ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ናውያን ኣሓት፡ ነባሪ ምስክርነት ሰማእትነት ይዝክሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንዝኽሪ ናይተን ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኣልጀርያ ዝተቐትላ ደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ክብሪ ንምሃብን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ዘቕርብኦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንምምስጋንን ናብ ማእከል መአንገድን ቤት ምሕዝነትን ብውልቂ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ቅዱስነቶም ኣብቲ ማእከል ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ምስተን ደናግል ኣብ ሓጺር ናይ ጸሎት ህሞት ሓቢሮም ተዘክሮን ዕርቅን ዝመልኦ ተልእኾ ምቕባልን ትምህርትን ዕርክነትን ዚፍጽሙ ምስ ዘለዉን ኣብቲ መእለዪ ምስ ዝገልግሉ እውን ተራኺቦም፡ ኣብ መንጎ 1994ን 1996ን ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝተቐትሉ 19 ሰማእታት ኣልጀርያ ዝኾና ክልተ ኣባላት ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ሰማእት እናቴ ኤስተር ፓኒያጉ ኣሎንሶን ኣናቴ ካርዲናድ ኣልቫረዝ ማርቲንን ንምዝካር እውን ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሰማዕትነት ምስክር
ቅዱስነቶ ኣብቲ ምስተን ደናግል ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ምስክርነት ሰማእታት ኣልጀርያ ዝሃበኦ ምስክርነት ከም ዘስተንተኑን፡ ካብ ምስክርነት፣ ክሳብ ሰማዕትነት ዝበጽሕ ህይወተን ኣብ መንፈሳውነት ኣውጉስጢኖስ ብዕምቆት ዝተቐርጸ ሸነኽ ዝገልጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ኣብዚ ምህላውክን ዓቢ ትርጉም ኣለዎ” ብምባል ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምዝካር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብዚ ክፋል ዓለም ዝውክሎ ህያብ እንክዛረቡ፡ እዚ ውህበት እዚ "ንኽብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምኽባር" ዘተባብዕ "ፍልልያት ኣኽቢርካ ብምርኣይ ብሰላም ምንባር ይከኣል እዩ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ክሳብ መጀመርታ 1990ታት እዚ ሕብረተሰብ ልኡካነ ወንጌል ኣውጉስቲንያውያን ኣሓት ዝነብራሉ፡ እተን ክልተ ሰማእታት ኣሓት ድማ ንመዓልታዊ ተልእኾአን ዝብገሳሉ ማሕበረሰብ እዩ ነይሩ። ዝኽረን ትርጉም ክርስትያናዊ ምስክርነት ዘብርህ ህያው ህላወ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ - ቢሎም - ኣብ መዛዘሚ እቲ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ነተን ኣሓት ንዝገበርኦ ኣገልግሎት ብምምስጋን ኣብ ተልእኾአን ክጸንዓ ኣተባቢዖም። ዝኽሪ 19 ሰማእታት ኣልጀርያ፡ ኣብታ ዝተመርጸላ መዓልቲ ዕለት 8 ግንቦት ዝውዕል ብምዃኑ ምስ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ኣድማስ ምስክርነትን ተስፋን ብምትእስሳር ይዝከር እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
