ኣስመሩሉ።
"እቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎም ኣረኣእያ ተራን ሱር ዝሰደደን እዩ፣ ከመይሲ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ" ድማ በሉ። "ግብሪ ምሕረት ዘይብሉ ሃይማኖትን፣ ምትሕብባት ዘይብሉ ሕብረተሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕፍረት እዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንመራሕቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኣልጀርያ፣ ኣብ ዓለምና ዝያዳ ፍትሒ ንምምጻእ ዝርርብን ምትሕብባርን ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕተቡሎም።
"ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ብምኽባርን፣ ብስቓይ ካልኦት ክትንከፉ ብምፍቃድን ግጉይ ርድኢት ግጭትን ኣብ ክንዲ ምምዕባል፣ ኣብ ታሪኽ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ምኽፋት ተዋሳእቲ ኽትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16ን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብምጥቃስ፣ ኵሎም ህዝብታትን ሃገራትን ካብ ዕቤት ዓለምለኻዊ ቝጠባ ምእንቲ ኺጥቀሙ፣ "ብማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅዲ ተሳትፎ" ኣቢሎም ንመስርሕ ዓውለማነት ምምራሕ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ዘኪሮም።
"ስለዚ ነቶም ኣብዛ ሃገር ስልጣን ዘለዎም ሰባት፣ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኸይፈርሁ፣ ብፍላይ ንመንእሰያትን መላእ ሕዝብን ተስፋ ንምስፋሕ ክሕግዙ ዝኽእሉሉ፣ ህያውን ንጡፍን ናጻን ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ከተስፋሕፍሑ እምሕጸነኩም ኣለኹ" በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ሓቀይና ብርታዐ ሓንቲ ሃገር፣ ሰበስልጣን ገዛእቲ ዘይኮኑስ ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትሕብባር ንምምዕባል ዘለዎምን፣ ንዅሎም ደቂ ሰባት ዘገልግሉን ንምዕብልናኦም ዘተባብዑ ምስ ዝጽዕሩ ከም ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንሓባራዊ ረብሓ ኣልጀርያ ኣበርክቶ ንምግባርን፣ መንነታ ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ኵለን እተን ኣብ ደቡባዊ ፍቀ-ኽቢ ዘለዋ ሃገራት ድልድል ንምህናጽን እትገብሮ ጻዕርታት እውን ከም እትሕግዛ ተመባጽዑሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ኣልጄሪያ ምስ ማእከላይ ባሕርን ምድረ በዳ ሰሃራን ከም እትዳወብ ብምጥቃስ፣ እዚ ጂኦግራፊያዊ መዳያታ እዚ ብ"ዓብዪ መዝገብ ደቅሰብ" ዝመልአ መንፈሳዊ መስቀላዊ መገዲ ኸም ዘመልክት እውን ኣመልከቱ።
"ባሕርን ምድረ በዳን ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ሓባራዊ ብልጽግና ዝመልኦ ቦታታት ዀይኖም ጸኒሖም እዮም" በሉ። ነዚ ስፍራታት እዚ "ናብ ተስፋ ዝሞተሉን፣ ስፍራ መቓብራትን እንተ ቐየርናዮም ግና ወይለና!” ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።
ምድረ በዳታትን ባሕርን ግርማ ዝመልኦ ጽባቐ ኸም ዘለዎ ብምግላጽ፣ ወሲኹ ድማ ደረት ዘይብሉ ስፍሓቱን ንሰባት ብዛዕባ መልእተ ባህርያዊ ዝኾኑ ነገራት ንኺሓስቡ ክሕግዞም ከም ዚኽእል እውን ኣመልከቱሎም።
"ነዚ ዓብዪ መኽዘን ታሪኽን መጻእን ካብ እከይ ሓራ ነውጽኣዮ!" ድማ በሉ። "ናይ ሰላም ስፍራታት ነስፋሕፍሕ፣ ንጠንቂ ተስፋ ቝርጸት ዝኾኑ ነገራት ንዅንኖምን ነወግዶን፤ ነቶም ካብ ሕማቕ ዕድል ካልኦት ዝጥቀሙ ድማ ንጻረሮም በሉ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ንሲቪላውያን መራሕቲ ኣልጀርያ ንመሬትን ባሕርን ስፍራ ህይወትን ርክባትን ኣድናቖትን ከም ዝኾኑ ንምግባር፣ መንፈሳዊ ጕልበትን ምስትውዓልን ሃብትን ከተሓባበሩ ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ሕብረተሰብ ኣልጀርያ ጥሩፍነትን ዓለማዊነትን ክንጸባረቑ ከለዉን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ስምዒታትን ዘመናዊ ህይወትን ውጥረት ከም ዚፈጥር ተዓዚቦም ኣለዉ።
"ሃይማኖታዊ ምልክታትን ቃላትን በቲ ሓደ ሸነኽ ጸርፊ ዝመልኦ ቛንቋታትን ዓመጽን ጭቈናን ወይ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብቲ ዘየዕግብና ሰፊሕ ዕዳጋ ባዶ ምልክታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን ኣልጀርያ "ረብሓ ብዘይብሉ ምክፍፋላት" ተስፋ ከይቝርጹን ከይፈቕዱሉን ብምምሕጻን፣ የግዳስ ብምስትውዓል ክገጥምዎ ኣተባብዕዎም።
ምክፍፋላት፣ "እቶም ልቦም ናጻ ሕልናኦምን ንቑሕ ዝገብሩን. ካብ ዓብዪ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ልምድታት ንዓለም ዝረኣየሉ ሓድሽ መገድታትን ዘይነቓነቕ ዕላማ ህይወትን ኪጥቀሙ፣ ኣብ ዚኽእሉሉ ፍሉይ እዋን ዓብዪ ምሕዳስ ንነብር ከም ዘለና ዝሕብር ምልክት እዩ" በሉ።
