ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ቓዛ ምሕጋዝን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተን ጋልደልፎ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ቓዛ ክሕግዝ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብኣዊ መሰል ኵሉ ሰብ ክኽበር ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ብዛዕባ ናብ ቓዛ ዘቕነዐ ነቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2025 ብዓውድታት በርገሳውያን ማሕበራት ዝካየድ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ተበግሶ፡ እገዳ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንምብታኽ ዝኣመተ፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ብዝተፈጥረ ውግእ ብጥሜት ዝተሃስየ ህዝቢ ፍልስጤም መግብን መድሃኒትን ንምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መተሓላለፊ ንምቛም ዝዓለመ ብዓለማዊ ስሙድ ቃፍላይ መራኽብ - Global Sumud Flotilla ዝነጥፉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይሊ ባሕሪ እስራኤል ተታሒዞም ብመቑሕ ተኣሲሮምን ዓይኖም ተሸፊኖምን ዝተራእዩ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣብ ቓዛ ብቐጻሊ ስቓይ ሰላማውያን - በርገሳውያን ብዘሕዝን ኩነታት ብምምልካት፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ህዝቢ ቓዛ ክሳብ ሕጂ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይረክብ ምዃኑ እዩ - ቢሎም - እዚ ኩነታት እዚ "ተቓውሞታት የለዓዕል ኣሎ" እቶም ኣብ ቃፍላይ መራኽብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተሳተፉ ሓዊስካ” ሕልኽልኻት ይርኣ ኣሎ፡ እዚ ከም ዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓቂ ከም ጻውዒት'ውን ከሐድሶ ዝደሊ፡ ኩሎም ሰበስልጣን ንህዝቢ ቓዛ ክሕግዙን ከሰንዩን፡ ከምኡ'ውን ዳግመ ህንጸት ንምጅማር ክተግሁን" ተማሕጺኖም፡ "ህዝቢ ብሓቂ ይሳቐ ኣሎ። ብዙሕ ስቓይ ይቕጽል ኣሎ" ኢሎም።
ኣጽዋር ዘይተዓጠቑ ደለይቲ ፍትሒ ሰላም ዓመጽ የጋጥሞም ዝብል ቅዱሰንቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ እንታይ ማለት ምዃኑ ምስ ተሓተቱ፡ ብዛዕባ ዝያዳ ጽልኢ ከጓሃህር ዝኽእል ሓደጋ ኣጠንቂቖም። "ዝያዳ ጽልኢ ኣለዓዒልና ኢና፣ ዓመጽ ኣይጠቅምን እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ወገን ይምጻእ። ኣብ ክንዳኡስ ናብ ዘተ ምምላስ" ከምኡ'ውን "ብዘተ ጸገማት ክፍታሕ ምጽላይ" ኣድላዪ ምዃኑ የጒልሑ።
“ዝተዓጥቀ” ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ኣብ ዘመናዊ ውግእ ዝዓቢ ዘሎ ግደ ሰብ ሰርሖ ኣስተወዕሎ እናሓሰቡ፡ ንውሳነታት ካብ ክቡር ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብ ካብ ዘርሕቕ እደ ጥበብ ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ ንዝተፈጸሙ ግጭታት ብምጥቃስ ሎሚ "ውግእ ብዛዕባ ህይወት ደቂ ሰብ ከይሓሰብካ ብሰብ ሰርሖ ስተውዕሎ እዩ ዚካየድ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ኹሉ ሰብኣዊ ሕይወት ግዳይ ዝኸውን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላም ንኽግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ ነቲ "ዘይተዓጥቀ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ " እንክብሉ ዝገለጽዎ ኣምር ምስዓብ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝርርብ ምስ ኣንትሮፒክ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝገበርዎ “ግሩም ሰብኣውነት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ዓበይቲ ትካላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ቫቲካን ብኸመይ ክትዋሳእ ትሓስብ ዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልሱ፡ ድሮ እቲ ዝተ ተበጊሱ እዩ ይቕጽል ድማ ኣሎ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣንትሮፒክ እተሰምየ ቀንዲ መቐመጢኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ምስ ዝኾነ ትካል ረብሓ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ገሊጾም፡ ሓደ ዓይነት ናይ ሓባር ዕዮ ክህሉ ዝብል ድላይ ኣሎ፡ እቲ ዕድመ ድማ ዕለት 25 ግንቦት ብኽልቲኡ ወገን ተገሊጹ እዩ፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ: እቲ ዘተ ምቕጻልን ብሓቂ ዕጥቁ ዝተፈትሐ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምድላይን" እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
