ር.ሊ.ጳ. ኣብ ነፋሪት ናብ ኣልጀርያ፡ 'ኣነ ፖለቲከይና ኣይኮንኩን፡ ብዛዕባ ወንጌል እየ ዝዛረብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ናይ ነፋሪት ጉዕዞ፡ ንዘስንይዎም ጋዜጠይናታት ድሕሪ ዘቕረብዎ ሰላምታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ትሩዝ ኣብ እትሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ብዛዕባኦም ዝሃቦ መግለጺታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም “ኣነ ፖለቲከይና ኣይኮንኩን፣ ምስኡ ኣብ ክትዕ ክኣቱ እውን ኣይደልን እየ - ቢሎም - ከምቲ ገሊኦም ዝገብርዎ ዘለዉ መልእኽቲ ወንጌል ብዘይግቡእ ክውሰድ ዝግበኦ ኣይመስለንን። ንጸገማት መፍትሒ ንምድላይ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላምን ዘተን ብዙሕነታዊ ምትእስሳርን ንምስፋን እናደለኹ ኣንጻር ኲናት ኣትሪረ ምዝራብ እቕጽል ኣለኹ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ፣ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ህይወት ይጠፍእ ኣሎ፣ ሓደ ሰብ ደው ኢሉ ዝሓሸ መንገዲ ኣሎ ክብል ይግባእ ዝብል እምነት እዩ ዘሎኒ እንክብሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም አሐዲሶም፡ “ንዕኡ [ርእሰ ብሔር ትራምፕ] ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም መራሕቲ ዓለም፡ ውግኣት ኣቋሪጽና ሰላምን ዕርቅን ነስፍሕ” እንክብል ጻውዒት አቕርብ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
“ኣነ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ይኹን ብዛዕባ መልእኽቲ ወንጌል ዓው ቢለ ምዝራብ ዘፍርሓኒ ነገር የልቦን፡ እዚ ድማ ክገብሮ እየ፡ ነዚ ንምፍጻም እየ ኣብዚ ዘለኹ፣ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ . . . ንሕና ፖለቲከይናታት ኣይኮናን፡ ንወጻኢ ዝምልከት ስርዓታት ከምቲ ንሱ ክርድኦ ዝኽእል ኣረኣእያ ሒዝና ኣይኮንናን እነካይዶ፡ ከም መጋበርያ ሰላም ኣብ መልእኽቲ ወንጌል እየ ዝኣምን።”
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት መልሲ
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳስት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፖውል ኮክለይ ኣብ ዝብ ዝሃብዎ መግለጺ ብቓላት ርእሰ ብሔር ትራምፕ "ብሓቂ ተስፋ ከምዝቖረጹ" እንክገልጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መወዳድርቱ ኣይኮኑን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፖለቲከይና እውን ኣይኮኑን" ። "ካብ ሓቂ ወንጌልን ንሓልዮት ነፍሳትን ዝዛረብ ወኪል ክርስቶስ እዮም" ከም ዝበሉ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ቀጻሊ መልእኽቲ ሰላም
ሰላም ሓደ ካብቲ መሪሕ ዛዕባ ናይዚ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ዝገብርዎ ጉዕዞ እዩ። . . . ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዘተ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድልድል ዘቕርብ” ምድሪ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ዳግማይ ክበጽሑ ብምኽኣሎም ድማ ዝስምዖም ሓጎስ ኣካፊሎም እዚ ሰሜን ኣፍሪቃዊ ቅዱስ ጳጳስ ኮይኑ ዘገልገለሉ ቦታ ናይ ምብጻሕ ዕድል ንር.ሊ.ጳ. እውን እንተኾነ “ንቤተክርስትያንን ንዓለምን እውን፡ ሰላምን ዕርቅን ንምህናጽ ኩሉ ግዜ ድልድላት ክንደሊ ዘተባቦ ዓቢይ ቡራኬ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ንጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ደጊሞም ብምቕራብ ናይቲ ጉዕዞ ሓፈሻዊ ተልእኾ ማለት "ብሓደ ድምጽን ሓደ መልእኽትን ንቕድሚት ምቕጻል፦ ክንገብሮ እንደሊ ነገር ሰላምን ዕርቅን ኣኽብሮትን ንዅሎም ህዝብታት ሓልዮትን ምድንፋዕ እዩ" እክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መሬት ኣልጀርያ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ጳጳሳዊት ነፋሪት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርስ ምስ በጸሐት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብርእሰ ብሔር ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኣልጀርያ ዓብደልማጅዲ ተቡነ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ኣቀባብና ብቐጥታ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ላዕለዎት ኣካላት ብምእታዊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሰት ንእሽቶ ጓል ናይ ኦንባባ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረበትሎምን ድሕሪ’ቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ-ስርዓት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ተቡነ ሓጺር ናይ ብሕቲ ርክብ ከም ዘካየዱን ኣፍሊጡ።
