ር. ሊ. ጳ.፡- ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እተገብረ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ኣመልኪቶም ዘተ ክግበር ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 8 ሚያዝያ ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናገደደ ዚኸይድ ዝነበረ ሰሙናት ውጥሪ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ትማሊ ምሸት ዕለት 7 ሚያዝያ ዝወጸ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ዘመልክት ሓበሬት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዜና "ዕጋበት ከም እተሰምዖምን፣ ከም ምልክት ዓሚቝ ተስፋ" ከም ዝቕበልዎን ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳብት፣ "ናብ ሰደቓ ዝርርብ ብምምላስ ጥራይ ኢና ነቲ ውግእ መወዳእታ ክንገብረሉ እንኽእል" ብምባል ኣጕልሑ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ነቶም ተኣኪቦም "ኣብ ዝርርብ ንምስታፍ ፍቓደታት ዝኾኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ኻልእ ግጭታት ንምፍታሕ መሳርሒ ክኸውን ተስፋ ብምግባር፣ ነዚ ተነቃፊ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ብጸሎት ክስዕቡ ድማ ተማሕጸንዎም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሰላም መደብ ጸሎት ዘሠርክ ከም ዘካይዱን፣ ኵሉ ሰብ ብኣካል ይኹን ካብ ቤቱ ብመስመር መራኸቢ ብዙሓን ብምስዓብ ኪሓብር ከም እተዓደመ ኣዘኻኺሮም።
ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ገሊጸን። ሰሉስ ምሸት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ "ስልጣነ" ኢራን ንምጥፋእ ዘቕረቦ ምፍርራህ ድማ ንድሕሪት ከም እተመልሰ ኣመልከተ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ መጥቃዕቲ ንኽልተ ሰሙን ደው ንምባል ዝገበሮ ውሳነ ዝድግፍ እኳ እንተዀነ፣ እቲ ተዅሲ ደው ንምባል ግን ነታ ልዕሊ 1,500 ሰባት እተቐትላ ሊባኖስ ከም ዘየጠቓልል ገለጸ።
