ር. ሊ. ጳ.፦ እከይ ንታሪኽ የበላሽዎ፣ ንሕና ድማ መሰኻኽር ሓቂ ክንከውን ተጸዊዕና ኣሎና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ – ሃገረ ቫቲካን
ነታ ብናይ ሓሶት ዜናታትን ላግጽን እተሸፈነት ግን ከኣ "ህያውን ብርህትን" ዝኾነት ናይ ክርስቶስ ሓቂ፣ "ኣብ ዓለም ዝምስከር ወንጌል እዩ"። እከይ "ንታሪኽ ዜበላሹን ንሕልና ዘደናግርን" ዓለም ኢዩ ዘኸተል ብምባል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሎሚ ዕለት 6 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ 8,000 ዝዀኑ ምእመናን ጸሎት “ተፈሥሒ ኦ ንግስተ ሰማይ” ኣዕሪጐም፣ ኣባኡ ድማ "ኣዋጅ በዓለ ትንሳኤ ንመጻኢና ኻብ መቓብር ዘድሕን ኢዩ" ክብሉ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።
ብዛዕባ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት፣ ብምኽንያት እምነቶም ዝስደዱ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን፣ ትምህርቲ ዘይረኽቡ ዘልዉ ቘልዑ እየ ዝሓስብ ዘለኹ። ንበዓል ትንሳኤ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ምእዋጅ ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ኢድ እቶም ዓመጸኛታት ተሓኒቕና ከይተረፍና፣ ንተስፋ ሓድሽ ድምጺ ምሃብ ማለት እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ኪስበኽ ከሎ ንዅሉ ጽላሎትን ኣብ ኵሉ መዋእልን ዘብርህ እዩ።
ዛንታታት ህይወትን ሞትን
ኣብዚ ዘመነ ትንሳኤ ዝንበብ ክፍሊ ወንጌል ማቴዎስ ብምጥቃስ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ፣ "ብዘሎ ፍጥረት ናብ ዘመን ምድሓን ብምእታው፣ እቲ ናይ ሞት ተስፋ ቝርጸት ብስም ኢየሱስ ንሓዋሩ ካባና ተቖርጸ" ክብሉ እውን ኣስተንተኑ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እተን "ነቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ዝረኸባኦ" ኣንስትን ብዛዕባ እቶም ብመራሕቲ ኣይሁድ ጉቦ ተዋሂብዎም ሬሳ ኢየሱስ ከም እተሰርቀ ዚዛረቡ ዝንበሩ ሓለውቲ ዝገልጽ ዛንታ እውን ኣስተምሃሩ።
ካብቲ ጥርሑ ዝኾነ መቓብር፣ ክልተ ትርጕማት ይውሕዝ ንበረ፣ እቲ ሓደ ምንጪ ሓድሽን ዘለኣለማውን ህይወት እንክኸውን፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ርግጽነት ጽንዓትን ሞት እዩ ዝንበረ።
ናይ ሓሶት ዜና
ኣብዚ ዓሚቝ ትሕዝቶ ኣጸቢቑ ዝጋጮን ሓሳባት ኣተኲሮም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ንሓቂ ምምሕልላፍ ኣድላዪ ምዃኑን ንምዝኽኻር ከም ኣብነት ዝውሰድ ኽልተ ትርጕማትን ድማ ገሊጾም።
እዚ ንጽጽር እዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ክርስትያናዊ ምስክርነትን፣ ብዛዕባ እሙንነት ሰብኣዊ ርክባትን ከም ዘመልክት ከነስተንትን ይገብረና። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ መብዛሕትኡ ግዜ ሓቀይና ታሪኽ በቲ ሎሚ ዘዘንትውዎ ናይ ሓሶት ዜና ማለት ብናይ ሓሶት መወከሲታትን መሰረት ዘይብሉ ኽስታትን እዩ ዝምዘን ዘሎ።
እታ ሓቂ ግና ክትራኸበና መጸት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት እናኣጋጠመና ኽነሱ ግን፣ ሓቂ ተሓቢኣ ኣይትተርፍን እያ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ህያውን ብርህትን ኰይና ነቲ ብርቱዕ ጸልማት ትጋልሃልና እያ" በሉ። ነቲ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ኣንስቲ እተዛረቦ ቓላት እውን ዘከሩ - "ኣይትፍርሃ! ኪዳ ንኹሉ እውን ኣበስራ" በለን – እዚ ሎሚ እውን ዝብለና ዘሎ ሓቂ ኢዩ።
በዚ ኸምዚ ንሱ ንባዕሉ ኣብ ዓለም ክንምስክረሉ ዝግባእ ብስራት ይኸውን፦ ፋሲካ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ፋሲካ ደቂ ሰባት እዩ፣ ከመይሲ እቲ ምእንታና ዝሞተ ወድ ሰብ፣ እቲ ህይወቱ ምእንታና ዘሕለፈ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ልክዕ ከምቲ ንሱ ንሓዋሩ ህያውን ህሉውን ኮይኑ ዝተንስአ፣ ካብ ዝሓለፈ ካብ ኣዕናዊ መወዳእታ ሓራ ዘውጽእ ኣዋጅ ጥራይ ዘይኮነ፣ በዓል ትንሳኤ ንመጻኢና ካብ መቓብር ዝብጆ እውን ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እዚ ወንጌል እዚ "ነቶም ብእከይ እተጨቈኑ" ክበጽሖም ተስፋ ይገብር ክብሉ እውን መስከሩ።
ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ክሳዕ በዓለ ጴንጠቈስጠ ዚድገም “ኦ ንግሥተ ሰማይ ደስ ይበልኪ” ዝብል ጸሎት መርሑ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዕለት 21 ሚያዝያ 2025 ሰኑይ ትንሳኤ "ህይወቶም ናብ ጐይታ" ዘወፈዩ ጳጳስ ፍራንቸስኮ ዘኪሮም ምስጋናኦም ገለጹ።
ነቲ ብዛዕባ እምነትን ፍቕርን ዘወፈይዎ ዓብዪ ምስክርነት ክንዝክር ከሎና፣ ብዝያዳ ብርሃናትን ተበጀውትን ሓቂ ምእንቲ ኽንከውን ናብታ መንበር ጥበብ ዝዀነት ድንግል ማርያም ብሓባር ንጸሊ፣ በሉ።
