ድለ

2026.05.25 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ እዋን ቅልውላው ብዝሒ ህዝቢ ኤውሮጳ ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ክህሉ ይላበዉ 2026.05.25 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ እዋን ቅልውላው ብዝሒ ህዝቢ ኤውሮጳ ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ክህሉ ይላበዉ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ እዋን ቅልውላው ብዝሒ ህዝቢ ኤውሮጳ ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ክህሉ ይላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ምትሕግጋዝን መጻኢ ሕብረተሰብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ብምጥንቃቕ፡ ንኣባይቲ ስድራን ክብሪ ደቂ ሰባትን ዳግማይ ደገፍ ክግበር ንኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ኣብታ ኣህጉር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራውን ባህላውን መኻንነት ክስዕሮ ዝኽእል “ንኣባይቲ ስድራ ሓድሽ ጽድያ” ጥራይ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መራሕቲ ኤውሮጳ ብሰንኪ ታሪኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ እርጋን ብዝሒ ህዝባ “‘ኣረጊት ኣህጉር’” ክትከውን ኣብ ዝገብራ ሓደጋ ከምዘላ ኣጠንቂቖም፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ነቲ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ቅልውላው ብዝሒ ህዝቢ፡ ንኣባይቲ ስድራ፡ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ምትሕግጋዝን ክብሪ ህይወት ደቂ ሰባትን ዳግማይ ደገፍ ብምግባር ክገጥምዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዓዲሞም፡ ምንካይ መጠን ውልደትን ዕድመ ምድፋእ ብዝሒ ህዝብን “ንሚልዮናት ሰባትን ኣባይቲ ስድራን ግብራዊ ትርጉም ዘለዎ ህጹጽ ብድሆ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኪኖ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ዝኾነ ቅልውላው

ስነ ህዝቢ - ብዝሒ ህዝቢ ሕቶታት ናብ ቁጽሪ ጥራይ ክወርድ ከምዘይክእል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስሚሮም፡

"ስነ ህዝቢ - ብዝሒ ህዝቢ መረዳእታ ጭብጥታት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣቦነት፡ ኣደነትን ቆልዑን ዝዛረብ እውን እዩ - ቢሎም - ቆልዑ መጻኢ እዮም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኤውሮጳ ብሰንኪ “እርጋን” “ኣረጊት ኣህጉር” ትኸውን ኣላ ዝብል ዘቅረብዎ ስክፍታን ነቲ “ለበዳ ጽምዋ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ብምዝካር ምንቁልቋል ስነ-ህዝቢ ማሕበራዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣነጺሮም፡ ሓቀይናን ዘላቕን ምዕባለ ኣብ መንጎ ወለዶታት ኣብ ዘሎ ሓድነት ከም ዝምርኮዝ ብምዝኽካር ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛን ኣብ መላእ ኤውሮጳ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ኣብ ባህላዊ “መኻንነት”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ምድኻም ክርስትያናዊ ሱር ኤውሮጳ ኢሎም ዝገለጽዎ ርእይቶ እናሓሰቡ፡ ነቲ ንመስረትቲ ትካላት ኤውሮጳ ዝመርሕ ዝነበረ ክርስትያናዊ ምትብባዕ ምንጻግ፡ ብዙሓት “ናይ ምውላድ መሰል ስለ ዝተነፍጎም” ጥራይ ዘይኰነስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንመጻኢ ንምግጣም ዘድሊ ንዋታውን ባህላውን መሰረታት ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉን እዚ ድማ ንጽንኩር ናይ መኻንነት ኩነታት” ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ገለ እዋናዊ ስርዓታት ንኣባይቲ ስድራ ዝድግፍን ብተመሳሳሊ “ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ኣደነት ዘስፍሕን ምንጻል ጥንሲ ከም መሰል ዝድግፍን ንመሰረት ናይቲ ስድራቤት ናይ ምምስራት ድሌት ዘዳኽምን” ዝብሉ ተጋራጫዊ ኣገባባት ነቒፎም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንስ ስነ ብዝሒ ህዝቢ ኣባይት ስድራ ሕዳሴ ንምድጋፍ ንዝሰርሑ ተበግሶታትን ትካላትን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስድራቤት ኣብ ሕመረት ሕብረተሰብ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ምምካን ብዝሒ ህዝቢ ብድሆ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ትካላትን ናይ ስነ ትምህርትን ተቕዋማትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ብምምልካት፡ ነቲ ናይ ስነ ህዝቢ ሕቶ "ንስነ - ሰብኣውን ማሕበራውን ቍጠባውን መጻኢ ኣውሮጳ ወሳኒ ምዃኑ" ኣስተብሂሎም፡ ንክርስትያን ከም "ዘይንጸል ክፍሊ" በርገሳዊ ሕብረተሰብ ዘጠቓልል ዘተ ኪግበር ኣተባቢዖም፡ ኣብ ማእከል ዝዀነ ይኹን ነባሪ ፍታሕ ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብን መሰረታዊ ግደ ስድራ ቤትን እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ንኣስተምህሮ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር ነታ ስድራቤት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ተኽሊል እተመስረተ "መጀመርታን መተካእታ ዘይብሉን ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ሂወት" እክብሉ ገሊጾም፡

ስርዓታት ንስድራቤታት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህላውን ህይወት ንጡፍ ተሳትፎ ከደልድሎ ኣለዎ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ጣልቃ ምእታው መንግስትን ሱር ዝሰደደ ውልቃውነትን ከወግድ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንኤውሮጳ “ሓድሽ ጽድያ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሕሉፍ ማሕበራዊ ቅጥዕታት ንምምላስ ዝደሊ ዘይኮነስ፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ህይወት ደቂ ሰባትን ሕብረተሰብን መጻኢ ወለዶታትን ዝምልከት መሰረታዊ ሕቶታት ኣብ ዝገጥሙሉ እዋን ክመርሕ ዝኽእል ነባሪ መትከላት ዘቕርብ ምዃኑ ኣነጺሮም፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ካቶሊካውያን ማሕበራት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኤውሮጳ (FAFCE)ን ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳን (COMECE) ዘሎ ጥምረት ሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ረብሓን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ፍረ ናይ ዘለዎ ምትሕብባር ኣብነት ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ “ንቅልውላው ስነ ህዝቢ ንምፍታሕ ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ መንገዲ ክኽፈት ይኽእል እዩ፡ ናብ ናይ ሓባር ረብሓ፣ ከምኡ’ውን ናብ ሰናይ ሂወት መጻኢ ወለዶታት ዝቐንዐ - ቢሎም - ቅዱስ ኣቦና “ብሓቂ ንቤተሰብ ዝኸውን ሓድሽ ጽድያ ጥራይ እዩ ነቲ ናይ ክረምቲ ቁሪ ናይቶም ብዕድመ ዝደፍአ ህዝብና ክቕይሮ ዝኽእል” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 May 2026, 14:55