ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ መጀመርታ 'ግሩም ሰብኣውነት' ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብዅሉ ዕቤቱ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ሰብኣውነት፡ ሎሚ ወይ ሓድሽ ግምቢ ባቢሎም ንምህናጽ ወይ ድማ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ብሓባር ዝነብሩላ ከተማ ንምህናጽ ዝብል ሓደ ኣገዳሲ ምርጫ ይገጥሞ ኣሎ፡
መኽፈቲ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ‘ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረታዊ ምኽንያታቱን ዕላምኡን ኣሕጽር ኣቢሎም ይገልጹ።
ኣብ ዝኽሪ መበል 135 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ሓደስቲ ነገራት Rerum novarum፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሕድሪ ናይዞም ቅድሚኦም ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. ብምውሳድ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብድሆታት ናይዚ እዋናዊ ዘመን ዝኾነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት ማሕበራዊ ዓዋዲ መልእኽቲ የቕርቡ።
ኣብ ሓሙሽተ ምዕራፋት ዘጠቓልል ግሩም ሰብኣውነት ዘርእቱ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሰረታዊ ቅድመ - ኩነት ኣለዎ፡ እደ ጥበብ “ንሰብኣውነት ዝጻረር ሓይሊ” (4) ኣይኮነን፡ “ብባህሪኡ ክፉእ” እውን ኣይኮነን (9)። ይኹን እምበር፡ “እደ ጥበብ ፈጺሙ ገለልተይና ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ባህርያት እቶም ዚምህዝዎን ዚምውልዎንን ዚቈጻጸርዎን ዚጥቀሙሉን ስለ ዝሕዝ።
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሰባት “ንሓባራዊ ረብሓ” ክሃንጹን “ሰብኣውያን ኮይኖም ክጸንዑን” ይጽውዑ፣ ናይ ሓባር ሓላፍነትን ሕብረትን ተባዕ ኣተሓሳስባ ተኸቲሎም፣ ዓለም “ንልቢ ሰብኣዊ ልቢ ኣምላኽ ክነብረሉ ዝደሊ ቦታ ምዃኑ ኣብ ምልላይ ክትበርኽ” (16)።
ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን
ቀዳመይቲ ምዕራፍ - “ንወንጌል እሙን ህርኩት ኣቀራርባ ” - ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዘቕርቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ እተዋህበ ማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ-ክርስትያን ብምስዓብ "ንጡፍ ባህርያቱ" የጕልሕ (17)። ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያን "ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ ስርዓታትን መዐቀኒታትን ዝሓዘ መምርሒ መጽሓፍ" ዘይኰነስ "ቲዮሎጊያዊ ሕብረት ኣብ ታሪኽ" (27) እዩ፣ እዚ ድማ ንፍጻመታት ብብርሃን ወንጌል ንምንባብ ዚመርሖ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ሰባት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ይዝክሩ - ካብ ፒዮስ መበል 12 - ኣብ ናይ 1950 ሃዋርያዊ ማዕዳን ኣእምሮና - Menti Nostrae "ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ቤተ-ክርስትያን" ዝብል መግለጺ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቀመን - ክሳዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ይኸዱ። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ኣብ 1891 ዝለገስዎ ሓደስቲ ነገራት Rerum novarum ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ "ኣብ ምዕባለ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ፍጻመ" (30) ምዃኑ የስተብህሉ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት ነፍሲ ወከፍ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ "ንታሪኻዊ ለውጥታት ብወንጌል ብምንባብ ወይ ብምትርጓም ንእተፈላለየ መዳያት ናይ ሓደ ውርሻ ኣብሪሆም እዮም፦ ክብረት ሰብ፣ ዋጋ ስራሕ፣ ኣድማሳዊ መዓርፎ፣ ሓድነትን ደገፍን፣ ሓልዮት ፍጥረትን ማእከላዊ ሰላምን ሕውነትን" (45) ዝብሉ እያቶም።
ምሕላው ክብሪ ደቂ ሰባት
ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “መሰረታትን መትከላትን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን” ይድህስሱ።
እዞም መሰረታት እዚኣቶም፡ ነቲ ብኣምሳልን ኣርኣያን ኣምላኽ ዝተፈጥረ ክብሪ ሰብ ዘጠቓልሉ ምዃኖም የብርሁ። “ጸቕጢ ሓደስቲ ስነ - ህልዩ ወይ ዝተወሰኑ ኣዝዮም ሓያላት ረብሓታት” ንስብእና ሰብ ናብ “መጋበርያነትን ክምዝመዝን ዝኽእል ጸጋ” ወይ “ኣብቲ ዝበጽሕዎ ወይ ዘፍርይዎ” (51) ከውርዶ ስለ ዝኽእል ነዚ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ብኣንጻሩ “መሰረታዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ . . . እትዕድጎ ወይ እትዕዎቶ ኣይኮነን፡ ምኽንታዊ ምግባር እውን ኣየድልዮን እዩ” (53)። ካልኣይ መሰረት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምግሃስ ኮይኑ፡ ካብዚ እቲ ቀዳማይ መሰል ህይወት “ካብ ጽንሲ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ መወዳእታኡ” እዩ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ልዮን መበል 14 ንዝተደፋፍአ ምንጻል ጥንሲን ምቕታል ንጹሃትን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ከም መሰል ፍቑድ ምግባር “ቤተክርስትያን ኣዝዩ ጌጋ ኢላ እትቖጽሮን እትቓወሞን ምርጫታት” (55) እንክብሉ ይገልጽዎ። እቲ ሳልሳይ መሰረት ድማ ኣፍልጦ መሰል ውሑዳት (ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ) ኮይኑ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝህብ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሕግታት፡ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓላፍነታት ብዝምልከት ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝጠቅም “ጭቡጥ ውሳኔታት” ይጽውዑ፡ ምእንቲ ብሓቂ ክስማዕን ዋጋ ክወሃቦምን (57)።
ንሓንቲ ሃገር ምግዛእ (ምምላኽ) ‘ከቢድ ኢስነ-ምግባራዊ እዩ’
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓሙሽተ መትከላት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን የነጽሩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ሓባር ረብሓ ኮይኑ፡ እዚ ድማ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ክብሪ ማሕበራዊ መግለጺ” (59) እንክብሉ የብርህዎ።
“ምድንፋዕ ሓባራዊ ጥቕሚ ካብ ምኽባር መሰል ህላወ ህዝብታት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ምዕቃብን ፍሉይ ባህርያቶም ኣብ ስድራቤት ኣህዛብ ኣበርክቶኡ ፈጺሙ ክፍለ ከምዘይክእል” ኣጽኒዖም የረጋግጹ።
ስለዚ “ንሓደ ህዝቢ ንምውጋድ ወይ ንምግዛእ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ወይ መደብ ኸቢድ ኢስነምግባራዊ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን” (64) ይብሉ።
እደ ጥበብ ኣብ ኢድ ውሑዳት ክኸውን የብሉን
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ካልኣይ መትከል “ኣድማሳዊ መዕለቢ ኣቑሑት” የለልዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ክፋላት ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ እደ ጥበብ ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ከምዘይውህለል ምርግጋጽ የድሊ እንተዘይኮኑ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ዘለዉን ዝተገለሉን ክፍተት ይሰፍሕ (67)። እቲ ሳልሳይ መትከል፡ ትሕተ-ቅርጺ (68)፡ ሰብኣውነት ንሓባራዊ ሓላፍነት ንምድጋፍ “ዝኾነ ዓይነት ኣቦኣዊ ወይ ኣብ ናብዮት ዝተመርኮሰ ምሕደራ ሕብረተሰባዊ ህይወት” ክስዕር ይጠልብ።
ምትሕግጋዝ (73)፡ እቲ ራብዓይ መትከል፡ ክልቲኡ “መትከልን ሰናይ ባህርይ” ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብምምልካት፡ ንዘይምግዳስ ዝቃወምን ንሰባትን መጻኢ ወለዶታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ይሕብሩ።
ማሕበራዊ ፍትሕን ስደተይናታትን
ማሕበራዊ ፍትሒ ሓምሻይ መትከል ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብዚ ስነ ኣሃዛዊ ዘመን ማሕበራዊ ፍትሒ ንኹሉ ሰብ ፍትሓዊ ተበጻሕነት ዕድላት ምርግጋጽ፣ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ምሕላው፣ ቅልጣፈን ግጉይ ሓበሬታን ምቅላስን ኣጠቓቕማ እደ ጥበባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ምእታውን ይጠልብ፣ "እቲ መሪሕ መትከል መኽሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሓባራዊ ረብሓ ኩሉ ህዝብን ክኸውን ኣለዎ" (80)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንስደተይናታት፣ ዑቕባ ሓተቲ፣ ተመዛበልቲ ንማሕበራዊ ፍትሒ “ናይ ሓደ ነገር ሓቅነት ወይ ክቡር ዋጋ ዚውስን ንጽል ናይ መወዳእታ ፈተና” እንክብሉ ይገልጽዎ። እዚ ሕብረተሰብ ንስደተይናታት ዚሕዘሉ መገዲ "ፍትሒ ዚስምዖ ስምዒት ብፍርሂ ወይ ብመንፈስ ሕውነት ዚምራሕ እንተ ዀይኑ ዜርኢ እዩ"። ስለዚ ሕብረተ - ሰብ ነቶም ኪወጹ እተገደዱ "ቅኑዕ ተስፋታት" ኬዕቍብዎም፣ ድሕንነትን ሕጋውን መገድታት፣ ምዕሩግ ኣቀባብላ ከምኡውን ናይ ሓቂ ናይ ውህደት መገድታት ብምርግጋጽ፣ ኣብ ሃገሮም ብሰላምን ደሕንነትን "ናይ ምንባር መሰል" ኬተባብዑ፣ "ሱር ምኽንያታት" ስደት ብምፍታሕ (81)።
ግህሰትን ምርመራ ሕልናን ብቤተ ክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዞም ሓሙሽተ መትከላት ኣብ ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብታ “ናይ ሕልና ምርመራ” ክትፍጽም ዝተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን ባዕላ እውን ክተግበሩ ይግባእ ይብሉ። ነዚ ፍትሒ ምንባር “ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝምድናታትን መሓውራትን ካብ ዘይምዕሩይነት፣ ስእነት ግሉጽነትን ብዘይግቡእ ስልጣን ምጥቃምን ዝፈጥር ምዝንባዕ ምጽራይ” ይጽውዕ። እዚ ማለት ነቶም “ግዳያት መንፈሳዊ፡ ቁጠባዊ፡ ትካላዊ፡ ጾታውን ስልጣን መሰረት ዝገበረን ግህሰት፡ ከምኡ’ውን ግህሰት ሕልና” ምስማዕ ማለት እዩ። እዚ መርመራ እዚ፡ “ዘይነጻጸል ኣካል ናይቲ ናብ ፍትሒ ዝወስድ ጉዕዞ ኮይኑ፡ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣፍልጦ ምሃብ፡ ፍትሓዊ ካሕሳን ዳግማይ ከይፍጸም ስጉምትታት ምውሳድን ዘጠቓልል እዩ” (89)።
ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝኸውን ስነ-ምግባራዊ ሕጊ
ሳልሳይ ምዕራፍ - እደ ጥበብን ዕብለላን። ዕብየት ሰብኣውነት ብመንጽር መብጽዓታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ፡ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብጥንቃቐ ምቕራብ ከምዘድሊ የጉልሕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ዝኾነንዎ "ስርዓት ምልኪ እደ ጥበባዊ ንድፊ" ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ስሉጥነትን መኽሰብን ብምልካዕ ጥራይ ኪውሰን ዝሓትት ምዃኑ የጠንቅቑ (92)። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እቲ ዝሓየለ እደ ጥበብ ግድን እቲ ዝበለጸ ኣይኰነን። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ሰብ ኪቐድሖን ኪመስሎን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ስነ ምግባራዊ ሕልና ድንጋጽ ወይ ስምዒታዊ ርክብ ወይ መንፈሳዊ ክእለት የብሉን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵሉ ደረጃታት መስርሕ ምዕባለ ብዛዕባ ሓላፍነታትን ተሓታትነትን ግልጺ ክኸውን ይሓትቱ፣ ኣብ ግቡእ መምርሕታትን ሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ናጻ ቍጽጽር ከምኡውን ትምህርቲ ተጠቀምቲ ብምትኳር ኢዩ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ሓባራዊ መዐቀኒታት ማሕበራዊ ፍትሒ ዚሰማማዕ ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ኪህሉ ጻውዒት የቕርቡ፣ ከመይሲ "እቲ ስነ-ምግባር ብውሑዳት እንተ ተወሲኑ ዝያዳ ስነ-ምግባራዊ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እኹል ኣይኰነን" (107)። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እቲ ሓደስቲ እደ ጥበባት ዜምጽኦ ኣከባብያዊ ጽልዋ ዕሽሽ ኪበሃል የብሉን፣ ከመይሲ ብዙሕ ጸዓትን ማይን ስለ ዚሓትት ንፍጥረት ይጸልዎ (101)።
ምፍታሕ ዕጥቂ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ሰብ ሰርሖ ኣስትወዕሎ ካብ ኣተሓሳስባ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ኣእምሮኣውን ውድድር ሓራ ንምውጻእ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣጽዋር ክፈትሕ ኣለዎ” ይብሉ። "ኣጽዋር ምፍታሕ ማለት ነቲ እደ ጥበባዊ ሓይሊ ባዕላዊ ናይ ምምሕዳር መሰል ይህብ እዩ ንዝብል ግምት ምንጻግ ማለት'ዩ" ይብሉ። “ኣጽዋር ምፍታሕ ማለት እደ ጥበብ ምንጻግ ማለት ዘይኮነስ ንደቂ ሰባት ከይዕብለል ምክልኻል ማለት እዩ” (110)። ንገስጋስ ከም ምብዳህ ደረት ደቂ ሰባት ዝትርጉሙ ስግረ-ሰብኣውነትን ድሕረ-ሰብኣውነትን ዝምልከት ነቐፌታ ሰፊሕ ቦታ ይህቡ። የግዳስ ድሩትነት ክውገድ ዘለዎ ጉድለት ዘይኮነስ ቅዋማዊ ሸነኽ ናይቲ ስብኣናዊ ሰብ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ተነቃፍን ውሱንን እዩ ዝምድናን ክፉትነትን ንኣምላኽን ንኻልኦትን ዝበስል። “ሰብኣውነት ድሩትነት እናሃለወ ዘይኮነስ መብዛሕትኡ ግዜ ብእኡ ኣቢሉ ዝዕንብብ ምዃኑ” (118) ክንዝክር ይግባእ ይብሉ።
እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብዘይ ምድሕሓር ልቢ
ንሰብኣዊ ድሩትነት ንምውጋድ እደ ጥበባዊ ምህዞታት ምስዓብ ስነ ሰብእ ንድሕሪት ዚምለስ ምዃኑ ይገልጹ። "ወድሰብ ብዅሉ ዕቤቱን ቍስሉን ኪትካእ ወይ ክሕለፍ የብሉን"። እደ ጥበብ ንስቓይ ደቂ ሰብ ኬፋዅሶን ሓደስቲ ኣጋጣሚታት ኪኸፍትን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና ነቲ "ርክብን ፍቕርን ናይ ምርካብ ክእለትና" ዝዀነ ባህርይ ደቂ ሰብ ኪኽሕዶ የብሉን (126)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እቲ ናይ ሓቂ ኣማራጺ ኣብ መንጎ ውዕዉዕ ስምዒትን ፍርህን ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ኽልተ መገድታት ምዕባለ እዩ - ንውልቀ-ሰባትን ህዝብታትን ዜገልግል ዕቤት ወይ ከኣ ንኣተሓሳስባ ስልጣን ዚግዝኦም ዕቤት" (129) ።
ስነ-ምህዳራዊ ርክብን ማእከልነት ኣብያተ ትምህርትን እዩ።
ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ - ምሕላው ሰብኣውነት ኣብ እዋን ለውጢ። ሓቂ፡ ስራሕ፡ ናጽነት - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ “ስነ - ምህዳራዊ ርክብ” ክህሉ ይጽውዑ። ትሕዝቶ ብኸመይ ከም ዝምረጽ ግሉጽነት ክህሉ፡ ውልቃዊ መረዳእታ ክሕሎ፡ ኣብ ስነ-ሞጎትን ምርግጋጽን ዝተመስረተ ዕቱብ ጋዜጠይናነት፡ ኣብ “ግቡእን ወሳንን” ኣጠቓቕማ ስነ ኣሃዛዊ መጋበርያታት ሓድሽ ንቕሓት ክህሉ፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍልጠት ክውሃሃድ ይላበዉ። ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ጉዳይ በደልን ግህሰትን ግሉጽን ቅንዕናን ርክብ ክትሕዝ ኣለዋ። ከምኡ እውን ዳግማይ ትምህርታዊ ምሕዝነት ክግበር ይጽዑ፣ ምእንቲ እቲ “ሕቶታት ናይ ምሕታት ድሌት” ኣብ መንእሰያት ብፍጹማት በጋበርያታት ከይጠፍእ፣ ንሓሳብ ደቂ ሰባት ዘይጠቅም ከም ዝመስል (140)። እምበኣር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣባይቲ ትምህርቲ ሰባት “ሓቂ ክደልዩን ክፈትዉን” ዝመሃሩሉ ቦታታት ምዃኖም ዳግማይ ኣቓልቦ ክወሃቦም ይጽውዑ (147)።
ክብሪ ስራሕ
ኣብቲ ብስነ ኣሃዛዊ ምስግጋር ዝውከል “ራብዓይ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣፈጻጽማ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሰብ ዘማእከለ ስርዓታት ብምሕንጻጽ ክብሪ ስራሕ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ። "እቲ 'ሓደስቲ ኣገባባት' ስራሕ ግድን ዝሓሸ ኣይኮነን" ይብሉ፡ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዕለታዊ ዕማማት ብምውሳድ ኣፍራይነት ከዕቢ ቃል ክኣቱ እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ግን ሰራሕተይናታት ምስ ቅልጣፈን ጠለባትን መጋበርያታት ክላመዱ የገድዶም፡ ኣብ ክንዲ መጋበርያታት ነቶም ዝሰርሑ ንምድጋፍ ዝተዳለዉ ምዃኖም ምስተውዓል" (150)። እደ ጥበብ ብርግጽ ንደቂ ሰባት ካብ ጾር ወይ ተደጋጋሚ ዕማማት ነጻ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን ብስም ምጉዳል ወጻኢታትን ምውሳኽ መኽሰብን ናብ ሽቕለት ኣልቦነት ከብጽሕ የብሉን። ምስዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዕዮ ውድባት ክሕደሱ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ (155)።
ሰላምን ልምዓትን
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ሓሊፉ ከም መዐቀኒ ደረጃ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ምኻድ ኣድላይነት የስተብህሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ክብሪ ስራሕ፣ ሓባራዊ ምዕባለ፣ ምንካይ ዘይምዕሩይነትን ሓለዋ ከባቢን ዘተኮረ እዩ። ፋይናንስ፡ ኣብ ምዕባለ፡ ምፍጣርን ፍልቀትን ስራሕ ከተኩር ኣለዎ ይብሉ (159-160)። ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምስዓብ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ሰላምን ምዕባለን ዘሎ ሓድሕዳዊ ተማራዃስነት የጉልሕ። ምዕባለ “ሰፊሕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ምስ ዝኸውን ጥራይ” ንሰላም ኣበርክቶ ስለ ዝገብር፡ ብፍላይ ድማ ነተን ኣዝየን ተቓላዕቲ ሃገራትን ጉጅለታትን ዝጠቅም ናይ ሓባር ሜላታት ክገልጽ ዝኽእል ኣህጉራዊ ምትሕብባር ይጽውዕ (163)።
ስድራቤት፡ “ቀዳማይ ማሕበራዊ ሰናይ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዘሎ ጽኑዕ ሓድነት እተመስረተ ምዃኑ ብምግላጽ ግደ ስድራቤት ይድግፉ። ስድራቤት "ቀንዲ ማሕበራዊ ሰናይ" ከምኡውን "መሰረታውን መተካእታ ዘይብሉን ዋህዮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ውድብ" (165) እያ፣ እዚ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ "መጻኢ ንምህናጽ" ዘለዎ ኽእለት ንምዕቃብ ርግኣትን ሰብኣዊ ምትዕርራይን ዝድግፍ ናይ ሰራሕተይናታት ስርዓታት እንኮላይ ክድገፍ ኣለዎ።
‘ስነ ህንጻ ርኡይነት’ን ንናጽነት ዘስዕቦ ሓደጋታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓርነት ዚገልጽ ፍረ ነገር ኣብቲ ኤለክትሮኒካዊ መድረኻት ንተጠቀምቲ ግዜ ንምሓዝንም ተቓላዕነቶም ንምምዝማዝን ተባሂሉ እተዳለወ መዋእል ይገልጹ። ንውሽጣዊ ሓርነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምድልዳል ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም የጕልሑ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ካብ ጃምላዊ ምእካብ መረዳእታን ኣጠቓቕማ ቀመራዊ ምዕሪት ስርዓታትን ዝፍጠር ሓደጋ ማሕበራዊ ምቁጽጻር ይገጥም። ምስናድን፡ ምግማትን ምምራሕን ባህርያት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓላዕቲ ኣድልዎ ንምፍጻም ሓደጋ ዘእቱ “ሓድሽ መልክዕ ሓይሊ” (171) እዩ ይብሉ። ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝርአ ጥራይ ዘጉልሕን ርእይቶታት ዝቐርጽን “ስነ ህንጻ ርኡይነት” ይነቕፉ።
ሓድሽ መልክዕ ጊልያነትንን መግዛእትን
ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ከም ናይቶም ንእደ ጥበብ ዘድልዩ “ብርቂ መሬታዊ ባእታታት” ኣብ ምውጻእ ዝሰርሑ “በሰላ ዘለዎም፡ ዝተጎድኡን ዝደኸሙን” ኣካላት (173) ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ዓይነታት ጊልያነት እውን ይፈጥር። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ለውጢ ካልእ “ወሳኒ ፈተና ስነ - ምግባራዊ መመያ” ሓደስቲ መልክዓት ባርነት ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ይድግፉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ቤተክርስትያን ንዅሉ ዓይነት ጊልያነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድ ሰባትን ብጽኑዕ ትኹንን” ብምባል ኣስሚሮም፡ ግብረ መልሲ ዘይምሃብ ወይ ከቢድ ምግሃስ ክብሪ ደቂ ሰባት ምጽዋር ማለት ተሓባበርቲ ምዃን ማለት ምዃኑ የጉልሑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ እዋን “መዓት ጊልያነት” (174-176) ንምኹናን ዘርኣየቶ ምድንጓይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ብቕንዕና ይቕሬታ ይሓቱ”። እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ነቲ ንቁጠባዊ ስነ - ስልቲ ንምምራሕ ዝውዕል ኣገዳሲ ሓበሬታ - ንኣብነት ብዛዕባ ጥዕናን ብዝሒ ህዝቢ እውን የመልክት። ነዚ ድማ ንውልቃዊ ህይወት ናብ ዝምዝመዝ ሓበሬታ ዝቕይር ሓድሽ ገጽ መግዛእቲ ይብሎ፣ ነቲ ስነ ኣሃዛዊ ሃዋህው “ናይ ምዝመዛ ቦታ” ይገብሮ (178-179)።
'ፍትሓዊ ኲናት' ዝብል ክልሰ ሓሳብ ምብዳህ
ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ - ባህሊ ስልጣንን ስልጣነ ፍቕርን - ር.ሊ.ጳ. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስነ-ምግባራዊ ኣገባብ ክህሉ ይጽውዑ፣ እዚ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ሰባት ዝወሃብ ውሳነታት ብሰንኪ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ከም “ቅጽበታውን ተግባራውን ኣማራጺ” (182-183) ዝቑጸር ስብእና ዘይብሉ ክኸውን እዩ። ኣብ ሱር ናይዚ ኩሉ ንውግእ ንቡር ዝገብርን ከም “መጋበርያ ኣህጉራዊ ፖለቲካ” ዝሕድስን ዳግመ - ዕጥቂ ዝድግፍን “ባህሊ ስልጣን” እዩ። ሎሚ፡ ርእይቶ ህዝቢ ብውልትውና ትረኻታት መራኸቢ ብዙሓን፡ ከምኡ’ውን “ብዘሰክፍ ምጥፋእ ታሪኻዊ ዝኽሪ” ተሸኪሙ ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ንሰባት ነዊሕ ራእይ ከምዘይብሎም ይገብሮም ምህላዉ ይዛረቡ (191)። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሎሚ ሰላም ከም ዕማም ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ግጭታት ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ዚርአ። ስለዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሕጋዊ ናይ ምክልኻል መሰል ብጥብቂ መገዲ እናሓለወ ኽልሰ ሓሳብ "ፍትሓዊ ውግእ" ኪስዓር ከም ዘለዎ ኣብ ክንዳኡስ ምይይጥን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ይቕረ ምባልን ኪሰፍሕ ከም ዘለዎ ደጊሞም ይገልጹ (192)።
ስነ ቀመራዊ ምዕሪት ንውግእ ብግብረ ገብ ቅቡል ኣይገብሮን እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ዕቤት ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ቅድድም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከምኡውን ከም ምንጪ ሓይልን መኽሰብን ገይሮም ግጭታት ንምቕጻል ዝጽዕሩ ሓደስቲ ዕጡቓት ተዋሳእቲ እንኮላይ ጕጅለታት ጂሃዳውያን ነቐፌታ የቕረቡ። ምስ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እተተሓሓዘ ኣጽዋር ምጥቃም ከይህሉ እውን የጠንቅቑ፣ ከመይሲ "ንውግእ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ተቐባልነት ዘለዎ ክገብሮ ዝኽእል ስነ ቀመራዊ ምዕሪት የልቦን።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ውሽጣዊ ኢሰብኣውነት ግጭት ኣየልግሶን እዩ። እወ ብቕልጡፍ ግጭት ከምጽእን ዝያዳ ውልቃዊ ከም ዘይኮነ ክገብሮን ይኽእል ኢዩ፡ እዚ ድማ ዓመጽ ናይ ምጥቃም ድርኵዂት ብምንካይ ንምክልኻል ናብ ስግኣት ከም ዝቕይሮ በዚ ኸምዚ ድማ ግዳያት ናብ ሓበሬታን ቁጽራታትን ይንክዮ። በዚ ኸምዚ ዓመጽ ዘይተርፍ ምዃኑን ምምሕያሽ ጥራይ ከም ዘድልዮን ንዝብል ሓሳብ ክለምዶ ይድርኽ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ኣብ ብሕታዊ ሓላፍነትን ዕቝባ ሰላማውያን ሰባትን እተመስረተ ጽኑዕ ስነ - ምግባራዊ ደረት ክግበር ተማሕጺኖም። "ገጽ ደቂ ሰብ ከይረኣዩ መጥቃዕትታት ዜቀላጥፍ ዝዀነ ይኹን እደ ጥበብ ነቲ ስነ - ምግባራዊ ድርኵዂት ግጭት ይንክዮ" (199)።
ቅልውላው ብዙሓ - ጎናውነት
ባህሊ ስልጣን እውን ካብቲ ናይ ብዝሓ ጎናውነት ቅልውላው ከምኡውን ካብ ምምጻእ "ስርዓት ኣልቦነት ዝመልኦን ግጭትን ዝፈጥሮ ብዙሓ ጎናውነት" ካብ ዘይምትእምማን ዝተመልአ ስምዒት (201) ዝምንጭው ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግዝኣተ ሕጊ ብሕገ ሓያላን ተተኪኡ እቲ ናይ ስልጣን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ሰላም ከም ዝዕብልልን ሓባራዊ ዕድል ህዝብታት ንምሕላው እተመስረተ ትካላትን ከም ዝደኸመ ይገልጹ። በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ክብርታት ሰጊሩ ንሓባራዊ ረብሓ ዝድግፍ “ዓሚቝ ጽገናታት” ሕቡራት ሃገራት ተስፋ ኣለዎም (226)።
ሓላፍነት ዘይስምዖ ጭቡጥ - ፖሊቲካ
እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሎሚ “hybrid - ዝተሓናፈጸ” ውግኣት “ኣብ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳውን ምምሕዳርን ግንባራት’ውን ይካየድ ከምዘሎን፡ ንፍርሒ ሰባት ዝምግቡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጎስጓሳትን ንርእይቶ ህዝቢ ንምትዕጽጻፍ ዝጥቀሙሉ” ብምዃኑ፡ ወሰኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ንዘይተረጋገጸ መጻኢ ኸም "እንኮ መልሲ" ጌርካ እዩ ዚርአ። እዚ ኩሉ ግን “ናይ ሓሶት ክውንነት” ጥራይ እዩ፣ ኣብ ሕልናን ባህልታትን ሰባት ናብ ዘይተርፍ ኲናት ምልቃቕ ዝዘርእን ንሰላም ከም ኡጦቢያ ዝገልጽን ሓላፍነት ዘይስምዖ Realpolitik (204-205)። ገለ ሰባት “ዕጥቃዊ ውግእ ከም ኣድማዒ መገዲ ኣቓልቦ ካብ ዘቤታዊ ጸገማት ንምዝንባልን ንጸገማት ንምምሕዳር ዝሕግዝ ናይ ምጥርጣር መሳርሕን ክቖጽርዎ ዝኽእሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ይሕብር (208)።
ስልጣነ ፍቕሪ
ክርስትያን፡ “ስልጣነ ፍቕሪ” ብምህናጽን ስነ-መጐት ሓይሊ ንምምጋብ ወይስ ሰላም ንምሕላው ብምምራጽን፡ ነቲ ባህሊ ስልጣን ምላሽ ክህቡ ይጽውዑ ይብሉ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን። ንዝኽሪ ቅዱሳን ይዝክሩ፣ “ጻድቃናትን ብዙሕ ግዜ ዝርሳዕ ገበርቲ ሰላምን፣ ጸጋ ብስሒር ንግርጭት ከምዘየወግድ፣ ኣብ ክንድኡስ ንጡፍ ተቓውሞ ንኽፍኣትን ኣብ ሰናይ ምግባር ዘገርም ፈጠራን ከምዘነቓቕሕ የርእዩና” (211)። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሙሽተ ናይ ሓላፍነት መንገድታት ድማ የመልክቱ፣ እዚኦም ድማ ሓቂ ብምዝራብ ቃላት ምፍታሕ፤ ኣብ ፍትሒ ሰላም ምህናጽ፤ መርገጺ ብምውሳድ ኣረኣእያ ግዳያት ምቕባል፣ ምኽንያቱ “ገለልተይና ምዃን ዘይፍትሓዊ እዩ” ዝብል ግርጭታት ስለዘሎ፤ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባራት ተግባራዊ ዝኾነ መንገድታት ሰላም ዝደሊ “ጥዑይ ክውንነት” ምዅስኳስ።
ኣገዳስነት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ
ኣብ መወዳእታ ካብ ባህሊ ስልጣን ናብ ባህሊ ዘተ ብምስግጋር ዳግማይ ምጅማር ዘተ ጐሊሑ ይቐርብ። ከምኡ’ውን ወሳኒ ኣገዳስነት ዘለዎ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ” እዩ፣ ተሰከምቲ መልእኽቲ ሰላም ምዃን። “እቶም ስም ኣምላኽ ተጠቒሞም ንሽበራ፡ ዓመጽ ወይ ውግእ ሕጋውነት ዝህቡ፡ ብስም ሃይማኖት ምቅላስ ማለት ንባዕሉ ሃይማኖት ምጥቃዕ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሓቀይና ባህርያቱ ይጠልሙ” (223) ኣንክብሉ ይጽሕፍ። ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር “ንናይ ምሕረት መትከል ወንጌል ከም ጭቡጥ መዐቀኒ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከም ዝቕበል” ይሕብሩ። ካብዚ ድማ ሰላም ልዕሊ ኩሉ ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዝመጽእ ንጸሎት ዝግበር ምዕዳን (227-228) እዩ።
ዕብየት ሰብኣውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ናይቲ ናይ መጀመርታ ዓዋዲ መልእኽቶም፡ ምእመናን ኣብዚ ሓድሽ ዘመነ እደ ጥበብ ብመንጽር ወንጌል ክጓዓዙ ይዕድሙ፣ እዚ ድማ “ልዙብ ግን ከኣ ጠለብ ዝሓትት መደብ ክርስትያናዊ ሕይወት” ይስዕብ።
ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ’ውን “እግዚኣብሔር መሕደሪኡ ዝገበረሉ ዕቤት ሰብኣውነት ክንምስክር ንኽእል ኢና” እክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓዋዲ መልእኽቶም ይዛዝሙ።
