ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሓቂ መንነታ ኣብ ስብእና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ እትረኽቦ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሓቂ መንነታ ኣብ ስብእና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ እትረኽቦ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሓቂ መንነታ ኣብ ስብእና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ እትረኽቦ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 60 ዓመት ዝኽሪ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቦሊቭያ “ሳን ፓብሎ” ናብቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሓቂ መንነታ ኣብ ስብእና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም እትረክብ ኣዘኻኺሮም፡ ‘ሓቂ ኣብ ፍቕሪ - Veritas in Caritate’ ድማ ከም መዐቀኒ ስነ ትምህርትን ጓሳውን መመያ ኮይኑ ከም ዘገልግል ደጊሞም ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብቲ ብናይ ፍልጠት ምብትታንን ተዛማድነትን ፍልጠት ንመጋበርያነት ብምውራድ ኣብ ዝልለይ እዋናዊ ባህላዊ ኵነታት፡ እቲ [ናይ በነዲክቶስ መበል 16] Veritas in Caritate - ሓቂ ብፍቕሪ ዓዋዲት መልእኽቲ መዐቀኒ ስነ ትምህርትን ጉስነታው መመያን፡ ከምኡ'ውን ከም ጠለብ ዘለዎ መደብ ንመጻኢ፡ ኣብኡ 'ብርሃን ዓለም' ክትኮኑ ይጽውዕ” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝብሉ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቦሊቭያ “ሳን ፓብሎ” ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኮይኑ፡ እቲ ዝኽሪ ንቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ናይ ኣገልግሎት ፍረ ዘለዎ መስመር ከነለሊ የክእለና - ቢሎም - ሓደ መንብረ ጥበብ ዓሚቕ መንነቱ "ማእከል ሞያዊ ስልጠና ጥራይ ወይ ንጥቕሚ ዝሕግዝ ፍልጠት ንምፍራይ ጥራይ ዘይኮነስ" ልዕሊ ኩሉ ድማ 'ብጽኑዕን ነቐፌታውን ኣገባብ ኣብ ምክልኻልን ምዕባለን ሰብኣዊ ክብርን ባህላዊ ቅርስታትን ኣበርክቶ ዝገብር ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠት Aዩ . . . ‘ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓቀይና ትምህርቲ ምቛም ሰብኣውነት ሰብ ከስፍሕ ኣለዎ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መናብርተ ጥበብ ዝህልዎ ውሁድ ቅርጺ ሰብኣውነት ንምድንፋዕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ምኽንያቱ ሓቀይና ትምህርቲ "ንሰብኣውነት ሰብ ኣብ ምድላይ ናይ መፈጸምታን መወዳእታኡን ንጽቡቕ ናይቶም ከም ሰብ ኣባል ዝኾነሎም ሕብረተሰባትን ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ። . . . " ኣብ ውሽጢ እዚ ኣድማስ እዚ፡ ምሁራውን ግብረ ገባውን ዓቕምታት፡ ሓላፍነታዊ ናጽነትን ተወፋይነት ንሓባራዊ ረብሓን "ብስኒት ይለምዕ፡ ብጽኑዕ፡ ብግልጺ ክዘራረቡን ብቕንዕና ክዋስኡን ዘሎ ተኻአልነት" ክሓስቡ ዝኽእሉ ሰባት ይፈጥር።

Veritas in Caritate  - ሓቂ ብፍቕሪ ምርዳእ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብምምልካ፡ እዚ ኣገላልጻ እዚ "ብዓይኒ እምነት ዝተገብረ ርቱዕ ጽማሬ ተልእኾ ናይቲ መንበረ ጥበብ" ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓቂ መንነታ ኣብ ስብእና ኢየሱስ ክርስቶስ እያ እትረኽቦ

ቅዱስ ኣቦና "ንባህሊ ክርስትና ሓቂ "ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ወይ ረቂቕ ኣተሓሳስባ ጥራይ ኣይኰነን" እንክብሉ ብምዝኽካር፡ ኣብ ክንዳኡስ ሓቂ "መንነቱ ኣብቲ ንርእሱ ሓቂ ምዃኑ ዝገልጽን ንሰብ ምሉእ ብምሉእ ዚገልጽን ዝለዓለ ጸዋዕታኡ ዘርእዮን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ . . . ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብኣእምሮኣዊ ጽንዓትን ስነ-ፍልጠታዊ ቅንዕናን እትድለ ሓቂ ኣብ ፍቕርን ናይ መወዳእታ መለክዒኣን እያ እትረክብ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት "ንሓደ ክርስትያን ሓቂ ምዝራብ ነቲ ሰብ ዝሃንጽን ዝፍውስን ናብ ፍጻሜ ዝመርሕን ናይ ፍቕሪ ተግባር ስለ ዝኾነ እዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ሓቂ ውልቃውን ርክባውን ኣድማስ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍልጦ "ንፍልጠት መዓብለልን መነጸልን መጋበርያውነትን ጥራይ ንኸይከውን ይዕቅቦ" ኣብ ክንዳኡስ "ንፍትሕን ክብርን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ናብ ምግልጋል ከም ዚመርሖ" ኣትሪሮም ከም ዘዘካኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ፍልጠት ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት ሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት Veritas in Caritate - ሓቂ ብፍቅሪ ፍልጠትን ህይወትን፡ ኣእምሮን ስነ-ምግባርን፡ እምነትን ምኽንያትን፡ ስነ ትምህርታዊ ብሉጽነትን ዜግነታዊ ሓላፍነትን ንምውህሃድ ዝጽዕር ጸዋዕታ ናይ ስነ ትምህርታዊ ማሕበረሰብ ይገልጽ። ምርምር፡ ምምሃርን ሞያዊ ሕንጸትን ከም ኣገልግሎት እምበር ፍጻሜኡ ርእሰ ተወካስነት ኣይኮነን፡ "ፍልጠት ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ሰብ ዝርከበሉ፡ ዝያዳ ሰብኣዊ፡ ፍትሓውን ስግረ - ባህርያውን ክፉት ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝቐንዐ" ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ሓቂ ብፍቕሪ  ንመመያኦም ክመርሕ ብምትብባዕ፡ ከምኡውን ሕንጸታውን ሓባራዊ ንጥፈታትን መንበረ ጥበብ ነማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም መንበር ጥበብ ኣማዕቊይቦም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 May 2026, 14:07