ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ "ቅድስና ናይ ውሑዳት ጥራይ ዝኾነ ፍሉይ መሰል ኣይኰነን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም ‘ብርሃን ኣሕዛብ (Lumen gentium) ዘርእስቱ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ቅድስና 'ንዅሎም እተጠምቁ ደአ እምበር ናይ ውሑዳት ጥራይ ዝኾነ ፍሉይ መሰል ከም ዘይኰነን' ከምኡውን 'ብሓጐስ ክንቅበሎን ምላሽ ክንህበሉን እንከሎና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ይግለጽ' ብምባል ኣስትምሂሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ቅድስና ንውሑዳት ጥራይ ዝኸውን ፍሉይ መሰል ኣይኮነን፣ የግዳስ ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ወዲ ሰብ ብፍጹም ልግሲ ማለት ንኣምላኽን ንብጻዩን ብዘላቶ ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ክሰርሕ ዝገብር ውህበት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈጻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝለገስዎ ኣብዚ ሰሙን እዚ እውን ነቲ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕርብዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣  ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም ‘ብርሃን ኣሕዛብ’ (Lumen gentium) ጠቂሶም ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ኣስተምሃሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ሓምሻይ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ እዚ ብምውሳድ፣ ንዓለምለኻዊ ጽውዓ ቅድስና ናይ ኵሎም ምእመናን ብኸመይ ከም ከም ዘስተምህርት ኣስተንቲኖም፣ ነፍሲ ወከፍና ብጸጋ ኣምላኽ ክንነብር፣ ብመንፈሳያን ሓይላን ክንዓይን ከምኡ ውን ንክርስቶስ ክንመስልን ከም እተጸዋዕና ብዓጽንዖት ተዛሪቦም።

ካብዚ ብምቕጽል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድሱነቶም ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምኽትታል!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓን መጻእኩም!

እቲ ጉባኤያዊ ሰነድ ዝኾነ ብዛዕባ ቤተክርስቲያን ዘስተምህር ዶግማዊ ቅዋም ‘ብርሃን ኣሕዛብ’ (Lumen gentium)(LG)  ንሓምሻይ ምዕራፉ፣ ንቅድስና ዅሎም ምእመናንን፣ ኣድማሳዊ ጽውዓን ኣወፍይዎ ይርከብ፣ ነፍሲ ወከፍና ብጸጋ ኣምላኽ ክንነብር ተጸዊዕና ኢና፣ ንመንፈሳውያን ሓይላት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፣ ንክርስቶስ ክንመስሎን ድማ ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። ቅድስና ብመሰረት እዚ ዶግማዊ ቅዋም ንውሑዳት ጥራይ ዝኾነ ፍሉይ መሰል ኣይኮነን፣ የግዳስ ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ወድ ሰብ ብፍጺም ልግሲ ማለት ንኣምላኽን ንብጻዩን ብዘላቶ ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ክሰርሕ ዝድርኽ ውህበት እዩ። ልግሲ ከም ሓቁ እኳ ደኣስ፣ ናይቲ ዅሎም ምእመናን እተጸውዑሉ ቅድስና ማእከል እዩ፣ እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ፣ ብእግዚኣብሔር ኣብን ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣቢሉ ዝሰርሕ መንፈሳዊ ሓይሉ ኮይኑ፣ "ኣብ ልዕሊ ዅሉ ናብ ቅድስና ንምብጻሕ ዚሕግዝ መጋበሪታት ዝገዝእን፣ ነዚ መጋበሪታት እዚ ድማ ህያው ዝገብርን ኢዩ" (LG 42) ። እቲ ዝለዓለ ደረጃ ቅድስና ከምቲ ኣብ ቀዳሞት መዓልትታት ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ሰማእትነት፣ "ልዑል ዝኾነ ምስከርነት እምነትን ምሕረትን" እዩ (LG 50)። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ጉባኤ ከም ዘመልከቶ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብደሙ እውን ከይተረፈ ንክርስቶስ ክእመን ድሉው ክኸውን ከም ዘለዎ የስተምህር (LG 42 ርአ፣ ስለዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሎምን ወትሩን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ። እዚ ናይ ምስክርነት ድሉውነት እዚ፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ምልክት እምነትን ፍቕርን ኮይኖም ንፍትሒ ደው ክብሉ ከለዉ ዝፍጸም እዩ።

ኩሎም ምሥጢራት፣ ብቐዳምነት ድማ ቅዱስ ቍርባን ንነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ምስ ክርስቶስ ከም ኣርኣያን መለክዒን ቅድስና ብምውህሃድ፣ ቅዱስ ህይወት ዘተባብዕ መግቢ ይኾኑ። ንሱ ንቤተክርስትያን ይቕድሳ፣ ባዕሉ ድማ ርእሳን ጓስኣን እዩ፣ ቅድስና ድማ በዚ ኣረኣእያ እዚ ውህበቱ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብሓጐስን ክንቕበሎን ብተጸምዶን መልሲ ክህንህበሉ እከሎና ይግለጽ። ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ኣብቲ ብዕለት 20 ጥቅምቲ 1965 እተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣማናዊ ሓቂ ንምዃን ኵሎም እተጠምቁ "ቅዱሳት ክኮኑ ኣለዎም፣ ማለት እዚ ብሓቂ ብቑዓትን ሓያላትን ከምኡ ውን እሙናትን ደቃ ኪዀኑ" ዝሕተትዎ ከም ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም። እዚ ድማ ከም ውሳጣዊ ለውጢ እዩ ዚፍጸም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ክርስቶስ ክመሳሰል እንከሎ እዩ (ሮሜ 8፡29፣ LG, 40)።

‘ብርሃን ኣሕዛብ’ (LG) ንቅድስና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ሓደ ኻብቶም መሰረታውያን ባህርያታ ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ፣ "ኣበር ዘይብላ ቅድስቲ" ከም ዝዀነት ሕቂ ክንዲ ዝኾነ፣ ነዚ ድማ ብእምነት ክንቅበሎ ኣሎና (LG, 39። እዚ ማለት ግን ምልእትን ፍጽምትን ኢያ ዝብል ትርጉም ብምሃብ ከምኡ እያ ማለት ግን ኣይኰነን፣ የግዳስ ክሳብ ናብቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍታ ኣብ እትገብሮ ጕዕዞ፣ ነዚ መለኮታዊ ውህበት እዚ "ኣብ ማእከል ዓለማዊ ስደትን ምጽንናዕ ኣምላኽን" ብምጕዓዝ ከተረጋግጽ ተጸዊዓ ዘላ እያ (Saint Augustin, De civitate Dei 51,2; LG, 8)። እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ማለት ኣብ ኵላትና ምእመናን ዘሎ ዜሕዝን ኩነት ሓጢኣት፣ ንነፍሲ ወከፍ ወዲሰብ ነቲ ብፍቕሪ ዜሐድሰና ጐይታ ብሕድሪ ብምውፋይ፣ ዓብዪ ለውጢ ህይወት ኪገብር ይዕድም። እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ጸጋ እዚ ከኣ እዩ ንቤተክርስትያን ዝቕድሳ፣ ዕለት ዕለት ክንፍጽሞ ዘሎና ተልእኾ ዜመሓላልፈልና፣ ማለት ነቲ ናይ ተሓድሶ ተልእኾና ከአ ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ ቅድስና ናብ ስነ-ምግባራዊ ተጸምዶ ጥራይ ዝንኪ ዘይኰነስ፣ ንውልቃውን ሓባራውን ህይወት ክርስትና እውን ዝምልከት ሓቂ እዩ።

ብዚ ኣተሓሳስባ እዚ፣ ኣብ ሻድሻይ ምዕራፍ (ቍ. 43-47) እዚ ሰነድ እዚ ውፉይ ሕይወት ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ይገልጽ። ኣብ መንጐ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ትንቢታዊ ምልክት ኣብዚ ዀነ ሕጂ ኣብ ታሪኽ እነስተማቕራ ናይታ ሓዳስ እትመጽእ ዓለም ኢዩ። እወ ምልክታት መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ ምሥጢር ቤተ-ክርስትያን ዘሎ፣ ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ናይ ውፉይ ህይወት ማለት ድኽነትን ንጽህናን ተኣዝዞን ዝቐርጾ ወንጌላዊ ምኽሪ እዩ። እዘን ሰለስተ መንፈሳውያን ሓይላት እዚኣተን፣ ንሓርነት ዝኣስራ ሕግታት ኣይኰናን፣ የግዳስ ገለ ኻብቶም ምእመናን ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ እተወፈዩሉ ሓራ ዝውጽእ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዩ። ድኽነት ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ይገብር፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ሰብ ካብ ሓሳባት ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ሓራ ይገብሮ፣ ተኣዞ ድማ ነቲ ገዛእ ርእሱ ነቦኡ ዘወፈየ ክርስቶስ ከም ኣርኣያ ገይሩ ይወስዶ፣ ንሓደ ምእመን ከአ ካብ ምጥርጣርን መግዛእትን ሓራ ይገብሮ፣ ንጽህና ከኣ ውህበት ናይ ምሉእን ንጹህን ልቢ ኮይኑ፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽን ቤተ-ክርስትያንን ዝቐርበሉ እዩ።

ነዚ ኣነባብራ እዚ ብምቕባል እተወፈዩ ሰባት፣ ነቲ ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ኣድማሳዊ ጽውዓ ቅድስና ብመልክዕ ሓደ ሱር ዝሰደደ ወደ መዝሙር መጠን ዝምስክሩ እዮም። ወንጌላውያን ምኽርታት ኣብ ህይወት ክርስቶስ ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ መስቀል ይግለጹ፦ ብልክዕ ድማ ብመስዋእቲ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስን ኢና ኵላትና እተበጆናን እንቕደስን ዘሎና! ነዚ ፍጻመ እዚ ብምስትንታን ኣምላኽ ዘይብጀዎ ሰብኣዊ ተመክሮ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና፣ ስቓይ እውን እንተ ዀነ ምስ ሕማማት ጐይታ ብሓድነት ብምንባር መገዲ ቅድስና ይኸውን ኢዩ። ስለዚ እቲ ንህይወት ዚቕይርን ዝቐርጽን ጸጋ ኣብ ኵሉ ፈተናታት የበርትዓና ናብቲ ርሑቕ ዘሎ ዘይኰነስ ናብቲ ብፍቕሪ ሰብ ዝዀነ ኣምላኽ እንራኸበሉ መገዲ እዩ ዜመልክተና። ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት እኖ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ድንግል ማርያም ወትሩ ኣብ ጕዕዞና ትደግፈናን ተዕቍበናን።

08 Apr 2026, 18:50