ድለ

2026.04.09 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ኢጣሊያ፡ ስፖርት ሰብኣውነት ከማእክል ኣለዎ! 2026.04.09 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ኢጣሊያ፡ ስፖርት ሰብኣውነት ከማእክል ኣለዎ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ኢጣሊያ፡ ስፖርት ሰብኣውነት ከማእክል ኣለዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ልኡኽ እቶም ኣብ 2026 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ - ኮርቲናን ኣብ ኣተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ውድድር ኦሎምፒ ስፖርትን ናይ ኣካለ ስንኩላን ኦሎምፒክ ስፖርትን ዝተሳተፉ ስፖርተይናታት ኢጣሊያ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንስፖርት ከም ቦታ ርክብን ርእሰ ግትኣትን ዘለዎ ኣገዳሰንት የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ - ኮርቲና ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኩላን ውድድር ኦሎምፒክን ዝተሳተፉ ንኢጣሊያ ወኪሎም ንዝተረኽቡ ስፖርተይናታት ዕለት 9 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም መደረ ዘስምዑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14

ስፖርታዊ ውድድር ኣብ መላእ ዓለም "ክቡር ሰብኣውን ባህላውን መንፈሳውን መልእኽቲ" ከም ዘስፍሕ ገሊጾም፡ "ስፖርት፡ ብሓቀይና መንገዲ ክንበር ናይ ብቕዓት ምርኢት ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ብጻዕሪ ብምጽባይ ብምውዳቕ ከምኡውን ብሓድሽ ምብጋስን ተመክሮታት ዝቘመ ዛንታ እዩ ዝኸውን። ስፖርተይናታት ብግቡእ ዝሰልጠነ ኣካላቶም ከምኡውን ብዛዕባ መስዋእቶምን ስርዓትን ጽንዓትን ዝገልጽ ታሪኾም ኣርእዮም ኢዮም። “ብፍላይ ኦሎምፒካዊ ውድድራት፡ ድሩትነት ዝግለጸሉ ቦታ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ሰብ ዝዕንቅፍ ድሩትነት ዘይኮነስ፡ ዝልውጥን ዝሕድስን ውህበታት ዝልለየሉ ቦታ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጒሊሖም፡ እቶም ስፖርተይናታት ምስቶም ኣብ ስፖርታዊ ጉዕዞኦም ዝደገፉዎም ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባይቲ ስድራኦምን ጋንታታቶምን ዘለዎም ምትሕብባር ንኢዶም፡

ስፖርት፡ ስፖርተይናታት ንኣካላቶም ከም ጣዖት ገይሮም ከይርእዩ፡ ስምዒታቶም ኪቈጻጸሩን ዝመሃርሉ ብምዃኑ ንብሱል ባህርያት ከም ዚሕግዝን ጽኑዕ መንፈሳውነት ከም ዚሓትትን ድማ ገሊጾም፡ ስፖርት "ኣእምሮ ብካላትን ብምልምማድ፡ ሰብኣዊ ኮይኑ ምስ ዝጸንሕ እዩ ሓቀይና ዝኸውን፤ ማለት መሰረታዊ ጸዋዕታኡ እሙን ኮይኑ ምስ ዝጸንሕ፤ ቤት ትምህርቲ ህይወትን ተውህቦን" ኮይኑ ይቕጽል ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ስፖርት ሓቀይና ዓወት ርክብና፣ ሓድሕድ ምክብባርን ሓባራዊ ሓጎስን ከምዝዕቀን ይምህረና - ቢሎም - ቅድሚ እቲ ውድድር ኦሎምፒክ ዕለት 6 ለካቲት 2026 ኣብ ናይ ስፓርት ክቡር ዋጋ ዝጸንዐ ፍድፋድ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ፍድፋድ ህይወት ኣብ መንጎ ስጋውን ውሽጣውን ስኒት ከም ዘምጽእ ገሊጾም፡ ንጥንታዊ ትውፊት ጸወታታት ኦሎምፒክ ብምዝካር፡ ዋጋኡ ኣብዚ ብውልትውና ንሕንሕን ግጭትን ዝልለይ ዘመንና ናይ ጻውዒት ደውል ክኸውን ከም ዝክእል ኣስተብሂሎም፡

ነቶም ስፖርተናታት፡ "ብህላወኹም ነዚ ናይ ሰላም ተኽእሎ ከም ትንቢት ክርአ ትገብሩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ምርኻብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንምድንፋዕ ናይ ዓመጻ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምፍራስ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ስፖርት ብዝዀነ ይኹን ዋጋ እንኮላይ ሓይሊ ክህብ ብዝኽል እጽዋት ወይ ከኣ ነቶም ስፖርተይናታት ናብ ህቡባት ሰባት ክብ ዘብል ወይ ናብ ምስሊ ወይ ቍጽሪ ጥራይ ንምቕናስ ንዝወጣወጥ ናይ ዕዳጋ ሓይልታት ኢድካ ናይ ምሃብ ፈተና ዘምጽእ ክኸውን ዝኽእል ኣጠንቂቖም ስፖርተይናታት ብዘይ ጽልኢ ክትወዳደር ንኻልኦት ከየዋረድካ፡ ንገዛእ ርእስኻ ክህልወካ ዘለዎ ኣኽብሮት ከየጥፋእካ ክትዕወት ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋገጽ ንዝህብዎ ምስክርነት ኣመስጊኖም። "ስፖርት ብትኽክል ዝንበር እንተድኣ ኮይኑ ፍልልያት ስግኣት ዘይኰነስ ሃብቲ ዝዀነሉ ናይ ዝተዓረቑ ሰባት ቤተ ሙከራ ይኸውን - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝተንስአ ክርስቶስ ጸሎትን ትጽቢትን ተስፋን ፍርህን ስቓይን ኵሎም ስፖርተይናታት ዝእክብ መስቀል ኣትለታውያ ምህላዉ ኣጕሊሖም፡ "ሰብኣውነት ብኹሉ መልክዑ ማእከል ስፖርት ኮይኑ ክቕጽል ናይ ምርግጋጽ ተልእኾ ብሓላፍነት እህበኩም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Apr 2026, 16:56